ግጭት እስራኤል-ቓዛ፡ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ሃዲኡ ሓዲሩ

ናይ ዝተቐተሉ ሰባት ቀብሪ ዘፍፅሙ ፍልስጤማውያን

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY VIA GETTY

ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያን ዕጡቓትን ንዝተበፅሐ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ስዒቡ፡ እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደ ዓመጽ ሃዲኡ ከም ዝሓደረ ይግለጽ ኣሎ።

ቅድሚን ድሕሪን እቲ ብሰንበት ምሸት ዝተነበረ ገደብ ግዜ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ዝነበራ ደቓይቕ፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝትኰስ ዝነበረ ተዅሲ ነቲ ብሸምጋልና ግብጺ ዝተኻየደ ዕርቂ ዘፍሽል ኣይነበረን።

መራሕቲ ኣሜሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ክልቲኦም ወገናት ነቲ ተዅሲ ደው ምባል ስምምዕ ከኽብርዎ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ዕርቂ ብምንኣድ፡ ኵሎም ወገናት "ምሉእ ብምሉእ ከተግብርዎን ነዳድን ሰብኣዊ ቀረብን ናብ ቓዛ ዝኣትወሉ ኵነታት ከውሕሱን" ጸዊዑ።

ብዘይካ’ዚ፡ ዝሞቱ ዜጋታት ዝምልከቱ ጸብጻባት ብእዋኑ ክምርመሩ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ተዅሲ ደው ምባል ብመንጐኝነት እታ ቅድሚ ሎሚ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ከም ዓራቒት ኰይና ትሰርሕ ዝነበረት ግብጺ እዩ ብሰንበት ተኻይዱ።

ሒደት ደቓይቕ ብድሕሪ እቲ ዝተነበረ ገደብ ግዜ፡ ገለ ሮኬታት ካብ ቓዛ ከምዝተተኮሰን፡ እስራኤል ግብረመልሲ ከም ዝሃበትን ማዕከናት ዜና 'ታ ሃገር ኣረጋጊጸን።

ለይቲ እናደፍአ ምስ ከደ ግን ዝዀነ ተዅሲ ከይተሰምዐ ከም ዝሓደረ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ናይ ቀረባ መዓልታት ግጭት፡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ እዩ ጀሚሩ።

እዚ ድማ ካብ ሓደ ዕጡቕ ጕጅለ ንዝቐረበ ምፍርራሕ ምላሽ ንምሃብ ከምዝተፈጸመ ሰራዊት እታ ሃገር ይገልጽ። እዚ ኸኣ እስራኤል ኣብቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤም ንሓደ ላዕለዋይ ኣባል ምንቅስቓስ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ድሕሪ ምእሳራ ዘጋጠመ ናይ መዓልታት ወጥሪ ስዒቡ ዝተፈጥረ 'ዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ ኣብዚ ቕነ ብዘጋጠመ ግጭት ካብ ዝተመዝገበ ሞት 44 ሰባት እቶም 15 ህጻናት ምዃኖም ከምዝተረጋገጸ ሓቢሩ። እቲ ሚኒስትሪ ብሞት 'ዞም ፍልስጤማውያንን፡ ዝቘሰሉ ልዕሊ 300 ሰባትን፡ ን"ወራር እስራኤል" ተሓታቲ ይገብር።

ሰበስልጣን ጥዕና፡ ሆስፒታላት ንተወሰኽቲ ክልተ መዓልታት ጥራይ ጀነሬተራተን ከንቀሳቕሳሉ ዘኽእለን ነዳዲ ከምዘለወን ዝሃብዎ መጠንቀቕታ፡ ነቲ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ምኽንያት ከምዝዀነ’ዩ ዝግለጽ።

ዝበኽዩ ፍልስጤማውያን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ወሃቢ ቓል ምንቅስቓስ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ጣሪቕ ሰልሚ፡ "ግብጺ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸመቶ ወራር ንምቍራጽ ዝገበረቶ ጻዕሪ ንንእድ ኢና" ኢሉ።

እስራኤል ብወገና፡ እቲ ተዅሲ ደው ምባል እንተተጣሒሱ፡ "ሓያል ግብረ-መልሲ ናይ ምሃብ መሰላ ከምእትሕሉ" ኣጠንቂቓ’ላ።

ትማሊ ሰንበት ብዙሓት ሰባት ንቐብሪ ናይቶም ኣብ ደቡባዊ ክፋል ናይቲ ግዝኣት ዝዀነ ራፋሕ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት [ነባር ኣዛዚ ፒ.ኣይ.ጀይ ኻልድ መንሱር ዝርከቦም] ከፈጽሙ ተኣኪቦም ነይሮም።

ኣብ ቓዛ ካብ ዝንቀሳቐሱ ሓያላት ዕጡቓት ጕጅለታት ሓደ ዝዀነ እስላማዊ ጅሃድ ፡ ብኢራን ዝድገፍ ኰይኑ፡ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶርያ - ደማስቆ እዩ።

እዚ ጕጅለ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዝተተኰሱ ሮኬታትን ካልኦት ኣጽዋራትን ሓዊሱ ንዝተፈጸሙ ብዙሓት መጥቃዕትታት ተሓታቲ ከምዝዀነ’ውን ይዝረብ።

ኣብ ሕዳር 2019 ኣብ መንጎ እስራኤልን እስማላዊ ጅሃድ ፍልስጤምን ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት ከምዝተኻየደ ዝዝከር ኰይኑ፡ መንቀሊኡ፡ እስራኤል መጥቃዕቲ ክፍጽም መደብ ከምዘለዎ ንዝገለጸቶ ኣዛዚ 'ቲ ጕጅለ ምቕታላ ነይሩ።

ኣብቲ ናይ ሽዑ ግጭት 34 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ 111 ቈሲሎም። 63 እስራኤላውያን ድማ ሕክምናዊ ረድኤት የድልዮም ነይሩ።

እስራኤል ካብቶም ዝተቐትሉ ፍልስጤማውያን እቶም 25 ዕጡቓት ምዃኖም እያ ገሊጻ።