ኬንያ - ማሳይ፡ ምስ ኣናብስን እንስሳ ዘገዳምን ብውህደት ዝነብሩ ሕብረተሰብ

ማሳይ

ምንጪ ስእሊ, Bartosz Hadyniak/Getty Images

ሚተራንጋ ካማኡ፡ ካብ ዝዝክሮ መዓስ'የ ኣንበሳ ንምቕታል ዝበቅዕ ዝብል ሕልሚ'ዩ ነይሩዎ። ኣብ ደቡባዊ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ቦታ ፎቖድኡ ኣናብስ እናርኣየ እዩ ዓብዩ።

ሃገራዊ ሕዛእቲ ኣምቦሰሊ እቲ ብበዝሒ ሓርማዝን ኣንበሳን ዘለዎን ጎቦ ኪሎማንጃሮ ኣማዕዲኻ እትርእየሉን ፍሉጥ ሕዛእቲ እዩ።

ኣብቲ ሞተራንጋ ዝነብረሉ ከባቢ ድማ ኣናብስን ካልኦት እንስሳታት ብናጽነት ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ኢኻ እትርእዮም።

መሬት ሕብረተሰብ ማሳይ ክኣ ናብቲ ሃገራዊ ሕዛእቲ ኣቲዩ ይርከብ።

ኣብ ኣምቦሰሊ ሓራምዝ ኣብ ውሽጢ ሓምላይ ረግረግ ወደኽደኽ ይብሉ፤ ዓበይቲ ደማሙ በረኻን ኣዛብእን ከምኡ'ውን ዓጋዜንን ጎባይን ክኣ ብብዝሒ ኣለው።

ኣብቲ ጎልጎል ድማ ኣናብስ ምስ ጓሶት እቲ ከባቢን እንስሳቶምን ክጻወቱ ይርኣዩ።

እዚ ኣብ ብዙሕ ገጠራት ኣፍሪቃ ዘሎ ክውንነት እዩ። ኣናብስን ካልኦት እንስሳን ሓጹር ኣብ ዘይብሎም ከባቢታት ምስ ሰብን እንስሳ ዘቤትን ሓቢሮም ክነብሩ ልሙድ እዩ።

ማሳይን ኣናብስን ክኣ ንዘመናት'ዮም ኣብ ሓደ መሬት ብሓደ ነቢሮም።

ማሳይ፡ ንርእሶም ከምቲ ንኣንበሳ ዝርእይሉ'ዮም ዝቖጽሩ - እዚ ማለት ክቡራት፣ ልዕል ዝበሉን ዝፍርሑን ማለት እዩ።

ብተወሳኺ ኣንበሳ መዐቀኒ ብልሒ ትብዓት ተዋጋኣይ ሓደ ማሳይ ተገይሩ'ዩ ዝውሰድ።

እዚ ብቋንቋ ማሳይ 'ኦላማዮ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መልእኽቲ፡ ሓደ መንእሰይ ንዓቕመ ኣዳም ምስ በቕዐ ተዋጋኣይ ንምዃኑ ድልዊ ምዃኑ ዘረጋግጽ መልእኽቲ ኣንበሳ ብምቕታል እዩ ዘመሓላልፍ ወይ ዘመስክር።

ሞተራንጋ ቖልዓ እናሃለወ ኣባላት ስድርኡ ኣፈ ታሪኻት ሃደን ኣንበሳን ምስ ሃደንቲ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ነገራትን እናነገሩዎ ስለ ዝዓበየ ካብኡ ብዙሕ ትጽቢት ይገበር ነይሩ።

ኣብ ናቱ ስድራ ጥራሕ፡ ኣቡኡን ኣኮታቱን 15 ኣናብስ'ዮም ቀቲሎም። ንሱ ክኣ ወዲ 19 ዓመት ምስ ኮነ ናይ መጀመርታኡ ኣንበሳ ቐቲሉ።

እንተኾነ ከምዚ ዓይነት ቅትለት እንስሳት ዋላ ሓደ ዘሐጉስ ነገር የብሉን።

ሃደን ኣንበሳ ማሳይ ግን ኣብ ሞንጎ ክልተ ዘይቃደው ሰባት ዝግበር ኲናት ሞትን ሕውየትን እዩ።

በዚ ሃደን ዝዕተር ዋንጫ የለን። ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣንበሳ ናብ መጻውድያኦም ክሳብ ዝኣቱ ኣድብዮም ዝጽበዩን ብሓይሊ ተኲሶም ዝቐትሉን ስፖርተኛታት ሃደንቲ ዝብሃሉ ሰባት ዝሳተፍሉ'ዩ።

ኣንበሳ ምቕታል ሓቦ ይሓትት'ዩ። ኣብ ማሳይ ዘሎ ሃደን ኣንበሳ ከኣ ብኣንጻራዊ ንኡሽቶ ስለ ዝኾነ ኣብ ቐዑጽሪ እቶም ኣናባስ ውሑድ ጽልዋ'ዩ ዘለዎ።

ሓራምዝ

ምንጪ ስእሊ, Diana Robinson Photography/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሕዛእቲ ኣምቦሰሊ

ሚተራንጋ ናይ መጀመርታ ኣንበሳ ምስ ቐተለ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ቀቲሉ።

በዚ ኣብ ናቱ ዕድመ እቲ ብሉጽ ቀታሊ ኣንበሳ ተባሂሉ፤ ንህዝቡ ድማ ጅግና ኮነ።

ማሳይ፡ ፈጺሞም ኣንበሳ ኣብ ዘይብሉ ዓለም ክነብሩ ኣይኽእልኡን፤ ፈጺሞም ኣይሓስቡዎን።

"ኣብ መሬት ማሳይ ኣንበሳ እንድሕር ዘየለ፡ ዝኾነ ሕማቕ ነገር ኣሎ ማለት'ዩ። ድምጺ ኣንበሳ ኣብ ጫካ ምልክት ሓጎስን ሰናይ ዕድልን'ዩ" ይብል።

ይኹን'ምበር ኩሉ ነገር ተቐይሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ከባቢ ኣምቦሰሊ ብዝሒ ሰብ ክውስኽ ጀሚሩ፤ ኣብ 2006 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ድማ 100 ኣናብስ ኣምቦሰሊ ኣብ ሞንጎ 35 ሽሕ ህዝቢ ማሳይን ክልተ ሚሊዮን ጥሪትን ክነብሩ ጀሚሮም።

በዚ ምኽንያት ንኣናብስን ከምኦም ዝበሉ ናይ በረኻ እንስሳን ዝኸውን ቦታ ጸቢቡ።

ካብዚ ብዝብገስ ኣናብስ ቅድሚኡ ገይሮምዎ ዘይፈልጡ ጥሪት ክቐትሉ ጀሚሮም። ማሳይ ክኣ መግለጺ ጀግንነት ብዝብል ዘይኮነ ሕነ ንምፍዳይ ብዙሓት ኣናብስ ይቐትሉ።

ኣብ 2006 ዓ.ም 42 ኣናብስ ሰሚሞም። እዚ ኣብቲ ሕዛእቲ ዝርከቡ ኣናብስ ክጸንቱ'ዮም ዝብል ስግኣት ፈጢሩ።

ሚተራንጋ "ቖልዓ እናሃለኹ ብዙሓት ኣናብስ ነይሮም። ድሕሪ ዝተወሰኑ ዓመታት ግን ዳርጋ ኣጥፊእናዮም" ይብል።

ይኹን'ምበር ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣንበሳ ምቕታል ጽቡቕ ምስሊ ዝፈጥር ኣይነበረን።

ብ2006 ራብዓይ ኣንበሳ ምስ ቐተለ ተኣሲሮ፤ 70 ሽሕ ሽሊንግ [456 ፓውንድ] ክኣ ተቐጺዑ።

ፕሮግራም ሓለውቲ ኣንበሳ ሕብረተሰብን ኣናብስን ብሓባር ዝነብርሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Phillip J Briggs/Lion Guardians

መግለጺ ስእሊ, ፕሮግራም ሓለውቲ ኣንበሳ ሕብረተሰብን ኣናብስን ብሓባር ዝነብርሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመ'ዩ

ኬንያ ካብ 1977 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮ] ጀሚራ'ያ ኣንበሳ ምቕታል ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣዊጃ።

ሚተራንጋ ብዙሕ ከይጸንሐ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ገለ ካብ ጥሪቱ ጎዲለን ጸኒሐንኦ።

ኣንበሳ'ዩ ወሲዱወን ዝኸውን ብዝብል ዓጢቑ ብምኻድ ኣድብዩ ኣንበሳ ክጽበ ጸኒሑ፤ ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ክልተ ብደረቶም ተነጺፎም ዝደቀሱ ኣናብስ ረኺቡ።

ኣብዑሩ ዝበልዑዎም ምዃኖም ንምርግጋጽ ከብዶም ከፊቱዎ። እቲ ዘሕዝን ግን ዋላ ሓደ መረጋገጺ ክረክብ ስለ ዘይኽኣለ ኣበር ዘይብሉ ኣንበሳ ብምቕታሉ ተጣዒሱ።

ርእሱ ደፊኡ ክኣ ናብ ገዝኡ ተመሊሱ። ድሕሪኡ ዘሕለፎም ኣዋርሕ ከበድቲ ነይሮም።

ካልኦት ኣንበሳ ንምህዳን ክወፍሩ እንከለው ንሱ ኣብ ገዛ ይውዕል። በዚ ምኽንያት መሓዙቱ 'ኣንታ ፈራሕ' እናበሉ ክድህልዎ ጀሚሮም።

እዚ ኣሕሪቑዎ፤ ግን ልቡ እቲ ዝቐተልካዮ ናይ መወዳእታኻ'ዩ ስለ ዝብሎ ካብ ውሳንኡ ፍሒት ክብል ኣይደለየን።

ኣብ ከምዚ ዝበለ መዋጥር እናሃለወ'ዩ ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዝተጀመረ ፕሮግራም ዕቀባ ሰሚዑ።

እዚ "ሓለውቲ ኣንበሳ" ዝበሃል ፕሮግራም ኮይኑ ሓደ ግዜ ኣንበሳ ዝቐተሉ ጀጋኑ ማሳይ ሓለውቲ ኣናብስን ሕብረተሰቦምን ይኾኑ ዝብል ዕላማ ኣለዎ።

ሚተራንጋ ቃለ መጠይቕ ክገብር ከይዱ።

ኣብዚ ፕሮግራም ማሳይ ምስ ክልተ ዶክተር ሊላ ሃዛህን ዶክተር ስቴፋኒ ዶልሬኒን ዝተባህላ ኣመሪካውያን ሰብ ሞያ እዮም ዝሰርሑ።

ድሕሪ ዓመታት፡ ዶልሬንሪ ምስ ሚተራንጋ ዝተራኸበትሉ ኣጋጣሚ ክትዝክሮ እንከላ "ነቲ ኸባቢ ሓደሽቲ ነይርና፤ ድሓር ንሚተራንጋ ቃለ መጠይቕ ገይርናሉ። ክመጽእ እንከሎ ናይ ብናማኑ'ዩ ነይሩ። ሊላ ክኣ በዚ ተገሪማ . . . ንቑመንኡን ባህሪኡን ርእያ 'ቐታሊ'ዩ' ኢላ ሕሹኽ ኢላትኒ" ትብል።

ክልቲአን ድማ እዚ ፕሮግራም ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ከም ሚተራንጋ ዝበለ ኣንበሳ ብምቕታል ልዑል ቦታ ዝወሃቦ ሰብ ሒዝካ'ዩ ክዕወት ዝኽእል እምነት ነይሩወን።

ኣንበሳ

ምንጪ ስእሊ, Adogslifephoto/Getty Images

ከም ሞተራንጋ ዝበሉ ሃደንቲ ኣንበሳ ከመይ ከም ዝቐትሉ ክእለቶም ኣርእዮም'ዮም።

ከም ሓለውቲ ኣንበሳ ክኣ ዝጠፍኡ ኣብዑር ኣሊሾም ንኣሽቱ ጓሶት ናብቲ ኣንበሳ ዘለዎ ቦታ ከይኸዱ የጠንቕቑ።

ኣባላት ማሕበረሰብ ማሳይ ሓደ ግዜ ኣንበሳ ቐቲሎም ሕብረተሰቦም ንምሕላው ድሉዋት ምዃኖም ምስ ኣርኣዩ፡ ሕጂ ድማ ጥሪቶምን ጓሶትን ካብ ኣናብስ ብምክልኻል ሓላፍነቶም የርእዩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣንበሳ ብምቕታል ሓቦ ከም ዘለዎ ዘርኣየ መንእሰይ ማሳይ ድማ ካልኦት ከምኡ ዝበሉ መናእሰይ ሃደን ኣንበሳ ጠጠው ከብሉ ይሰርሕ።

"ኣብ ክንዲ ኣንበሳ ምግጣም ሃደን ኣንበሳ ጠጠው ምባል'ዩ እቲ ዝኸበደ" ይብል መፐተራንጋ።

ኣብ ዕቀባ ሴሌንካይ ናይ መጀመርታ ስርሑ ክጅምር እንከሎ ብጉጅለ ዝመጽኡ ማሳይ ናብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ኣምቦሰሊ ተጸጊዖም ምስ ርኣየ ኣንበሳ ዘለወሉ ቦታ ክከታተል ጀሚሩ።

"ከም ባህሊ ሓደ ሰብ ናይ መጀመርታኡ ኣንበሳ ምስ ቐተለ ንዘልኣለም ዝጽውዓሉ ናይ ኣንበሳ ሽም ይወሃቦዩ" ትብል ሃዛህ።

ሞተራንጋ መጀመርታ ኣንበሳ ምስ ቀተለ ሚተራንጋ ዝብል ሽም ተዋሂቡዎ ነይሩ። እዚ "ናይ መጀመርታ" ዝብል ትርጉም ክህልዎ እንከሎ ናይ መጀመርታ ኣንበሳ ምስ ቀተለ ተዋሂቡዎ።

"ሕጂ ድማ እቲ ኣንበሳ ይሕልውዎ፡ ናቶም ክኣ ይኸውን። ሽም የውጽኡሉ። ሕጂ ሽም ምውጻእ ኣዝዩ ጠቓሚ ኮይኑ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ሎሚ ኣንበሳ ክመውት እንከሎ ማሳይ ይሓዝኑ'ዮም። ነፍሲ ወከፍ ኣንበሳ ሽምን ታሪኽን ኣለዎ" ኢላ።

ሞተራንጋ ነታ መጀመርታ ዝሓለዋ ኣንበሳ ኖሲኪ ኢሉዋ ኣሎ። ወዲ 19 ዓመት ኮይኑ ናይ መጀመርታ ኣንበሳ ክቐትል እንከሎ ንኣደ እዛ ኣንበሳ እዩ ቀቲሉ።

ሕጂ ግን ንውላዳ ክሕሉ ምሒሉ።

"ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ባህላዊ እምነት ኣንበሳ ክቐትል እንከሎ ጅግና ምዃነይ ንምምስካር'ዩ" ዝብል ሞተራንጋ ሕጂ ካብ ቀታሊ ናብ ሓላዊ ኣንበሳ ብምስግጋሩ "እቲ ዝሓለፈ ሓሊፉ'ዩ፤ ሎሚ ከምቲ ኣንበሳ ክቐትል እንከለኹ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ዕግበት ኣንበሳ ብምድሓነይ ይረኽብ ኣለኹ" ይብል።