ኣልሸባብ፡ ንምንታይ'ዩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ፈጺሙ?

ዕጡቓት ኣልሻባብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሶማልያ፡ ቅድሚ 31 ዓመታት ኣቢሉ ድሕሪ ውድቀት ማእከላይ መንግስቲ ዚያድ ባረ፡ ብዝተፈላለዩ ቀቢላታት ዝድገፉ ዕጡቓት ጕጅለታት ላዕለዋይ ኢድ ንምሓዝ ሓያለ ደማዊ ውግኣት ኣካይዶም።

ጸኒሖም'ውን ካብ እንዳን ቀቢላን ሓሊፎም ሃይማኖታዊ መልክዕ ብምሓዝ ተወሳኺ ድጋፍ ምርካብ ጀሚሮም ነይሮም።

በዚ መገዲ'ዚ ዝተኣኻኸበ ሕብረት እስላማዊ ቤት ፍርዲ ጽልኡ እናዓበየ መጺኡ፣ ንጎረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ ከስገአን ጀሚሩ ነይሩ።

ብፍላይ እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ኣመለኻኽታን ዝህቦ ዝነበረ መፈራርሒታትን፡ እታ ሃገር ወታሃደራዊ ስጕምቲ ክትወስድ ምኽንያት ኰይኑ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ኣትዩ ብዝወሰዶ ወታሃደራዊ ስጕምቲ፡ ነቲ ጕጅለ ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ወሰንቲ ናይ ስልጣንን ቍጠባን መሓውራት ከወግዶ ክኢሉ ነይሩ።

እቲ ጕጅለ ምድኻሙ ስዒቡ፡ ካብ ሶማልያ ሓሊፉ ንሃገራት እቲ ዞባ ኣስጋኢ ዝዀነ ጕጅለ ኣልሸባብ ብመንእሰያት ተመስሪቱ።

ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ ንሰፊሕ ከባቢታት ተቘጻጺሩ ዝርከብ ኣልሸባብ፡ ኣብ ሶማልያ ቀጻሊ ናይ ድብያን ናይ ቦምባን መጥቃዕቲታት ብምፍጻም፡ ጠንቂ ሞት ብዙሓት ሰባት ኰይኑ።

ንመንግስትን ህዝብን እታ ሃገር ድማ ከቢድ ስግኣት ጸጥታ ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ።

ካብ ሶማልያ ወጻኢ እውን፡ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኬንያ ንዝተፈጸሙን ከቢድ ጉድኣት ዘውረዱን ሽበራዊ መጥቃዕቲታት ሓላፍነት ወሲዱ እዩ።

ምስ ሶማልያ ዘይትዋሰን ኡጋንዳ እውን ካብ መጥቃዕትን ምፍርራሕን ኣልሸባብ ኣይደሓነትን።

ሰራዊታ ኣቐዲማ ናብ ሶማልያ ዘእተወት ኢትዮጵያ፡ ዋላ'ኳ ቀንዲ ዒላማ እቲ ጕጅለ ራዕዲ እንተዀነት፡ ዛጊት እዚ ዝበሃል መጥቃዕቲ ኣይተፈጸማን።

ሰብመዚ ድሕነት ኢትዮጵያ፡ መጥቃዕቲታት ኣልሸባብ ከምዘበርዓኑን ኣባላት እቲ ጕጅለ ከምዝሓዙን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ገሊጾም እዮም።

ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዙሓት ዕጡቓት ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣእትዩ መጥቃዕቲ ፈጺሙ እዩ።

ኣብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ኣልሸባብ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 13 ሓምለ 2014 ዓ/ም [ግእዝ] ዕጡቓት ኣልሸባብ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ከቢድ ውግእ ተኻይዱ።

ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርታ ምንቅስቓስ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ጸኒሑ ድማ ኣልሸባብ ንምክልኻል ምስ ሶማልያ ኣብ ዘዋስና ከባቢታት ወተሃደራትን ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ኣዋፊራ ጸኒሓ እያ።

እዚ ድማ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ክፍጽምን ናብታ ሃገር ሰሊኹ ክኣቱን ዕድል ኣይሃቦን።

ድሕሪ ኲናት ትግራይ ዝበዝሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ክልል ዝወጸ ኰይኑ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ከምዝዀነ ዝንገረሉ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ነቲ ሓለዋ ከካይድ ጸኒሑ።

ኣልሸባብ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየዶ መጥቃዕቲ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ኣይነበረን።

እዚ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ዕጡቕ ጕጅለ ሶማልያ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስኑ፡ ዩድን ኣቶን ዝበሃሉ ከባቢታት እዩ መጥቃዕቲ ጀሚሩ።

በዚ ድማ ኣብቲ ዶብ ምስ ዝነበሩ ፍሉይ ሓይልታት ክልል ሶማል - ኢትዮጵያ ከቢድ ኲናት ተኻይዱ፣ ብኽልቲኡ ወገን ከቢድ ጕድኣት ከም ዝወረደ ሰብመዚን ነበርትን እቲ ከባቢ ምግላጾም ተሓቢሩ።

መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ግን ኣብቲ ዶብ ደው ኣይበለን።

እቶም ዕጡቓት ብብዙሓት ተሽከርከርቲ ተጻዒኖም ኣብ ክልል ሶማል ናብ ዝርከብ ዞባ ዓፍዴር ጥሒሶም ኣትዮም ምስ ፍሉይ ሓይሊ ሶማል ብዘካየድዎ ከቢድ ኲናት፡ ብዙሕ ጉድኣት ከም ዝወረደ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

መጥቃዕቲ ኣልሻባብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣልሻባብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኬንያ ብዝፈጸሞም መጥቃዕቲታት ከቢድ ክሳራ ኣብጺሑ እዩ

በቲ መጥቃዕቲ ዝወረደ ጕድኣት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ እትዋሰነሉ ከባቢታት ዝርከቡ ዩድን ኣቶን ብብዙሕ ኪሎሜትራት ተረሓሒቘም ዝርከቡ ከባቢታት እዮም።

እቲ ጕጅለ መጀመርታ ኣብ ኣቶ ቀጺሉ ድማ ኣብ ዮድ እዩ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።

ኣባላት ኣልሸባብ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ፡ ኣብ ዞባ ዓፍዴር ከቢድ ውግእ ተኻይዱ ብዙሓት ኣባላት እቲ ጕጅለ ከምዝተቐተሉ ብወገን ኢትዮጵያ ተገሊጹ እዩ።

ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃርገሌ ኣብ ዝርከብ ሁልሁል ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተኸበቡ፡ ኣብቲ እዋን ቢቢሲ ጸብጺቡ ነይሩ።

ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲታት ኣብ መንጎ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማልን ዕጡቓት ኣልሸባብን ዝተኻየደ ከቢድ ኲናት፡ ሰላማውያን ሰባት ሓዊሱ ብዙሓት ተዋጋእቲ ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ተሽከርከርቲ ከምዝተቓጸላን ነበርቲ ይዛረቡ።

መንግስቲ ፌደራልን ክልል ሶማልን መግለጺ ኣብ ዘይሃቡሉ፡ ወሃቢ ቃል ኣልሸባብ ዓብዱያሲስ ኣቡ ሙሳብ፡ ኣብ ሶማልያ ክልተ ዓዲታት ከምዝተቘጻጸሩን ኣብቲ ኲናት ብዙሓት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሶማል ከምዝተቐተሉን ንሮይተርስ ተዛሪቡ ነይሩ።

ንሱ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ኣብ ዕጡቓቶም ዝወረደ ጕድኣትን ግን ኣይተዛረበን።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣቐዲሙ ዝተዛረበ ግንባር ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ) እዩ።

ኦብነግ ሓሙስ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ግብረ ሽበራዊ ክብል ዝገለጾ ኣልሸባብ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጕድኣት ከምዝወረደ ጠቒሱ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ድሕነት ህዝቢ ንምሕላው ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዑ።

መንግስቲ ክልል ሶማል ደንጉዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል፡ ዶብ ጥሒሶም ምስ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዘካየዶ ውግእ፡ ልዕሊ 100 ዕጡቓት ምማቶም፣ 13 ተሽከርከርቲ ምቅጻለንን ዕጥቅን ስንቅን ምምራኾምን ኣፍሊጡ እዩ።

ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ

ዋላ'ኳ ኣልሸባብ ምኽንያት እቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ እንተዘይገለጸ፡ ኣብቲ ክልል ኣቐዲሞም ዘጋጠሙ ኵነታት ምስቲ መጥቃዕቲ ክተሓሓዙ ከምዝኽእሉ ይግለጽ።

ሓደ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ንሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ኣልሸባብ ናብ ክልል ሶማል ኣትዩ ኣባላት ንምምልማል ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ተቐቲሉ እዩ።

ብተወሳኺ ኤልከሬ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ እቲ ክልል፡ ፍሉይ ሓይሊ ብዘካየድዎ ዳህሳስ ዝተቐበሩ ኣጽዋራት ረኺቦም ነይሮም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣባላት ኣልሸባብ ዝተባህሉ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን፣ ኣልሸባብ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምስዚ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእልን ይእመን።

ድሕሪ ናይ መዓልቲታት ስቕታ ቤት ምኽሪ ክልል ሶማል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ተኸቢቦም ዝነበሩ ኣባላት ኣልሸባብ ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሶም ኢሉ።

ብተወሳኺ ዕላማ ኣልሸባብ፡ ብወረዳ ኤልከሬ ሓሊፉ “ናብ ክልል ኦሮምያ ብምእታው ምስ ሸኔ [ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ] ንምርኻብ ዓሊሙ ነይሩ” ኢሉ።

ኣልሸባብ ንምንታይ ኣብዚ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ጥሒሱ ከምዝኣተወን እንታይ ክሳራ ከምዝወረዶን ኣይገለጸን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ዛጊት ብዛዕባ'ዚ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ዝበሎ ነገር የለን።

እንተዀነ፡ ኣልሸባብን ኣይኤስን [ዳዕሽ] ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ክፍጽምዎ ሓሲቦም ንዝበሎም መጥቃዕቲታት ከምዘፍሸለን ኣባላቶም ከምዝሓዘን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ገሊጹ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ተሊሞም ነይሮም ዝበሎም 31 ኣባላት ኣልሸባብን ኣይኤስን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ።