ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርኪ፡ ዘስዐቦ ፍግረ-መሬት ካብ ምስልታት ካርታ ጠፈር

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርኪ-ሶርያ ስዒቡ፡ ድሮ ልዕሊ 23 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ድማ ክሳብ ሕጂ ተዓጽዮም ዘለዉ ዀይኖም፡ ህይወቶም ንምድሓን ዝግበር ጻዕሪ ዳርጋ ይጽልምት ኣሎ።
ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ዝግበር ጻዕርታት ሳይንስ ግን ክቕጽል እዩ። ካብዚ ፍጻመ ዝርከብ ርድኢት ኣብ መጻኢ ህይወት ሰባት ከድሕን ይኸውን።
ኣብዚ ገጽ እዚ ዘሎ ካርታ ተመልከቱ። መሬት ነቲ ዝተተተኮሰ ገዚፍ ተፈጥሮኣዊ ሓይሊ ምላሽ ሂቡ ከመይ ከም ዝወዛወዘ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተረኽበ ምስሊ፡ ኣዝዩ ብልክዕ ዘርኢ እዩ።
እቲ ብድሕሪኣ ዘሎ ዳታ፡ ዓርቢ ኣጋ ምሸት ብሳተላይት ሕብረት ኤውሮጳ ሴንቲነል-1ኤ ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ኣብ 700 ኪ.ሜ ቁመት ኣብ እትሓልፈሉ ዝነበረት እዋን እዩ ተረኺቡ።
ሴንቲነል፡ ኣብ ኩሉ ኩነታት ኣየር፡ ለይትን መዓልትን ንመሬት ክስምዖ ዝኽእል መሳርሒ ራዳር ሒዛ ትኸይድ።
ነዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝቃላዕ ዞባ ዓለም ብስሩዕ ስካን ብምግባር [ምስሊ ብምውሳድ]፡ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝመጽእ ኣዝዩ ረቂቕ ለውጢ ትከታተል።
እቲ ብሰኑይ ዝተረእየ ለውጢ ፈጺሙ ሃንደበታዊ ኣይነበረን። ድራማ እዩ ዝመስል ግን፡ መሬት ተጠውዩ፡ ተጠምጢሙን ኣብ ገለ ቦታታት ተቐዲዱን።
ተመራመርቲ፡ "ቅድሚ"ን "ድሕሪ"ን ኣረኣእያታት ንምንጽጻር፡ ሜላ ‘ኢንተርፈሮሜትሪ’ ይጥቀሙ።
ኣብዚ ዘለዉ ቀያሕቲ ሕብርታት፡ እታ ሳተላይት ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ካብ እትበርር ኣትሒዛ ናብታ ሳተላይት ገጻ ዝግበር ምንቅስቓስ ዝገልጹ እዮም፤ እቶም ሰማያዊ ሕብርታት ካብታ መርከብ ጠፈር ርሒቑ ዝግበር ምንቅስቓስ ይምዝግቡ።

ምንጪ ስእሊ, ESA
ኣብ መስመር ምብራቓዊ ኣናቶልያ፡ እቲ መሬት ብኸመይ ከምዝነቕዐ ብብዝሒ ንጹር እዩ።
ንኽልቲኡ እቲ ብሶኑይ ሰዓት 01፡17 GMT ንመጀመርታ ግዜ ዘጋጠመ 7.8 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ብ7.5 ዝዓቐኑ ፍጻመ ሰዓት 10፡24፡ እቲ ምንቅስቓስ "ጸጋማይ ጎናዊ" እዩ።
ኣብ ኣየናይ ወገን ናይቲ መስመር ሃሉ ብዘየገድስ፡ እቲ ካልእ ወገን ናብ ጸጋም ዘይሩ ኣሎ።
እቲ ዘሰንብድ መስመራት ምብታኽ ትኽክል ብሰፈራታት ሓሊፎም ምህላዎም እዩ፤ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ትኽ ኢሎም ህንጻታት ሰንጢቖም ሓሊፎም እዮም።
ካርታ ሴንቲነል፡ ሳይንቲስት ብሶኑይ እንታይ ከም ዘጋጠመ ብልክዕ ንኽርድኡ ክሕግዞም እዩ።
እዚ ፍልጠት ድማ ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብቲ ዞባ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብ ሞዴላቶም ክምዝገብ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ናብቲ ሰበስልጣን ቱርኪ ነቲ ምሕዋይ ክውጥኑ ከለዉ ዝጥቀሙሉ ገምጋማት ሓደጋታት ክምገብ እዩ።
እቶም ክልተ ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኸመይ ከምዝተኣሳሰሩን እዚ ንዝያዳ ዘይምርግጋእ እንታይ ትርጉም ክህልዎ ከምዝኽእልን ብዙሕ ዘተ ከምዝካየድ ርግጽ እዩ።
እቲ ካርታ ብማእከል ትዕዝብትን ሞዴሊንግን ምንቅጥቃጥ መሬት፡ እሳተ ጎመራን ቴክቶኒክስን ዓባይ ብሪጣንያ (ኮሜት) ዝተሰርሐ እዩ።
ዳይረክተር እቲ ማእከል፡ ፕሮፌሰር ቲም ራይት፡ ትዕዝብቲ ሴንቲነል ንዓቐን ናይቶም እዚ ዘስዐቡ ሓይልታት፡ ብንጹር ናብ መሬት ከምዘውረዶም ገሊጹ።
"ማዕከናት ዜና ኩሉ ግዜ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም 'ማእከል መሬት' የርእያኦ፡ ከም ሓደ ነጥቢ ምንጪ። ብሓቂ ክርአ ከሎ ግን፡ ኩሉ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብሰንኪ ምዝንባል ኣብ ዝተናውሐ ዝፍጠር ክስተት'ዩ፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዝዓበየ መጠን ድማ፡ እቲ ዝተሰንጠቐ መስመር ይዓቢ" ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ተዛሪቡ።
"ነቶም ምብትታን ብሳተላይት ክንፈልዮም ንኽእል ኢና፤ ምኽንያቱ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ መሬት ስለዝተመዛበለ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ክሳብ 5 ሜትሮ ወይ 6 ሜትሮ። ምፍንጻሕ ናይቲ ቀዳማይ ፍጻመ 300 ኪ.ሜ ወይ ልዕሊኡ ንውሓት ነይርዎ፡ እቲ ካልኣይ ዓቢ ፍጻመ ድማ ካልእ 140 ኪ.ሜ ወይ ከባቢ ዝፈከላለየ ምፍንጫሕ እዩ። ነቶም ርሕቐታት፡ ትሕዝቶኦም ንምግላጽ፡ ካብ ለንደን ክሳብ ፓሪስ ብግምት 345 ኪ.ሜ. ከባቢ ይበጽሕ”፣።
“ኣብ ጥቓ እቲ ዝነቕዐ መሬት ዘሎ፡ እቲ ጉድኣት ዝዓዘዘ ክኸውን ግድን'ዩ፡ ብርግጽ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ናይቲ ነቓዕ'ውን ኣብ ሰፊሕ ዞባ እዩ ዝዝርጋሕ። ፍጹም ዘስካሕክሕ'ዩ"።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብቲ ቅድመ-ሳተላይት ዝነበረ ዘመን፡ ተመራመርቲ ስነ-ምድሪ፡ ኣብ መስመራት ነቓዕ ብምጉዓዝ፡ ንፍልልያት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ካርታ ይስእሉ ነይሮም።
ብተፈጥሮኡ ብዙሕ ዝርዝር ነገራት እውን ዝሰኣነ ኣድካሚ መስርሕ እዩ ነይሩ። ካብ ጠፈር ዝመጽእ ራዳር ኢንተርፈሮሜትሪ ኣብ 1990ታት ዝተምሃዘ ኾይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍላይ ኣገዳሲ መሳርሒ ኮይኑ ኣሎ።
ብኸፊል እዚ ናብ ጽሬት ናይቶም ሕጂ ኣብ ምድሪቤት ዘለዉ ሴንሰራት ዝወርድ ኮይኑ፡ ውጽኢት ናይ ዝያዳ ሓያላት ኮምፒዩተራትን ዝበሃሉ ኣልጎሪዝማትን እውን እዩ።
ሎሚ ኣብ ኮምፒዩተራት ክኢላታት፡ ንትንተና ድሉው ዝኾነ፡ ሳተላይት ልዕሊ ርእሲ ምሕላፍ ካብ እትገብር ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ፍርያት ዳታ ምርካብ ይከኣል እዩ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ንቱርኪ ምቹእ ምርኢት ንምርካብ፡ ሴንቲነል-1ኤ ኣብ ትኽክለኛ ክፋል ሰማይ ክሳብ እትህሉ ሓያሎ መዓልታት ክጽበ ነይርዎ። እዚ ግን ሳተላይታት ራዳር ዝያዳ እናተወንጨፋ ምስ ከዳ ዝመሓየሽ እዩ።
"ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓሰርተ ዓመት፡ እዚ ዓይነት ትንተና ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ካብቲ ዝበዝሐ ሃሳዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክንገብር ክንክእል ይግባእ፡ ድሕሪኡ ድማ ንጻዕርታት ረድኤት ዝያዳ ይጠቕመና። ሕዚ፡ ብርግጽ ልዕሊ 72 ሰዓታት ወሲዱና" ይብል ፕሮፌሰር ራይት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







