ኣልሻባብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ 24 ሚልዮን ዶላር ኣጽዋር ዕድጊት ፈጺሙ

ኣባላት ኣልሸባብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣል-ሻባብ ኣብ 2021 ናይ 24 ሚልዮን ዶላር ዕድጊት ኣጽዋር ከም ዝፈጸመ ሞቓድሾ ዝመደብሩ ሂራል ዝተባህለ ጉጅለ መጽናዕቲ ሓቢሩ፡፡

ብተወሳኺ እቲ ደጋፊ ናይቲ ኣል-ቃዒዳ ዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ከም ዝኾነ ዝእመን ኣልሻባብ፡ ዓመታዊ 180 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝረክብ ተገሊጹ፡፡

እቲ ‘‘ኣጽዋር ኣል-ሻባብ ካብ ቀረጽ ክሳብ ሽበራ’‘ ብዝብል ዝወጸ ጸብጻብ፡ እቲ ጉጅለ ኣጽዋር ንምርካብ ዝተፈላለዩ መንገዲታት ከም ዝጥቀም ዝሓበረ ኮይኑ ካብ ጸሊም ዕዳጋታት ውሽጢ ዓድን ከምኡ እውን ኣጽዋር ካብ ወጻኢ ብፍላይ የመን ዓዲጎም ካብ ዘቕርቡሉ ትካላት ከም ዝረክብን የረድእ፡፡

እቲ ጉጅለ ንገዚፍ ከባቢታት ሶማልያ ከም ዝቖጻጸር ዝሓበረ ሂራ ኢንስቲትዩት፡ ነቲ ህዝቢ ብምእማንን ብምግዳድን ክቕበልዎ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ፡፡

ኣል-ሻባብ ኣጽዋር ዝረኽበሉ መንገዲ ደው ንምባል ብወሽመጥ ኤደን ኣቢሎም ዝካየዱ ምንቅስቓ ኣጽዋራት ምቁጽጻር ሓዊሱ እቲ ጉጅለ ኣጽዋር ዝረኸበሎም መንገዲታት ዝዓጽዉ ስጉምቲታት ክውሰዱ ኣለዎም እውን ኢሉ፡፡

ብእስላማዊ ሕጊ ዝመሓደር መንግስቲ ንምትካል ዝቃለስ ኣልሻባብ፡ ኣብ ሶማልያ ብርክት ዝበሉ መጥቃዕቲታት ብምፍጻም ብዙሓት ቀቲሉን ከቢድ ጉድኣት ኣብጺሑን እዩ፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ኬንያ እውን ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲታት ፈፂሙ እዩ።

ብ2 ሚያዝያ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ጥቓ ዶብ ሶማሊያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጋሬሳ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምንባሩ ይዝከር።

በቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ተምሃሮ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ብዕጡቓት እንትፍፀም 148 ሰባት ተቐቲሎም።

ቅድሚኡ፡ ኣብ 2013 ዌስትጌት ኣብ ዝተባህለ ማእኸል ዕዳጋ ኬንያ ብዝተፈፀመ መጥቃፅቲ ብውሑድ 68 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም እዮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኬንያ ብ2019 ዱሲትዲ 2 ኣብ ዝተባህለ ህንጻ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ እውን ዓሰርተታት ቀቲሉ እዩ፡፡

ኣብ ዌስትጌት ኮነ ካልኦት ኣብ ዝፈፀሞም መጥቃዕቲታት ካብ ቁርኣን ሓደ ምዕራፍ ክፀርሑ ንዘይከኣሉ እናፈለየ እንትቐትል እስላም ምዃኖም ንዘረጋገጽሊ ግን ምሒርዎም እዩ።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ብኣል-ሸባብ ዝፍፀሙ ቀለልቲን ከበድቲን መጥቃዕቲታት ኣየቋረፁን።