እንስሳት ዘገዳምን ኣዕዋፍን ንስቓይ፥ ስደትን ሞትን እናተሳጥሑ እዮም።

ዶሎ ዝተብሃለ እንስሳ

ምንጪ ስእሊ, BornFreeEthiopia

መግለጺ ስእሊ, ዶሎ ናብ ጣብያ እንስሳኮቴ ቅድሚ ምመፅኡ ሰብነቱ ተጎዲኡ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ሞንጎ ንእንስሳት ዘገዳምን ኣዕዋፍን ዘይምቸዋ ሃገራት እያ። ንሕጊ እታ ሃገር ብዝፃባእ መልክዑ ካብ ኣዕዋፍ ክሳብ ኣንበሳ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባት ይወድቁ።

ምስ ኩነታት ኣነባብርኡ ተዛሚድ ኣንበሳ ካብ ሞንጎ ሕሱም ስቓይ ዘጓንፎም እንስሳት ሓደ እዩ።

በረከት ግርማ፡ ነቶም እንስሳትን ኣዕዋፍን ኣብ ዝሕሉን ዘድሕንን ጣብያ እንስሳኮቴ ኣካያዲ ስራሕ እዩ። ኣብ እንስሳኮቴ ዑደት እንትንገብር፡ ካብ ኢድ ውልቀ-ሰባትን ዘይሕጋውያን ኣስገርቲን ዘድሓንዎም እንስሳትን ኣዕዋፍን ኣርእዩና።

ኣብቲ ጣብያ ዝርከቡ ክልተ እንስሳት ድማ ዘስደምም ታሪክ ኣለዎም።

ዶሎ

ናብቲ ጣብያ እንትትኣትዉ ኣቐዲምኩም ካብ ሞንጎ እትርእይዎም እንስሳት ሓደ፡ ዶሎ ዝብል መፀውዒ ስም ዘለዎ ኣንበሳ እዩ።

አንበሳው ዶሎ ኣብ መዕቖቢኡ

ምንጪ ስእሊ, Bereket Girma

መግለጺ ስእሊ, ዶሎ እንስሳኮቴ ኣብ ዝተብሃለ ተፈጥሮኣዊ መዕቖቢ እንስሳት ብፅቡቕ ኩነታት ይነብር ኣሎ።

ዶሎ ኣብ ክልል ሶማሌ ዶሎ ኣዶ ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ሓደ ሜትሮ ንውሓት ብዝነበሮ ሰንሰለት ተኣሲሩ፡ ኣብ ፀልማት ገዛ ኣርባዕተ ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ።

ንዓመታት ኣብ ፀልማት ክፍሊ ተኣሲሩ ምፅንሑ፡ ብርሃን ዓይኑ ክስእን ገይርዎሎ። በረከት ከምዝሓበረልና ንዶሎ ብቑልዕነቱ እዮም ረኺቦምዎ።

ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ኣብ ክሳዱ ዝተኣሰረሉ ሰንሰለት፡ ዕድመ ዶሎ እናወሰኸን ሰብነቱ እናገዘፈን እንትመፅእ ንክሳዱ ካብ ምሕርሓሩ ብተወሳኺ ንቖርበቱ ሰጊሩ ከቢድ ጉድኣት ኣስዒቡሉ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ጠለብ መግቡ ልዑል ስለዝኾነ፡ ካብ ሆቴላት ዝተራርፍ መግቢ ይቐርበሉ ነይሩ። እዚ ድማ መጠን ሰብነቱ ብጣዕሚ ንኽንክይን ፀጉሩ ክረግፍን ምኽንያት ኮይኑ።

ዶሎ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ እንስሳኮቴ ኣብ ዝተብሃለ ተፈጥሮኣዊ መዕቖቢ እንስሳት ብፅቡቕ ኩነታት ይነብር ኣሎ።

ፊያ

ቅድሚ ሕዲተይ ዓመታት ሁደታ ኣብ ዝተብሃለ ደቡባዊ ክፋል ኢትዮጵያ ሓንቲ ብሰንሰለት ዝተኣሰረት ኣንበሳ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባት ከምትርከብ ንኣባላት ቦርን ፈሪ መረዳእታ ይበፅሖም።

ሶፊያ

ምንጪ ስእሊ, BornFreeEthiopia

መግለጺ ስእሊ, ሕሉፍ ኣዝያ ተጎዲኣ ዝፀንሐት ሶፊያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነብሳ መሊሳ ትርከብ።

ናብቲ ዝተሃበረሎም ቦታ ድማ ይበፅሑ። ምስ በፅሑ ሶፊያ ብሰንሰለት ተኣሲራ፡ ኣብ ውሽጢ ፀባብ ገዛ ይረኽብዋ። ካብ ቆልዑት ብዝተደርበየ እምኒ ናይ ቅድሚት ፀጋማይ እግራ ተሰይሩ እዩ ፀኒሑ።

በቲ እዋን ክብደታ 27 ኪ.ግ ጥራሕ ትምዘን ነይራ። ሳፊያ ብቦርን ፈሪ ብዝተገበረላ ክንክን ሎሚ ምስ ዶሎ ኣብ ጣብያ እንስሳኮቴ ኣብ ዝተሓፀረሎም ቦታ ይነብሩ ኣለው።

ንድሪያና ጃኖ

አንዲሪያን ጃኖን ዝተብሃሉ ኣሕዋት ኣናብስ ብፍቓድ ነበር ፕረዚደንት ግርማ ወ/ጊዮርጊስ ካብ ቤተ-መንግስቲ ናብቲ ጣብያ ዝመፁ እዮም።

ኣሕዋት ኣናብስ አንድሪያና ጃኖን

በረከት ከምዝሓበረልና፡ ንኽልቲኦም ሓዊሱ መብዛሕቲኦም ኣብ እንስሳኮቴ ዝርከቡ ኣናብስ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባት ንንውህ ዝበሉ ዓማውቲ ስለዝፀንሑ ዳግም ናብ ደኒ ኣቲኻ ምንባር ይኸብዶም እዩ።

ስለዝኾነ ክንድዝተኽኣለ ምስ ሰብ ቀጥታዊ ርክብ ንከይህልዎም ብምግባር ተፈጥሮኣዊ መንበሪ ኣብዝመስል ዝተሓፀረ ቦታ ክፀንሑ ክግበር እዩ ኢሉ።

ነብሪ ጎልጎል/ቺታ

"ኣዕዋፍን እንስሳት በረኻን ተፈጥሮ ኣብ ዝለገሰትሎም መንበሪ ናይ ምፅናሕ መሰሎም ዝኾነ ኣካል ክዳፍኦም ኣይግባእን" ዝብል በረከት፡ ኣብ እንስሳኮቴ ዝርከቡ ኣናብር ጎልጎል እውን ኣጎብንዩና እዩ።

ኣናብር ጎልጎል

እዞም እንስሳት ካብ ካልኦት ኣራዊት ብዝተፈለየ ኩነታት ልክዕ ከም እንስሳት ዘቤት ምስ ሰባት ክለምዱ ከምዝኽእሉ በረከት ይዛረብ።

እዚ ባህሪያቶም ኣብ ሃገራት ዓረብ ብዝርከቡ ሃፋትም ልዑል ተጠላብነት ክህልዎም ኣኽኢሉ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ እንስሳኮቴ 11 ኣናብር ጎልጎል ይነብሩ።

ኣብዚ ምስሊ ካብ ሞንጎ ዝረኣዩ ገሊኦም ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ እንተግዕዝዎም ኣብ ከባቢ ዶብ ሶማሌ ዝተትሓዙ እዮም።

በረከት ግርማ

ካብዚ ብተወሳኺ በዓል-መዚ ጉምሩክን እቶትን ኢትዮጵያ ናብ ሶማሌላንድ እጉዓዝ ዝነበረ መኪና እንትፍትሽ ዝተረኸቡ ኣብ ሞንጎኦም ይርከቡ።

"ሕጋዊ ሃደን" ተባሂሉ ንምዝናይን ክፋል ኣካላቶም ንምርካብን ብዝብል መዓልታዊ ዝቕተሉ እንስሳት በረኻን ኣዕዋፍን፡ ቁፅሮም መላኣሚ የብሉን ይብል በረከት።

እንስሳት ናይ ምሕላው፥ ምክንኻንን ንኻልኦት ምምሃርን ሓላፍነት ኩሉ ክኽውን ከምዝግባእ ይሕብር።