ሽሪን ኣቡኣቕላ፡ እስራኤል እታ ውርይቲ ጋዜጠኛ ብወተሃደራታ ከም እተቐትለት ኣንፊታ

ሽሪን ኣቡኣቕላ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሰራዊት እስራኤል፡ እታ ውርይቲ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ዝነበረት ፍልጤማዊት-ኣሜሪካዊት፡ ብሓደ ወተሃደር እስራኤል ተቐቲላ ክትከውን ከም እትኽእል ደምዲሙ።

እታ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ወተሃደራት እስራኤል ናብ ምዕራባዊ ገማግም ደፊኦም ድሕሪ ምእታዎም ንዝተፈጥረ ቅልውላው ኣብ እተቃልሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ብዝተተኰሰላ ጥይት’ያ ኣብ ርእሳ ተወቒዓ ሞይታ።

ነዚ ኸኣ ሕጂ ሰራዊት እስራኤል ሓላፍነት ክወስደሉ ዝደለየ ይመስል ኣሎ።

ላዕለዋይ በዓል መዚ ሕጋዊ ጉዳያት ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ ጉዳይ ኣድማዒ መዛዘሚ ክኸውን ንዝነበሮ፡ ገበናዊ መርመራ ‘ቲ ውልቀ ቐታሊ ግን ነጺግዎ።

ስድራቤት ሽሪን፡ ሰራዊት እስራኤል ካብ ሓላፍነት ክሃድምን ሓቂ ክዓብጥን ዝገበሮ ፈተነ ከምዘየገርሞም እዮም ዝገልጹ።

ሽሪን ኣቡኣቕላ፡ ነቲ ኣብ መንጐ’ቶም ደፊኦም ዝኣተው ወተሃደራት እስራኤልን ዕጡቓት ፍልስጤማውያንን ዝተፈጥረ ጐንጺ ንዝሰዓበ ውግእ ንኽትጽብጽብ እያ፡ ብ 11 ግንቦት ናብ መዓስከር ስደተኛታት ጀኒን በጺሓ። ኣብቲ ቦታ ኸኣ ሀልመት ቈብዕን፡ “Press” ዝብል ዝተጻሕፎ ሰመያዊ ጥይት ዝከላኸል ክዳን እያ ለቢሳ ነይራ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ንኣቀታትላኣ ዝምልከት ዝህቦ ጸብጻብ ኣካል ናይቲ ጉዳይ ቅትለት ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

መሰኻኽር ዓይኒን ሰበስልጣን ፍልስጤምን፡ ሓደ ወተሃደር እስራኤል ብዝተኰሶ ጥይት ከም እተቐትለት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። እዚ ድማ ጸኒሑ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ መርመርቲ ጋዜጠኝነትን ዝተረኽበ መረዳእታታት ተደጊፉ እዩ።

ብኣሜሪካ ዝቐረበ ዳህሳስ’ውን፡ እታ ቀታሊት ጥይት ካብ ወተሃደራት እስራኤል ከም ዝተተኰሰት ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ይገልጽ።

በዚ ኸኣ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ነቲ ክገብሮ ዝጸንሐ ሓያለ ውሽጣዊ መርመራታት ከም ዘጠናቐቐ ገሊጹ'ሎ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እስራኤል ትማሊ ሰኑይ ከም ዝበሎ፡ “ብሓደ፡ ጋዜጠኛ ምዃና ፍልዩ ክርእያ ዘይከኣለ ወተሃደር ብጌጋ” ተቐቲላ ክትከውን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ፡ ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ መርመርቲ ነቲ ወተሃደር ከም ዘዘራረብዎ’ውን ገሊጹ። “ንሱ -እቲ ወተሃደር - እንታይ ከም ዝገበረ ነጊሩና እዩ፤ እቲ ዝገበሮ ድማ ብጌጋ እዩ፡” ይብል።

“ብዛዕባ’ቲ እቶም ወተሃደራት ዝዋግኡሉ ዝነበሩ ከባቢ ጸቒጠ ክዛረብ እደሊ። ንሳቶም፡ ብዅሉ ኣንፈታት ጠያይት እናዘነቦም፡ ከለላ ተገይሩላ ኣብ ዝነበረ ወተሃደራዊት መኪና እዮም ነይሮም፡” ይብል እቲ በዓል ስልጣን።

ሽሪን ዝተቐትለትሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እንተዀነ፡ ኣብታ ሽሪን ዝተሃርመትላን ጋዜጠኛታትን ሓልፍቲ መገድን ዝተኣከቡላ ህሞት ንዝነበረ ኵነታት እተርኢ ቪድዮ፡ ኣንጻር'ዚ ብሰበስልጣን እስራኤል ዝቐርብ ዘሎ ምጕት እዩ።

ወተሃደራት እስራኤል ካብ 200 ሜትሮ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ከም ዝነበሩ እዩ ዝግመት። እቲ ቪድዮ ድማ፡ ናብቲ እቶም ጋዜጠኛታት ዝነበርዎ ሸነኽ ዘቕንዐ፡ ንሓያለ ደቓይቕ ዝተተኰሰ ጠያይት ከም ዝነበረ የርኢ።

ብዛዕባ’ዚ ሽዑ ዝተላዕለ ቪድዮ ኣመልኪቱ ነቲ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን እስራኤል ብቢቢሲ ሕቶ ቀሪቡሉ እዩ፤ ንሱ፡ ወተሃደራት ኣብ ጽዑቕ ተዅሲ ከም ዝነበሩን፡ ካብ ውሽጢ’ታ ዝነበርዋ “ጂፕ” ዝዓይነታ ወተሃደራዊ መኪና ኰይኖም ከኣ ኣብ ደገ እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረን ብዛዕባ’ቶም ጋዜጠኛታት ፈልዮም ክፈልጡን ኣብ ዘይክእሉሉ ኵነታት እዮም ነይሮም፡ ይብል።

ገበናዊ መርመራ ብዘይምክያዱ፡ [ብውልቂ ተሓታትነት ዝስከም ገበነኛ ዘይምህላው] ንፍልስጤማውያን ኣቘጢዑ ኣብ ርእሲ ምህላው፡ ንቤተሰብ’ውን ደግሲ ኰይኑዎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ነቲ ብሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዝወጽአ መግለጺ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ እቶም ስድራ፡ “ገበነኛታት ኲናት እስራኤል፡ ንናይ ገዛእ ርእሶም ገበናት ዝዀነ ምርመራ ከምዘይገብሩን ከም ዝሸፋፍኑን ንዅሉ ብሩህ እዩ። ንሕና ኸኣ ኣብ ዓሚቝ ጓህን ቅዛነትን ተሪፍና ኣለና፡” ኢሎም።

ትካላት ሰባዊ መሰላት እስራኤልን ፍልስጤምን፡ ነቲ ብምክልኻል እስራኤል ዝግበር፡ “ውሽጣዊ ምርመራ” ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ክነቕፉ ዝጸንሑ ክዀኑ እንከለው፡ እዚ ኣገባብ፡ ወተሃደራት እስራኤል ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ፍስልጤማውያን ንዝገብርዎ ቅትለት፡ ዳርጋ ዘይተሓተትቲ ዝገብር እዩ፡ ብምባል ክነቕፍዎን ክምጕትዎን ጸኒሖም እዮም።

ብፍልስጤማውያንን ኣዕራብ እስራኤላውያንን ኣብ ጐደናታት ብሰንኪ ዝተፈጸመ 18 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም፡ ተፍትሽ፡ ማእሰርትን፡ ምፍራስ ኣባይትን ኣሐዪሎም። ገለ ካብዞም ፈጸምቲ እዚ ተግባራት ካብ ጀኒን ዝመጹ ምዃኖም እዮም ሰበስልጣን እስራኤል ዝኸሱ፤ ጸኒሑ ድማ ሓደ በዓል ስልጣን ኣብ መወዳእታ ግንቦት ተቐቲሉ።

ሽሪን፡ ኣብ ዓረባዊ ዓለም ሰፊሕ ተቐባልነት ነይርዋ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰበስልጣን እስራኤል፡ እንተላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታሊ በነት፡ ፈለማ ሽሪን ኣቡኣቕላ ብዕጡቓት ፍልስጤማውያን ከም እተቐትለት እዮም ክምጕቱ ዝተሰምዑ።

እንተዀነ ኣብዚ ጕዳይ ናጻን ግሉጽን ምርመራ ንኽግበር ኣህጕራዊ ጸቕጢ እናሓየለ ምስ ከደ፡ ጸኒሑ ሰራዊት እስራኤል፡ ብወተሃደራቱ ምቕታላ ሓደ ካብ ክልተ ተኽእሎታታት እዩ፤ እቲ ካልኣይ ብዕጡቓት ፍልስጤማውያን እዩ ክብል ተሰሚዑ።

እታ ጓል 51 ዓመት ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ፡ ንሰለስተ ዕቝድ ጉዳያት ዓረባዊ ዓለም ብስፍሓት ሸፈነ ክረክብ ብምግባራ፡ ኣብቲ ዞባ ሰፊሕ ክብርን ኣድናቘትን ዝነበራ እያ።

ምቕታላ ብኡ ንብኡ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ረኺቡ፤ ከም ሓደ ትእምርቲ ናይቲ ኣብ እዋን መጥቃዕቲታት እስራኤል ዝፍጸም ግን ከኣ ዳርጋ ዘይንገር ቅትለት ስቪላውያን ሰባት ተገይሩ ኸኣ ተወስደ።

ስድራቤታ ምሉእ ተሓታትነት ክህሉን፡ ገበናዊ መርመራ ክካየድን እዮም ክሓቱ ጸኒሖም።

ሓዋ ኣብ ሓምለ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ “ንሳ ሕጋውነት ብዝጠሓሰ ኣገባብ እያ ተቐቲላ፣ ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ ሓደ ሰብ ተሓታቲ ክህሉ ጥራይ ኢና ንደሊ፡” ኢሉ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ እቲ እስራኤል እትብሎ "ውሽጣዊ መርመራ” ሕቶታት ከልዕል ጀሚሩ።

ሽሪን ኣቡኣቕላ ድሕሪ ምቕታላ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ሰበስልጣን እስራኤል፡ ብዕጡቓት ፍስጤማውያን እያ ተቐቲላ ዝብል ወረን ቪድዮታትን ክዝርግሑ ጀሚሮም ነይሮም። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ድማ፡ ሰበስልጣን ፍልስጤም ምርመራ ከይካየድ ይዓናቕፉ ከም ዘለው ብምኽሳስ፡ ነቲ ቀቲሉ ዝተባህለ ወተሃደር ንምውሳን ዘኽእል፡ ተቐቲላትሉ ዝተባህለ ጥይት ከረክቡን ሓቲቶ ነይሮም።

ፍልስጤማውያን ግን፡ እስራኤላውያን ከምዘይእመኑ እዮም ዝገልጹ።

ሓደ በዓልስልጣን ፍስልጤም ነቲ ባዕላቶም ዘካየድዎ መርመራን፡ ኣብታ ዝተረኽበት ጥይት ዘተኰረ ውጽኢት መርመራ ምርኩስ ብምግባር፡ “እቲ ሓደ ምንጪ ‘ቲ ተዅሲ ብሸነኽ እቲ ሓይልታት እስራኤል ሒዞምዎ ዝነበሩ ቦታ ጥራይ እዩ፤ ንቕትለት ዒላማ ገይሩ ዝተተኰሰ ድማ እዩ፡” ኢሉ።

ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብዚ ጉዳይ ጣልቃ ክኣቱ ተደጋጋሚ ጻውዒት ቀሪቡ እዩ።

ኣብ ግንቦት ሓያለ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ፡ ብትካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ መርመራ ክካየድ ዝጽውዕ፡ ፊርማኦም ዝተነብሮ ደብዳበ ናብ ኤፍቢኣይን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን ኣቕሪቦም።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ፍልስጤማውያን ነታ ከም መርትዖ ዝሓዝዋ፡ ነታ ጋዜጠኛ ዝቐተለት ጥይት ንኸረክቡ ኣብ ሓምለ ጸቕጢ ኣካይዱ።

እንተዀነ ኣሜሪካ፡ እቲ ብናጻ መርመርቲ ዝተኻየደ ፎረንሲካዊ ዳህሳስ፡ እታ ጥይት ኣመና ስለዝተበላሸወት ናብ ሓደ ንጹር መደምደምታ ክበጽሕ ከምዘይከኣለ እያ ገሊጻ።

ብተወሳኺ፡ ብኣወሃሃዲ ጸጥታ ኣሜሪካ ዝተገብረ ገምጋም ናይቲ ብእስራኤልን ፍልስጤምን ተኻይዱ ዝተባህለ መርመራ፡ “እቲ ካብቲ ሓይልታት እስራኤል ዝነበርዎ ሸነኽ ዝተፈነወ ተዅሲ፡ ንሞት ሽሪን ኣቡኣቕላ ምኽንያት ምዃኑ ደምዲሙ።”

ብዘይካ'ዚ፡ ሞት ሽሪን “ሓይልታት እስራኤል ብዘካየድዎ ስርሒት ብዝተኸስተ ዘሕዝን ኵነታት ዝሰዓበ እዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ቅትለት ኰነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ እዩ ንዝብል “ዘእምን ምኽንያት” ከምዘይተረኽበ ኣሜሪካ ትገልጽ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፡ ሓው ሽሪን፡ “እቲ ስድራ ብኣሜሪካ ተጠሊሙ እዩ፡” ክብል ተዛሪቡ። መርማሪ ጕጅለ ኤፍቢኣይ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓብቱ ዝተፈጸመ ቕትለት ክምርምሩ ናብቲ ቦታ ክኸዱ ጸዊዑ ነይሩ።

ብድሕሪ’ዚ ስድራቤት ኣቡኣቕላ፡ ንጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዋሽንግተን ረኺቦም ከም ዘዘራረብዎ ብምግላጽ፡ ንጻውዒቶም “ትርጕም ዘለዎ ምላሽ” ኣይሃበን ኢሉ ነይሩ።