ሓማስ፡ ክልተ ‘ሰለይቲ እስራኤል’ ብሞት ቀጺዑ

ሓማስ መቕጻእቲ ሞት ፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓማስ፡ ምስ እስራኤል ብምትሕብባር ተኸሲሶም ዝጸንሑ ክልተ ፍልስጤማውያን፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብሞት ከም ዝቐጽዐ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉድያት ‘ቲ ዝመርሖ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ዝተወሃበ መግለጺ፡ ምሉእ ስም ናይቶም ሰባት’ኳ እንተዘይገለጸ፡ መጀመርታ ኣስማቶምን ዕድሚኦምን ጥራይ ጠቒሱ፡ ንሞት ፍልስጤማውያን ዝመርሐ ሓበሬታ ኣሕሊፎም ንእስራኤል ከም ዝሃቡ ይገልጽ።

ብዘይካ’ዞም “ተሓባበርቲ እስራኤል ነይሮም” ዝተባህሉ ካልኦት ሰለስተ ብቕትለት ተኸሲሶም ዝነበሩ ሰባት’ውን መቕጻዕቲ ሞት ከም ዝተዋህቦም ተፈሊጡ’ሎ።

ተሓለቕቲ ጕጅለታት ሰብኣዊ መሰላት፡ በቲ ንወሽመጥ ቓዛ ዘመሓድር ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ዝፍጸም ቅትለት ክዅንንዎ ጸኒሖም እዮም።

ሓማስ፡ ካብ 2007 ኣትሒዙ ንቓዛ ዝተቘጻጸረ ኰይኑ፡ ሰበስልጣን ‘ቲ ጕጅለ ብውሑዱ ክሳብ ሚያዝያ 2017፡ 27 ዝግመቱ መቕጻዕቲታት ሞት ፈጺሞም ኣለው።

እዞም ንእስራኤል ብምስላል ተኸሲሶም ዝጸንሑ ክልተ ሰባት፡ እቲ ሓደ ኣብ 2009 እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ 2015 ዝተኣስሩ ኰይኖም “ብቤት ፍርዲ ብኽድዓትን ምስ ባዕዳዊ ሓይሊ ብምትሕብባርን ገበነኛታት ተባሂሎም፡” ይብል እቲ ብሚኒትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ዝወጽአ መግለጺ።

በዚ መሰረት፡ ካብቶም ብጠቕላላ መቕጻዕቲ ሞት ዝተፈጸመሎም፡ ገበነኛታት ዝተባህሉ ሓሙሽተ ሰባት፡ እቶም ኣርባዕተ፡ ብማሕነቕቲ ክቕጽዑ እንከለው፡ እቲ ሓደ ግን፡ ኣባል ፖሊስ ስለዝነበረ ብጥይት ክቕተል ከም እተገብረ፡ እቲ መግለጺ ወሲኹ ይሕብር።

ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘረጋግጾ፡ እቲ ሓደ ኣባል ፖሊስ ሓማስ ዝነበረ ኰይኑ፡ ዝሓለፈ ሓምለ፡ ኣብ ስድራቤት ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ፡ ብሽጕጡ ገይሩ ንሓሙኡን ንሓንቲ ጓል 13 ዓመት ህጻንን ብምቕታል ገበነኛ ዝተባህለ እዩ።

እቲ ሽዑ ዝተፈጸመ ገበን፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ከባቢ ቤት ላህያ ሓያለ ገዛውትን ድኳናትን ዘቃጸለ ናዕቢ ከም ዘለዓዓለ ይዝከር።

እስራኤል፡ ብ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ፡ ንወሽመጥ ቓዛ ከም ዝጐበጠቶን፡ ኣብ 2005 ግን ወተሃደራታን፡ ገለ 7,000 ሰፋሮን ከም ዘውጽአት ይፍለጥ።