ፍሉይ ጻዕዳ ምራኽ ዓጋዜን-መሰል (ረይንዲር) ብዓይኒ ካሜራ ኣብ ኖርወይ ተራእዩ

ፍልይቲ ጻዕዳ ዓጋዜን ኣብ በረድ ደው ኢላ እንከላ

ምንጪ ስእሊ, Mads Nordsveen / Caters

መግለጺ ስእሊ, ሕብሪ ናይታ ተራእያ ዘይትፈልጥ እንስሳ ብተፈጥሮኣዊ ለውቲ (ጀነቲክ ሙቴሽን) ዝመጸ'ዩ ተባሂሉ ይእመን

ሓደ ኖርወያዊ ሰኣላይ፡ ስእሊ ናይ ሓደ ምስ ብጾቱ እናተጓዕዘ እንከሎ ጎፍ ዝበሎ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጻዕዳ ዓጋዜን (ረይንዲር) ዘርጊሑ።

እቲ ምቕማጡ ከተማ ኦስሎ ዝኾነ ወዲ 24 ማድስ ኖርድስቪ፡ ኣብ ሰሜን ኖርወይ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ነቲ ፍሉይ እንስሳ ርእይዎ።

ስእሊ ናይቲ ምስቲ ናይቲ ከባቢ በረድ ተመሳሲሉ ዝረአ ምራኽ (ውላድ) ዓጋዜን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ድሕሪ ምዝርግሑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣድነቕቲ ኣጥርዩ ኣሎ።

ኣብ ኢንስታግራም ስእሊ ናይቲ እንስሳ ኣብ ዝለጠፈሉ እዋን፡ እቲ ሰኣላይ "ኣብቲ በረድ ኣሰር ተሰዊሩ ነይሩ" ክብል ተዛሪቡ።

ጻዕዳ ዓጋዜን ሳሕቲ ዝራኣዩ እንስሳ እዮም። እቲ ዘይንቡር መልክዖም ድማ ብተፈጥሮኣዊ ክስተት ዝፍጠር ምዃኑ ይንገር።

ብመሰረት ባህሊ ስካንዳንቪያውያን፡ ጻዕዳ ዓጋዜን ምርካብ ከም ጽቡቕ ዕድል ተጌሩ'ዩ ዝውሰድ።

ጻዕዳ ዓጋዜን ናብ ዓይኒ ካሜራ እናጠመተ

ምንጪ ስእሊ, Mads Nordsveen / Caters

መግለጺ ስእሊ, ክሰኣል ደው ዝበለ'ዩ ዝመስል ነይሩ ክብል ሚስተር ኖርድስቪ ገሊጹዎ

ሚስተር ኖርድስቪ ንኣገልግሎት ዜና ኬተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ጎቦታት ኖርወይ እናተዛወረ እንከሎ ነቲ "ንእሽቶን ዘገርምን ፍጥረት" ከም ዝራኣዮ ተዛሪቡ።

"ናባይ ገጹ ምስ ቀረበ፡ ዓይኒ ንዓይኒ ተጠማሚትና። ሕማቕ ነገር ዝሓሰብኩ ሰብ ዘይምዃነይ ምስ ራኣየ ግን ተረጋጊኡ" ይብል እቲ ሰኣላይ።

"ክስእሎ ከም ዝደለየ ኮይኑ'ዩ ደው ኢሉ ተገሪሙ ዝጥምት ነይሩ ... ሓደ መስሓቕ ዳህሳሳይ'ዩ ዝመስል"።

እቲ እንስሳ ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ግን ነቲ ሰኣላይን ብጾቱን ገዲፍዎም ናብታ ኣብ ጥቓ ሓደ ጫካ ትጽበዮ ዝነበረት ኣዲኡ ከይዱ ተባሂሉ።

ሰኣላይ ኖርድስቪ "ኣዝዩ ዘደንቕን ዘደንጹን'ዩ" ነይሩ ክብል ነቲ ዘጋጠሞ ፍጻመ ገሊጽዎ።