ብጨና ዝተቐበረ ነታጒ ዘለሊ ኣንጭዋ፡ ወርቂ ሜዳለያ ተሸሊሙ

ምንጪ ስእሊ, PDSA/PA
ዝተቐብረ ነታጒ ብጨና ዘለሊ ኣንጭዋ ንዕውታት ስራሕቱ ወርቂ ሜዳሊያ ተሸሊሙ።
እዚ 'ኣፍሪካን ፖችድ ራት' ብዝብል ሳይንሳዊ ሽም ዝፍለጥ ኣንጭዋ: ኣባል ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ዓብዪ ዓሌት ኣንጭዋ እዩ።
ማጋዋ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተቐቢሮም ዝነበሩ 39 ነተጉትን 28 ወተሃደራዊ ተባራዕቲ ነገራትን ቅድሚ ምፍንጃሮም ብጨና ኣለልዩ ኣብ ምምካን ሓጊዙ እዩ።
በዚ ህይወት ብዙሓት ሰባት ከድሕን ስለ ዝክኣለ ጅግና ተባሂሉ ወርቂ ሜዳሊያ ንክሽለም በቒዑ።
ትካል ገባሪ ሰናይ እንስሳታት ብሪጣኒያ 'ፒዲኤስኤ' ንማጋዋ እቲ ናይ ጅግንነት ሜዳሊያ ዝሸለሞ ኮይኑ፡ "ሙሉእ ህይወትካ፡ ህይወት ሰባት ኣብ ምድሓን ስለ ዘሕለፍካ ክትምስገን ይግባእ" ኢሉዎ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ካምቦዲያ ዝተቐበሩ ነተጉቲ ብጨና ኣለልዩ ብምርካብ ዓብዪ እጃም ከም ዘበርከተ ተገሊጹ።
ኣብ ደቡብ ኤዥያ ኣብ እትርከብ ካምቦዲያ ክሳብ 6 ሚሊዮን ዝተቐበሩ ነተጉቲ ከም ዘለው ይእመን።
ክሳብ ሕጂ እዚ ሽልማት ጅግንነት ካብ ሞንጎ ዝረኸቡ 30 እንስሳት ማጋዋ ናይ መጀመርታ ኣንጭዋ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ኣንጭዋ ኣብ ቤልጅም ብዝተመዝገበ ኣብ ታንዛኒያ ዝርከብ ኣፖፖ ዝተባህለ ትካል እዩ ሰልጢኑ።
እዚ ትካል ካብ 1990ታት ጀሚሩ ዝተቐበሩ ነተጉትን ዓባይ ሰዓልን ብጨና ኣለልዮም ዝፈልዩ ብዙሓት እንስሳት ከሰልጥኑ ጸኒሑ።
እቶም እንስሳት ዝወስዱዎ ስልጠና ምስ ወድኡ መረጋገጺ ብቅዓቶም ዝኾነ ናይ ምስክር ወረቐት ይወሃቦም።
በዚ ምኽንያት ኣፖፖ'ውን ብሽልማት ማጋዋ ኩርዓት ከም ዝተሰምዖ ገሊጹ።
እቲ ትካል ከም ዝብሎ እቲ ኣንጭዋ ኣብ ታንዛኒያ ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ። እዚ 1.2 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኣንጭዋ ቁመቱ 70 ሴንቲ ሜትር እዩ።
ማጋዋ ኣብ ውሽጢ 20 ደቒቕ ክንዲ ሜዳ ቴኒስ ዝኸውን መሬት ኣጫንዩ ዝተቐበረ ነታጒ ኣሎ'ዶ የለን ዝብል የረጋግጽ።
ሓደ ሰብ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ንምስራሕ ብውሑድ 4 መዓልቲ ከም ዝወስደሉ ይግለጽ።
ማጋዋ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መዓልቲ ን30 ደቒቕ ጥራሕ ዝሰርሕ ኮይኑ ጡረታ ዝወጽአሉ ዕድመ ይቐርብ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







