ኲናት ዩክረይን፡ ኪቭ ኣብ ከቢድ መጥቃዕቲ ሚሳይልን ድሮንን

ኣብታ ከተማ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ዘርእዩ ቪድዮታት ተዘርጊሖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብታ ከተማ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ዘርእዩ ቪድዮታት ተዘርጊሖም

ኣብ ኪቭ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንሻምናይ ግዜ ከቢድ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተኻየደን ሰለስተ ሰባት ከም ዝቘሰሉን ተገሊጹ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጽአ ምስሊ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ሚሳይላት ካብ ሰማይ ሃሪሙ ከውድቕ የርኢ።

ሰብ መዚ መንግስቲ፡ ብሰንኪ'ቲ ተሃሪሙ ካብ ዝወድቕ ፍንጭልጫል ሚሳይላት ዝስዕብ ሓደጋ ንምክልኻል ሰባት ካብ መሳዅቲ ክርሕቑ ኣጠንቂቘም።

ከንቲባ እታ ከተማ ቪታሊ ክሊችኮ ኣብ መካነ እንስሳታት እታ ከተማን ኣብ ማእከላይ ኣውራጃታት ገለ ስብርባር ሮኬታት ከም ዝወደቐ ገሊጹ።

ብሰንኪ እዚ ዝስዓበ መጕዳእቲ ከም ዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።

ሓደ በዓል መዚ ኪቭ፡ እቲ ድሮናትን ሚሳይላትን ኣወሃሂዱ ዝተኻየደ ዝተሓላለኸ መጥቃዕቲ፡ ኣዝዩ ዝተፈለየ ጽዑቕ ክብል ገሊጹዎ።

ሓላፊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ርእሰ ከተማ ዩክረይን ሰርሂይ ፖፕኮ፡ እቲ መጥቃዕቲ “ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዝለዓለ ቍጽሪ መጥቃዕቲ ሚሳይላት” ክብል ገሊጽዎ።

"ብመሰረት መባእታዊ ሓበሬታ፡ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ክሊ ኣየር ኪቭ ዝነበረ ዒላማታት ጸላኢ ተረኺቡን ዓንዩን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ዝርከብዎም ምዕራባውያን መሻርኽቲ ሓያሎ ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ናውቲ ክህቡ ቃል ኣትዮምሉ።

ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ24 ለካቲት 2022 ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሲቪላትን ተጋደልቲን ተቐቲሎም ወይ ቈሲሎም፡ ከተማታትን ዓድታትን’ውን ብውግእ ዓንዮም’ዮም።

ኣስታት 8.2 ሚልዮን ዩክሬናውያን ድማ ኣብ ኤውሮጳ ከም ስደተኛታት ተመዝጊቦም ኣለው፤ ካብዚኦም እቶም 2.8 ሚልዮን ኣብ ሩስያ ይርከቡ።