ኣባል ኣይሲስ ነበር ሊዛ ስሚዝ ማእሰርቲ ተበይኑላ

ምንጪ ስእሊ, BRIAN LAWLESS/PA
ንኣርባዕተ ዓመታት ኣባል እቲ ኣይሲስ ብዝብል ቅጽል ዝጽዋዕ፡ እስላማዊ መንግስቲ ንክምስርት ዝቃለስ ዝነበረ ኣሸባሪ ጉጅለ ዝነበረት ሊዛ ስሚዝ ማእሰርቲ 15 ኣዋርሕ ተበይኑላ።
ሊዝ ስሚዝ ካብ 28 ሕዳር ክሳብ 01 ታሕሳስ 2019 ኣባል ኣይሲስ ከም ዘይነበረት ብጠበቓኣ ሞጒታ።
እቲ ኣብ ደብሊን ኣየርላንድ ዝርከብ ንገበናዊ ጉዳያት ዝርኢ ቤት ፍርዲ፡ ሚስ ሊዝ ኣብ 2015 ንግብረሽበራውያን ንምሕጋዝ 800 ዩሮ ልኢኻ ተባሂሉ ዝቐረበላ ክሲ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ጥቕሚ’ቲ ጉጅለ ከም ዝወዓለ መረጋገጺ ከም ዘይረኸበን ንግብረ-ሰናይ ወይ ሰብኣዊ ሓልዮት ናብ ሰባት ልኢኻቶ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጉዎ።
ሚስ ስሚዝ መራሒ ግብረ-ሽበራ ኣቡ ባክር ኣል-ባቕዳዲ ኣስላም ናብ እስላማዊት ሃገር ክግዕዙ ምስ ጸውዐ እያ ናብ ሶርያ ብምኻድ ምስልምና ተቐቢላ።
እቲ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ሚስ ስሚዝ ነቲ ካብ መራሒ ግብረ ሽበራ ኣል-ባቕዳዲ ዝቐረበላ ጻውዒት ተቐቢላ ናይ ኣይሲስ ናይ ፕሮፓጋንዳ መሳርሒት ብምዃናን ንእስላማዊት ሃገር ኣብ ምህናጽ ክትሕግዝ ብምፍታናን ከምኡ እውን ጸሊም ባንዴራ ኣይ.ኤስ ብምጥቃማን ገበነኛ እያ ክብል እዩ ከሲሱዋ።
ብተወሳኺ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ፡ እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ሚስ ስሚዝ ኣሽሓት ኪሎሜተራት ተጓዒዛ ፡ ንጥፈታት ናይቲ “ክሳብ ክሳዱ ብደም ዝጨቀወ” ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ክትፈልጥ ምኻዳ ዕሽሽ ክበሃል ኣይግባእን እዩ ክብል ሞጒቱ።
ኣስዒቡ እውን እቲ ክትጽንበሮ ዝፈተነት ኣሸባሪ ጉጅለ እምበር እስላማዊት ሃገር እትበሃል የላን ኢሉ።
ጠበቓኣ’ኸ እንታይ በለ?
ጠበቓታታ ሚስ ሊዝ፡ ኣባል እቲ ጕጅለ ምዃና ዘረጋግጽ ዝኾነ መርትዖ ከም ዘየለ ብምግላጽ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ሚስ ሊዝ ኣባል እቲ ጉጅለ ንኽትከውን ድላይ ከም ዝነበራ ኮነ ጉጅለ ኣይሲስ እውን ከም ዝተቐበላ ከረድእ ኣይከኣለን ክብሉ ሞጒቶም።
ናብ እስላማዊት ሃገር ብምኻዳ ጥራሕ ኣባል እቲ ጉጀለ እያ ከብል ዝኽእል ኣይኰነን ኢሎም።
ብተወሳኺ፡ ጠበቓኣ ብሕጊ ኣየርላንድ ሓደ ሰብ ገበን ይፍጽም ከም ዘሎ ከይፈለጠ ንዝገብሮ በደል ገበነኛ’ዩ ከብሎ ከም ዘይክእል ገሊጹ።
ንሳ ናብ ሶርያ ዝኸደት ሓዳር መስሪታ እምንቲ በዓልቲ ቤት ንኽትከውን ጥራሕ እዩ ነይሩ ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







