ተረካብ ይዓድዮ - 'ኣብ መንጐ ህይወትን ሞትን ዝፈሊ ነገር ኣይነበረን'

ምንጪ ስእሊ, KARAM AL-SHAMI
ኲናትን ዕግርግርን ኣብ ዝለዓሉ እዋን፡ እቶም ቀዲሞም ግዳያት ዝዀኑ ሰላማውያን ሰባት እዮም። ይቕተሉ፡ ካብ ቤት ንብረቶም ይፈናቐሉ ይከላበቱ፡ ካብኡ እንተተሪፎም ድማ ስነኣእምሮኣዊ በሰላ ምልቃቕ ይኣብዮም። ንዅሉ ቃንዛታቶም ዝኣብድ ፍትሒ እንተዘይረኺቦም ድማ እቲ ዝበኣሰ ምዃኑ ይእመን። ቀጺሉ ዝንበብ ዛንታ ድማ ነዚ ዘንጸባርቕ እዩ።
እታ ኣብ ኣፍደገ ርእሰ ከተማ ሶርያ - ደማስቆ እትርከብ ከተማ ዳራያ፡ ቅድሚ’ቲ ህልቂት ዝተፈጸመሉ መዓልታት፡ መወዳእታ ነሓሰ 2012 ብጽዑቕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ክትናወጽ ጀመረት።
እዚ ግን ትጽቢት ዘይተገብሮ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ነበርታ፡ ካብቲ ግጭት ሶርያ ዝጀመረሉ 2011 ኣትሒዞም ንፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ብጽኑዕ ተቓውሞኦም ዝፍለጡ እዮም ነይሮም።
ጣሪቕ ጃብር፡ ሓደ ካብ ነበርቲ እታ ከተማ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ተዅሲ ምስ ሃድአ’ውን ክዛነ ከም ዘይከኣለ ይዝክር።
"ደብዳብ ሞርታራት ደው ምስ በለ፡ ገለ ከም ዝስዕብ ኣይሰሓትናን" ይብል።
ኣቐዲሙ፡ ኣብ ካልኦት ከተማታት ብወተሃደራት ሶርያ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ርእዩ ከም ዝነበረ ይዛረብ።
"መስመራት ተሌፎን ከም ዝተቛረጸን፡ ነታ ከተማ ከቢቦም ዝነበሩ ብዙሓት መፈተሺ ነቝጣታትን ኣስተብሂልና ኢና።"
[እቲ ደብዳብ ምስ ሃድአ] ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ተዅሲ [ፈኰስቲ ብረታት] ክስማዕ ጀመረ፣ ሽዑ እቲ ህልቂት ብወተሃደራት ሶርያ ይካየድ ከምዝነበረ ይዛረብ።
እቶም ወተሃደራት "ኣሸበርቲ" ይደልዩ ከም ዘለው እናነገሩ፡ ገዛ-ገዛ ተፍትሽ የካይዱ ነበሩ።

ምንጪ ስእሊ, LOCAL COUNCIL OF DARAYYA CITY
ዳራያ፡ ብርግጽ ነቲ ስርዓት ዝቃወሙ ዕጡቓት ተቓለስቲ’ኳ እንተነበርዋ፡ እዚ ስርሒት ብቐንዱ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ግን፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ንጹር ከም ዝዀነ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።
ኣብቲ እዋን መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ሶርያ፡ እቲ ሰራዊት ነታ ከተማ ካብ "ተረፍመረፍ ግብረሽበራውያን ኣጽሪይዋ" ይብላ ነበራ። መንግስቲ ኸኣ ብተደጋጋሚ፡ ነቲ ሓይልታቱ፡ 'ቅትለት ብዘይፍርድን ካልኦት ግፍዕታትን ፈጺሞም' ዝብል ዝቐረበሉ ክሲታት ይነጽግ።
ጠበቓ ዶክተር ያስሚን ናህላዊ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝመደበሩ ጕጅለ ተጣበቕቲ ሶርያ-ብሪጣንያ ኰይና ነቲ ሽዑ ዘጋጠመ ዝምርምር መስርሕ ዝመርሐት'ያ።
"እቶም ሽዑ ዝተቐትሉ ልዕሊ 700 ሰባት፡ 63 ህጻናትን 36 ደቀንስትዮን ይርከብዎም። ብተወሳኺ፡ ካብቶም ተገፊፎም ብኣልማማ ዝተረሸኑ ደቂ ተባዕትዮ፡ ገሊኦም ምስ ፒጃማኦምን ሸበጦምን እዮም ነይሮም፡" ትብል።
"እዚኦም ወተሃደራዊ ዒላማ ኣይነበሩን፣ እዚ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝቐንዐ መጥቃዕቲ ጥራይ እዩ።"
ደለይቲ ፍትሒ እቲ ከባቢ ከም ዝብልዎ፡ መብዛሕትኦም ዕጡቓት ተጋደልቲ ምንቅስቓስ ‘ሓራ ሰራዊት ሶርያ’፡ እቲ ህልቂት ብ24 ነሓሰ ቅድሚ ምጅማሩ መዓልታት ኣቐዲሞም ካብታ ከተማ ከምዝወጹን፤ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝዘንብ ዝገመትዎ እሳት ንምዝሓል ጻዕሪ ገይሮም እዮም።
ሜዲን (ሓቀኛ ስሙ ኣይኮነን)፡ ኣብቲ እዋን ወዲ 19 ዓመት ዝነበረ ኰይኑ፡ ነገራት ከመይ ከም ዝማዕበሉ ይዝክር። ወተሃደራት መንግስቲ ሶርያ ኣብ ገዛውቲ ኣትዮም እናፈተሹ፡ ዝረኸብዎ መንእሰይ የውጽኡ ከም ዝነበሩ ይዛረብ። "ብዙሓት ብሓባር ተቐቲሎም፡" ይውስኽ። ንሱን ናይ ቀረባ ዓርኩን ግን ክሕብኡ ፈቲኖም።
"ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ቦታ ተሓቢእና ነይርና። ክሳብ ክንደይ ኣብ ራዕዲ ከም ዝነበርና ክትግምቶ ኣይትኽእልን ኢኻ። በቃ፡ ኣብ መንጐ ሞትን ህይወትን ዝፈሊ ዝዀነ ነገር ኣይነበረን።"
እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፡ ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ስእልታትን ቪድዮታትን ጃምላዊ መቓብራት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ኢንተርነት ዘርጊሖም፤ እዚ ግን ኣብቲ እዋን ንምርግጋጹ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።
ጕጅለ ዶክተር ናህላዊ፡ ምስቶም ዝርዝር መዝገብ ናይቶም ዝሞቱ፡ ዝጠፍኡን ዝተኣስሩን ዝሓዙ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ደለይቲ ፍትሒ ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ብውሕዱ 700 ሰባት ከምዝተቐትሉ ደምዲሙ።
"ብዕድመ፡ ብጾታን እቲ ሰብ ካበይ ከምዝተኣስረን'ውን መዝጊቦም። ካብቶም ኣብ ዳራያ ዝተቐበሩ 700 ሬሳታት ድማ እቶም 514 ምሉእ ስሞም ተሰኒዱ፡" ትብል።
ገለ ካብቲ ብመሰኻኽር ዓይኒ ዝቐረበን ብመርመርቲ ጕጅለ ኣብ ሕቶ ዝኣተወን፡ ካብቶም ጃምላዊ ቅትለት ዝፈጸሙ ሓይልታት መንግስቲ ሶርያ፡ ኣባላት ጕጅለታት ሚሊሻ ኢራንን ሊባኖሳዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህን ዝዀኑ ዕጡቓት ከም ዝነበርዎም ዝገልጽ እዩ። ከም መርትዖ ናይዚ ድማ ኣብ ዩኒፎርም’ቶም ዕጡቓት ዝነበረ ምልክትን ላህጃኦም ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብታ፡ መጀመርታ ደለይቲ ሰላም ዝዀኑ ነጠፍቲ ነቶም ዝኣትዉ ዝነበሩ ወተሃደራት ዕምባባታትን ማይን ዘቐበሉላ ከተማ ዳርያ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት፡ እቶም ወተሃደራት ባሻር ኣልኣሳድ ካብታ ከተማ ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምውጽኦም፡ ብ26 ነሓሰ ኣብቂዑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ መከራ ነዊሕ ከይጸንሐ ብኻልእ መከራ ክትካእ ግን ግዜ ኣይወሰደን። እዚ ኸኣ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ዝቐጸለ ዕጽዋን ደብዳብን ነታ ከተማ ሕሱም ኣዕንይዋ።
ዶክተር ናህላዊ፡ እቲ ጸብጻብ ጕጅለ ጠበቓታት ብሪጣንያ-ሶርያ ኣብ መወዳእታ ንፕረዚደንት ኣሳድን መሻርኽቱን ብሕጊ ተሓተትቲ ምግባሮም ዘኽእል ዕድል ውሑድ ምዃኑ ትርዳእ፣ እንተዀነ ምቅላስ ኣገዳሲ እዩ ኢላ ትኣምን።
"ገበነኛታት በቲ ዝፍጽምዎ ገበናት ስቕ ኢልካ ምርኣዮም፡ ከይተቐጻዕካ ክኸየድ ከም ዝከኣል ምልክት ከም ምስዳድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ግፍዕታት ንኽፍጸሙ'ውን መንገዲ ከም ምጽራግ እዩ ዝርአ፤ እዚ ድማ ርግጽ ምዃኑ ኣብ ዩክረይን ንርእዮ ዘለና እዩ፡" ትብል።
ነቶም ካብዚ ግፍዒ ዝደሓኑ ሰባት ፍትሒ ምርካብ ዝያዳ ውልቃዊ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብዘይ ፍትሒ ሰላም ኣእምሮ ክምለስ ኣይከኣልን’ዩ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ። ምስ ግዜ ኸኣ እቲ ኻልእ ዓለም ነዚ ጭፍጨፋ ክርስዖ እዩ ዝብል ስክፍታ ኣለዎም፤ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ክገብሮ ዝኽእል ነገር ዘይምህላው ድማ ዝያዳ የሻቕሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







