እንስሳት ዘገዳምን ኣዕዋፍን ንስቓይ፥ ስደትን ሞትን እናተሳጥሑ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, BornFreeEthiopia
ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ሞንጎ ንእንስሳት ዘገዳምን ኣዕዋፍን ዘይምቸዋ ሃገራት እያ። ንሕጊ እታ ሃገር ብዝፃባእ መልክዑ ካብ ኣዕዋፍ ክሳብ ኣንበሳ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባት ይወድቁ።
ምስ ኩነታት ኣነባብርኡ ተዛሚድ ኣንበሳ ካብ ሞንጎ ሕሱም ስቓይ ዘጓንፎም እንስሳት ሓደ እዩ።
በረከት ግርማ፡ ነቶም እንስሳትን ኣዕዋፍን ኣብ ዝሕሉን ዘድሕንን ጣብያ እንስሳኮቴ ኣካያዲ ስራሕ እዩ። ኣብ እንስሳኮቴ ዑደት እንትንገብር፡ ካብ ኢድ ውልቀ-ሰባትን ዘይሕጋውያን ኣስገርቲን ዘድሓንዎም እንስሳትን ኣዕዋፍን ኣርእዩና።
ኣብቲ ጣብያ ዝርከቡ ክልተ እንስሳት ድማ ዘስደምም ታሪክ ኣለዎም።
ዶሎ
ናብቲ ጣብያ እንትትኣትዉ ኣቐዲምኩም ካብ ሞንጎ እትርእይዎም እንስሳት ሓደ፡ ዶሎ ዝብል መፀውዒ ስም ዘለዎ ኣንበሳ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Bereket Girma
ዶሎ ኣብ ክልል ሶማሌ ዶሎ ኣዶ ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ሓደ ሜትሮ ንውሓት ብዝነበሮ ሰንሰለት ተኣሲሩ፡ ኣብ ፀልማት ገዛ ኣርባዕተ ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ።
ንዓመታት ኣብ ፀልማት ክፍሊ ተኣሲሩ ምፅንሑ፡ ብርሃን ዓይኑ ክስእን ገይርዎሎ። በረከት ከምዝሓበረልና ንዶሎ ብቑልዕነቱ እዮም ረኺቦምዎ።
ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ኣብ ክሳዱ ዝተኣሰረሉ ሰንሰለት፡ ዕድመ ዶሎ እናወሰኸን ሰብነቱ እናገዘፈን እንትመፅእ ንክሳዱ ካብ ምሕርሓሩ ብተወሳኺ ንቖርበቱ ሰጊሩ ከቢድ ጉድኣት ኣስዒቡሉ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ጠለብ መግቡ ልዑል ስለዝኾነ፡ ካብ ሆቴላት ዝተራርፍ መግቢ ይቐርበሉ ነይሩ። እዚ ድማ መጠን ሰብነቱ ብጣዕሚ ንኽንክይን ፀጉሩ ክረግፍን ምኽንያት ኮይኑ።
ዶሎ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ እንስሳኮቴ ኣብ ዝተብሃለ ተፈጥሮኣዊ መዕቖቢ እንስሳት ብፅቡቕ ኩነታት ይነብር ኣሎ።
ሶፊያ
ቅድሚ ሕዲተይ ዓመታት ሁደታ ኣብ ዝተብሃለ ደቡባዊ ክፋል ኢትዮጵያ ሓንቲ ብሰንሰለት ዝተኣሰረት ኣንበሳ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባት ከምትርከብ ንኣባላት ቦርን ፈሪ መረዳእታ ይበፅሖም።

ምንጪ ስእሊ, BornFreeEthiopia
ናብቲ ዝተሃበረሎም ቦታ ድማ ይበፅሑ። ምስ በፅሑ ሶፊያ ብሰንሰለት ተኣሲራ፡ ኣብ ውሽጢ ፀባብ ገዛ ይረኽብዋ። ካብ ቆልዑት ብዝተደርበየ እምኒ ናይ ቅድሚት ፀጋማይ እግራ ተሰይሩ እዩ ፀኒሑ።
በቲ እዋን ክብደታ 27 ኪ.ግ ጥራሕ ትምዘን ነይራ። ሳፊያ ብቦርን ፈሪ ብዝተገበረላ ክንክን ሎሚ ምስ ዶሎ ኣብ ጣብያ እንስሳኮቴ ኣብ ዝተሓፀረሎም ቦታ ይነብሩ ኣለው።
አንድሪያና ጃኖ
አንዲሪያን ጃኖን ዝተብሃሉ ኣሕዋት ኣናብስ ብፍቓድ ነበር ፕረዚደንት ግርማ ወ/ጊዮርጊስ ካብ ቤተ-መንግስቲ ናብቲ ጣብያ ዝመፁ እዮም።

በረከት ከምዝሓበረልና፡ ንኽልቲኦም ሓዊሱ መብዛሕቲኦም ኣብ እንስሳኮቴ ዝርከቡ ኣናብስ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባት ንንውህ ዝበሉ ዓማውቲ ስለዝፀንሑ ዳግም ናብ ደኒ ኣቲኻ ምንባር ይኸብዶም እዩ።
ስለዝኾነ ክንድዝተኽኣለ ምስ ሰብ ቀጥታዊ ርክብ ንከይህልዎም ብምግባር ተፈጥሮኣዊ መንበሪ ኣብዝመስል ዝተሓፀረ ቦታ ክፀንሑ ክግበር እዩ ኢሉ።
ነብሪ ጎልጎል/ቺታ
"ኣዕዋፍን እንስሳት በረኻን ተፈጥሮ ኣብ ዝለገሰትሎም መንበሪ ናይ ምፅናሕ መሰሎም ዝኾነ ኣካል ክዳፍኦም ኣይግባእን" ዝብል በረከት፡ ኣብ እንስሳኮቴ ዝርከቡ ኣናብር ጎልጎል እውን ኣጎብንዩና እዩ።

እዞም እንስሳት ካብ ካልኦት ኣራዊት ብዝተፈለየ ኩነታት ልክዕ ከም እንስሳት ዘቤት ምስ ሰባት ክለምዱ ከምዝኽእሉ በረከት ይዛረብ።
እዚ ባህሪያቶም ኣብ ሃገራት ዓረብ ብዝርከቡ ሃፋትም ልዑል ተጠላብነት ክህልዎም ኣኽኢሉ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ እንስሳኮቴ 11 ኣናብር ጎልጎል ይነብሩ።
ኣብዚ ምስሊ ካብ ሞንጎ ዝረኣዩ ገሊኦም ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ እንተግዕዝዎም ኣብ ከባቢ ዶብ ሶማሌ ዝተትሓዙ እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ በዓል-መዚ ጉምሩክን እቶትን ኢትዮጵያ ናብ ሶማሌላንድ እጉዓዝ ዝነበረ መኪና እንትፍትሽ ዝተረኸቡ ኣብ ሞንጎኦም ይርከቡ።
"ሕጋዊ ሃደን" ተባሂሉ ንምዝናይን ክፋል ኣካላቶም ንምርካብን ብዝብል መዓልታዊ ዝቕተሉ እንስሳት በረኻን ኣዕዋፍን፡ ቁፅሮም መላኣሚ የብሉን ይብል በረከት።
እንስሳት ናይ ምሕላው፥ ምክንኻንን ንኻልኦት ምምሃርን ሓላፍነት ኩሉ ክኽውን ከምዝግባእ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







