ሲንጋፖር፡ ን30 ዓመታት ኣብ ጫካ ዝተቐመጠ ሰብኣይ

ኦህ ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝተቐመጠሉ ቦታ
መግለጺ ስእሊ, ኦህ ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝተቐመጠሉ ቦታ

ኦህ ጎ ሰንግ ንፈለማ እዋን ክትሪኦ እንከለኻ ቆላሕታ ኣዒንቱ ብቐሊሉ ተስተብህሎ፡፡ ወዲ 79 ዓመት ክንሱ ብሩህ ገጹ ብፍርቂ ካብኡ ምስ ዝንእሱ እንትነጻጸር ንኡሽቶ ይመስል።

ሲንጋፖር ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት፣ ምቾት ዘለዎም ገዛውትን ከተማታትን ዝበዘሓ ሃገር እያ፡፡

ንሰንግን ግን እዚ ኹሉ ካብታ ኣብ ሓደ ጫካ ሲንጋፖር ዝሰርሓን ገዛይ ዝብላን ግዝያዊት መጽለሊት ዝተፈለየት ኣይነትን፡፡

ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ ጫካ ከም ዝነብር ምስ ተገለጸ ኣብ መላእ ሲንጋፖር ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ፤ ብዙሓት ድማ ሰንቢዶም፡፡

ናይ ብዙሓት ሕቶ ግና ከመይ ኢሉ ከይተፈለጠ ን 30 ዓመታት ኣብ ጫካ ክነብር ክኢሉ ዝብል ነይሩ፡፡

1px transparent line

ኣብ በዓል ልደት ዘጋጠሞ ጸገም

ኣብ መዓልቲ ልደት ሰብ መዚ፡ ንኦህ ይሕዝዎ እሞ ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ከይሓዘ ይሸይጥ ከም ዘሎ ይፈልጡ።

ኣብዚ እቲ ነገር ይጅምር፡፡ ንሱ ኣብቲ ዝነብረሉ ጫካ ዘፍረዮ ቁሩብ ኣሕምልትን ጉዕን እዩ ዝሸይጥ ነይሩ።

እቲ ተዋፊሩሉ ዝነበረ ዕምበባታት ናይ ምሻጥ ስራሕ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተቛሪጹ እዩ፡፡

ኦህ፡ ብሓንቲ ዶላር ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ዝኾረየ ሓደ ዓሚል ንፖሊስ ኣሕሊፉ ከይሃቦ ከም ዘይተርፍ እዩ ዝጥርጥር፡፡

ፖሊስ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ሸቐጥ መንጢሎም ብሕቶ ኣብ ዘፋጥጥሉ ህሞት፡ ሓንቲ ሰራሕተኛ ምግባረ ሰናይ ሃንደበት ርእያቶም፡፡

በቲ ተግባር ኣዝያ ከም ዝተቖጠዐት እትገልጽ ቪቭያን ፓን፡ ዋላኳ ኣብ ጽርጋ ምሻጥ ዘይፍቀድ እንተኾነ 'ኣብታ መዓልቲ ግና ንገዝኡ ጥራሕ ኢዱ ክሰድዎ ኣይደለኹን' ትብል፡፡

ንሳ ነቲ ዝረኣየቶ ሃንቸ መንቺ ብቪድዮ ቀዲሓ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ጠቀዐቶ ድማ ኣዘራራቢ ኮይኑ፡፡

ሓደ ኣባል ፓርላማ ድማ ነቲ ጉዳይ ክከታተሎ ጀሚሩ፡፡

ድሕሪ እዚ እቲ ኣባል ፓርላማ፡ ህይወት ኦህ ጎ ሰንግ ክንዮ እቲ ዘጓነፈ ጸገም ከም ዝኾነ ዝተረደአ፡፡

እወ፤ ኦህ ማንም ሰብ ከየስተብሃለሉ ን30 ዓመታት ኣብ ጫካ እዩ ተቐሚጡ፡፡

ህይወት ኣብ ጫካ

ኦህ ምስ ስድራቤቱ ሱንገይ ተንጋህ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት እዩ ዓብዩ፡፡

ኮይኑ ግና ኣብ 1980ታት ንሰማይ ጠቀስ ህንጻታት መስርሒ ተባሂሉ ካብቲ ዝነብሩሉ ቁሸት ክለቁ ተገይሩ፡፡

መብዛሕትኦም ነበርቲ እታ ቑሸት መንበሪ ገዛ ብመንግስቲ እንትወሃቦም ኦህ ግና ኣይበጸሖን፡፡

ኣብቲ እዋን ገዛ ዝተውሃቦ ሓው ምስኡ ክነብር ኣጸጊዕዎ እኳ እንተነበረ፡ ‘ሸኽሚ ክኾነካ ኣይደልን’ ኢሉ ገዲፉዎ ወጺኡ፡፡

ንሱ ኣብ ጥቓ እታ ዝዓበየላ ቁሸት ኣብ ዝርከብ ጫካ ብዕንጸይትን ሻምብቆን ኣብ ዝሰርሓ ጊዝያዊት መጽለሊት ምሕዳር ጀመረ፡፡

ኣብ እፋፌት እታ ዝነብረላ ገዛ ምግቡ እናብሰለን ኣብቲ ገደና ንቐለብ ዝኸውን ኣሕምልቲ እናፍረየን ህይወት ቀጺሉ፡፡

ዋላ'ኳ ኩነታት ኣየር ሲንጋፖር ሙቐትን ጠልን ዝበዘሖ እንተኾነ ንሱ ግን ኣብቲ ጫካ ምንባር ከምዘይከፈኦ ይገልጽ፡፡

ገዝኡን ገደንኡን ኣብ ምንክብኻብ ስለ ዝጽመድ ድማ ብሕታውነት እውን ከም ዘየሸገረሉ ይሕብር፡፡

ንዕኡ ኣብቲ ናይ ጫካ ህይወቱ ጸገም ዝፈጥራሉ ኣናጹ ጥራሕ እየን፤ ሰሰሊዄን እናኣተዋ ክዳውንቱ ስለዝምንጭታሉ፡፡

ጊዝያዊ ስራሕቲ እንትረክብ እውን ተቖጺሩ ይሰርሕ ነይሩ፡፡

ገንዘብ እንትረክብ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢንዶኔዥያ ናብ እትርከብ ባታም ዝተባህለት ደሴት እናኸደ ይናጋዕ፡፡

ንኣዶ ጓሉ እውን ኣብታ ደሴት እዩ ረኺብዋ፡፡

ኣብ ዝነበረ ነይሩ ግና ናብታ ኣብ ጫካ እትርከብ ቤቱ እዩ ዝምለስ፡፡

ሰበይቱን እታ ጓል 17 ዓመት ጓሉን ልክዕ ከምቶም ስደራ ቤቱ፡ ኣበይን ብኸመይን ከም ዝነበር ኣይፈልጣን፡፡

ብዙሕ ግዘ እንተተሓቲቱ ብድፉን ‘‘ ኣብ ገደና (ጋርደን) እየ ዝነብር’’ኢሉ ከም ዝምልስ ስድራ ቤቱ ይዛረቡ፡፡

ኦህ ኣብ ገደንኡ ኣሕምልትን ጉዕን የፍሪ
መግለጺ ስእሊ, ኦህ ኣብቲ ኣብ ጫካ ዝርከብ ገደንኡ ኣሕምልትን ጉዕን የፍሪ

ብሰንኪ ኮሮናቫየረስ ዶባት ብምዕጻዎም ናብ ኢንዶኔዥያ ምኻድ ደው ኣቢሉ ጸኒሑ፤ ኮይኑ ግና ወርሓዊ ካብ 500 ክሳብ 600 ዶላር ሲንጋፖር እናለኣኸ ንስድርኡ ይሕግዝ ነይሩ፡፡

ቤት ኣልቦነት ኣብ ሲንጋፖር ልሙድ ኣይኮነን፤ ማእከላይ ዓመታዊ እቶት ሓደ ሰብ ብማእከላይ 60 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ኮይኑ ካብቶም ሃፍታም ዝበሃል ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ፡፡

ብተወሳኺ 80 ምኢታዊት ህዝባ ብሓገዝ መንግስቲ ኣብ ዝተሰርሑ ኣባይቲ ዝነበሩ ኮይኖም እታ ሃገር ካብ ሓደ ሽሕ ዘይበልጹ መሕደሪ ዘይብሎም (ሆምለስ) ከም ዘለዉዋ እዩ ዝግለጽ፡፡

‘‘ንመጀመርታ ግዜ ቴሌቪዥን ርእየ’’

ኦህ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት እቲ ኣባል ፓርላማ ብዝገበረሉ ሓገዝ፡ ሓድሽ ገዛ ተዋሂብዎ፡፡

ቀጻሊ ሓገዝ ማሕበራዊ ውሕስና ከም ዝግበረሉ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ አንዶኔዥያ ምስ ዝነበራ በዓልቲ ቤቱን ጓሉን ዝራኸበሉ መንገዲ ከም ዝፍጠር እውን እቲ ኣባል ፓርላማ ገሊጹ ኣሎ፡፡

ኦህ ኣብ ሓድሽ ገዝኡ
መግለጺ ስእሊ, ኦህ ኣብ ሓድሽ ገዝኡ

ኦህ ገበርቲ ሰናይ ብዝገበሩሉ ሓገዝ ከም ቴሌቪዥን፣፣ ፍሪጅ መውዓይን ዝበሉ ኣቑሑት እዩ ኣብ ሓድሽ ገዝኡ ህይወት ጀሚሩ ዘሎ፡፡

ብፍላይ ብዝሑል ማይ ምሕጻብ ኣንጸርጺርዎ ስለ ዝነበረ በታ መውዓዪት ኣዝዩ ከም ዝተሓጎስ ተዛሪቡ፡፡

ኣብዚ እዋን ድማ ብምዝዋር መኪናን ሓልሓሊፉ ድማ ኣትክልቲ ናይ ምንክብኻብን ስራሕ ይናበር ኣሎ፡፡

ብተወሳኺ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ሓድሽ ዓመት ሉናር ምስ ስድራቤቱ ከም ዘኽበረ ይገልጽ፡፡

‘‘ብዙሕ በሊዐ፤ ንዓመታት ዘይጠዓምኩዎም ብዙሓት ዓይነታት ምግቢ እውን ነይሮም፡፡ ዘደንቕ ነይሩ! ድሕሪ ልዕሊ 30 ዓመታት እውን ንፈለማ እዋን ቴሌቪዥን ርእየ፤ ደስ ድማ ኢሉኒ’’ ይብል እናሰሓቐ፡፡

ዋላ'ኳ ኣብ ገዛ ምንባር ዝመርጽ እንተኾነ፡ ነቲ ናይ ጫካ ህይወቱ ግን ኣዐርዩ ከም ዝናፈቖ እውን ይዛረብ፡፡