እስራኤል-ቓዛ፡ ውዕሊ ተዅሲ ደው ምባል ተኸቲሙ

እስራኤልን ጅሃዳውያን ጉጅለ ፍሊስጤምን ውዕል ምቁራጽ ቶኩሲ’ኳ እንተገበሩ ቶኵሲ ደው ኣይበለን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ቓዛ ኣብ መንጐ ሰራዊት እስራኤልን እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ፍልስጤምን ንሓሙሽተ መዓልታት ክካየድ ዝጸነሐ ውግእ ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሮም፡ ክልቲኦም ወገናት ብዝገበርዎ ውዕል ምቁራጽ ተኵሲ ደው ክብል ተስፋታት ዛይዱ ኣሎ።

ክልቲኦም ወገናት ትማሊ ምሸት ውዕል ምቁራጽ ተዅሲ ክገብሩ ድሕሪ ምስምምዖም፡ ንክልተ ሰዓታት ከቢድ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣካይዶም። እስራኤል እቲ ተዅሲ ንእስላማዊ ጉጅለ ፍልስጤም ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ገሊጻ።

ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ጅሃዳውያን ጕጅለ ፍልስጤም፡ ከም ግብረ መልሲ ናብ እስራኤል ብዝተኰስዎ ሮኬታት ሓደ እስራኤላውን ሓደ ፍልስጤማውያን ምማቶም ኣቃሊሐን።

ክልቲኦም ወገናት ብሸምጋልነት ግብጺ’ዮም ናብ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ክበጽሑ ክኢሎም።

መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ውዕል ምቁራጽ ተዅሲ ሓንጐፋይ ኢሉ ከምዝቕበሎ ብምግላጽ፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ዞባውያን መሻርኽቱ ኰይኑ ክሰርሕ ምጽንሑ ሓቢሩ።

እቲ ውዕል ካብ ትማሊ ሰዓት ዓሰርተ ምሸት ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን’ኳ ኣብቲ ውዕል እንተነበረ፡ ድሕሪ ሰዓት ዓሰርተ ዕጡቓት ፍልስጤም ናብ ቴል ኣቪቭን ናብ ደቡባዊ ሸነኽ እስራኤልን ሮኬታት ተኵሶም ነይሮም።

እስራኤል ብወገና ደብዳብ ኣየር ብምክያድ ክልተ ዒላማታት ጅሃዳውያን ጉጅለ ፍልስጤም ከምዝሃረመት ኣፍሊጣ።

ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ምስ ኮነ’ውን ብክልቲኦም ወገናት ምልውዋጥ ተዅሲ ከምዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ።

ናብ እስራኤል ይትኰስ ዝነበረ ሮኬታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ናብ እስራኤል ይትኰስ ዝነበረ ሮኬታት
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዋላ'ኳ ኣብ መንጐኦም ገና ሓሓሊፉ ምልውዋጥ ተዅሲ እንተሃለወ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ፡ ውዕል ምቁራጽ ተዅሲ ከምዝተገበረ ዝሕብር መግለጺ ብምሃብ፡ ነታ ብመንጐኝነት ዝሰርሐት ግብጺ ኣመስጊኑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ “ንሕና ክንሰማማዕ እንከለና ተዅሲ ደው ይበል ዝብል እንተዀይኑ ደው ንኽብል እዩ፣ እንድሕር እስራኤል ተጠቒዓ ወይ መፈራርሒ ቃላት መጺእዋ ግን፡ ነብሳ ንምክልኻልን ክንዮኡ ንምኻድን ኵሉ ነገር ምግባር ክትቅጽል’ያ” ኢሉ።

ወሃቢ ቃል እስላማዊ ጉጅለ ፍልስጤም ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡“ እዛ ጐባጢት [እስራኤል] በቲ ውዕል ትቕየድ እንተዀይና ንሕና’ውን ዘይንቕየደሉ ምኽንያት የለን” ኢሉ።

ቢቢሲ ካብ ጸጥታ ግብጺ ዝመጽኦ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምርኩስ ብምግባር፡ ክልቲኦም ወገናት ንሰለማውያን ሰባት ዕላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ካብ ምክያድ ክቑጠቡ ከምዝተሰማምዑ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ እዮርሳሌም እትርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዮላንድ ክኔል ብወገና፡ እቲ ውዕል ነቲ ዘሎ ወጥሪ ከህድኦ ተስፋ ኣስፊኑ ከምዘሎ ገሊጻ።

እስራኤል ብሰሉስ ኣብ ቓዛ መጥቃዕቲ ኣየር ብምፍጻም ንሰለስተ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጅሃዳዊ ጉጅለ ፍልስጤም ከምዝቐተለት ምግላጻ ዝዝከር ኰይኑ፡ ምስኦም ዝነበረ ብውሕዱ 10 ዝዀኑ ቤተሰቦም ከምዝተቐተሉ’ውን፡ ኣብ ግዚኡ ተገሊጹ ነይሩ።

ምቕታል እዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብጅሃዳውያን ጕጅለ ፍልስጤም’ውን ተረጋጊጹ’ዩ።

እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ፍልስጤም ናይቶም ዝተቐተሉ ሓለፍቲ ሕነ ንምፍዳይ ናብ ደቡባውን ማእከላይን እስራኤል መጥቓዕቲ ናይ ሮኬታት ጀሚሮም።

ቤት ጽሕፈት ምክልኻል እስራኤል፡ ጉጅለታት ፍልስጤም ብሓፈሻ 1234 ሮኬታት ከምዝተኰሱን፡ ካብዚ እቲ 976 ናብ ኣብ ውሽጢ ክሊ መሬት እስራኤል ከምዝዓለበን ብምግላጽ፡ እንተዀነ እንትርፎ ውሑድ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዝዓለበ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ሰማይ ከሎ ከምዝመኸነን ኣብ ባዶ መሬት ክዓልብ ከምዝተገበረን ገሊጹ።

እስራኤል ብወገና 371 ግዜ ደብዳብ ነፈርቲ ብምክያድ ብዘይካ እቶም ብሰሉስ ዝቐተለቶም ካልኦት ሰለስተ ሓለፍቲ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከምዝቐተለትን፡ መወንጨፊ ሮኬታትን መአዘዚ ናቑጣታት እቲ ጕጅለ ከምዘዕነወት ገሊጻ።

ሰብ መዚ ጥዕና ፍልስጤም ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ሸውዓተ ህጻናትን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም 33 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሓቢሮም።