ምንቅስቓሳት ምስተኣገደ ንምንታይ ኣናጹ በዚሐን?

ኣንጭዋ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ምንቅስቓሳት ተኣጊዱ ሰባት ኣብ ገዝኦም ኣብ ዘሕልፍሉ ኣብዚ እዋን፡ ኣናጹ ብብዝሒ ይረኣያ ኣለዋ።

ምዕጻው አብያተ-መግብን ሰባት ኣብ ገዝኦም ምውዓሎምን ኣብ ልማድ ኣመጋግባን ባህርያትን ኣናጹ ጽልዋ ከምዘሕድረ ክኢላታት ይሕብሩ።

እንዳመስተን ኣብያተ-መግብን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ካብ ዝዕጸዉ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ፡ ኣብ ኣሜሪካ ሉዚያና ኣብ ዝተፈላለዩ ውሻጦታት ተሓቢአን ዝጸንሓ ኣናጹ ብብዝሒ ናብ ጎደናታት ክወጽኣ ተራእየን።

ሰራሕተኛ ምክልኻል ባልዕ ዝኾነት ክላውዲያ ሬገል "እተን ኣናጹ ስለዝጠመያ" ምውጸአን ንጋዜጠኛታት ሓቢራ።

ምእጋድ ምንቅስቓሳት፡ ኣናጹ ቅድሚ ሕዚ ዝረኽብኦ ዝነበረ መግቢ ንኽስእና ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።

ኣብ ከም ኣናጹ ዝበላ ናእሽቱ እንስሳት መጽናዕቲ ዝገብር ዶክተር ሮበርት ኮሪጋን፡ ቅድሚ ሕዚ ተራእየን ዘይፈልጣ ኣናጹ ኣብ ዘይተለመደ ቦታታትን ሰዓታትን ክረኣያ ምጅማረን መሓዙቱ ከምዝሓበሩሉ ይገልጽ።

ብርግጽ ምስ ኣናጹ ብዝተሓሓዝ ዝኾነ ለውጢ ዘይተረኣየሎም ከባብታት'ውን ኣለዉ። ምናልባት እዘን ኣናጹ ኣብ ገዛ ዘዝረኸብኦ ተረፍመርፍ እናተመገባ ክኾና ይኽእላ'የን።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ማሕበር ኪኢላታት ቁጽጽር ባልዕ፡ ኣብዚ ወርሒ "ኣብያተ-ትምህርቲ፣ እንዳመስተ፣ ኣብያተ-መግቢ፣ ሆቴላትን ካልኦት ህዝቢ ዝእከበሎም ቦታታትን ብምዕጻዎም ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾኑ ነገራት ከጋጥሙ ከምዝኽእሉ" ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ጓሓፍ

ብቕዓት ምልማድ ወይ ምውህሃድ

ዶከትር ኮሪጋን፡ ዝጠመያ ኣናጹ "ነዊሕ ርሕቐት ክጓዓዛን ቅድሚ ሕዚ ተራእየናሎም ኣብ ዘይፈልጣ ቦታታት ክበጽሓን ይኽእላ" ይብል።

መግቢ ካብ ርሕቐት ከጫንዋ ዝኽእለላኡ ዝለዓለ ብቕዓት ክህልወን ከሎ፡ ኣዝዩ ጥንኩር ኣስናነን ድማ መሰናኽል ክኾንወን ንዝኽእሉ ከም መዓጾ፣ ፕላስቲክን ኣጭርቕትን ኣብ ምንኳል ይሕግዘን።

"ኣብ ኩሉ እየን ዝርከባ፤ ንነብሰን ምስ ኩሉ ከላምዳ እንተዘይክእላ ነይረን ኣብ ኩሉ ክፋላት ዓለም ኣይምተረኸባን" ይብል እቲ ዶክተር።

ብዙሓት ኣናጹ ተራእየን ማለት ግን ከተማታት ብኣናጹ ክውረራ እየን ማለት ኣይኮነን።

ብርግጽ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነዘን ፍጥረታት ምቁጽጻር ዝከኣለሎም ስልትታት ተግባራዊ ምግባር ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዶክተር ኮሪጋን ይዛረብ። ሰብመዚ ኒው ኦሪሊያንስ - ኣሜሪካ ድማ ነዚ ልዑል መጠን ምርባሕ አናጹ ንምቁጽጻር ተወሰኽቲ ስጉምትታት ከምዝወስዱ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እቲ ዶክተር ከምዝብሎ፡ ጽርየት ምሕላው ሓደ ካብ መገዲታት ምቁጽጻር ኣናጹ እዩ። መግቢ እንተዘይረኺበን "ነንበዓልተን ክባልዓን ምርባሕ ክቆጻጸራን ይኽእላ'የን" ይብል።

ኣናጹ ስለምንታይ ኣብ ገዛ ክህልዋ ዘይድለያ?

ዝጠመያ ኣናጹ ከቢድ ዕንወት ከስዕባ ይኽእላ እየን። ኣብ ውሽጢ ገዛ ከቢድ ጉድኣት ከብጽሓን ሕማማት ከላብዓን ይኽእላ።

"መቆጻጸሪ ሜላታት ክትጥቀሙ እንተዘይክኢልኩም ኣብ ውሽጢ ገዛ፣ ክፍሊ መደቀሲ፣ ቆልዑ ኣብ ዘለዉሉ ቦታ፣ መጽንሒ ህጻናትን ሆስፒታላትን ይርከባ" ይብል ኣብ ኣናኣሽቱ እንስሳት መጽናዕቲ ዘካይድ ዶክተር ኮሪጋን።

ኣናጹ ምስ ኣስታት 55 መንቀሊታት ሕማማት ከምዝራኸባ ዝሕብር እቲ ዶክተር፡ ኮሮናቫይረስ ክሕዘን ከምዝኽእል ግን ዝኾነ መረዳእታ ከምዘየለ ይገልጽ።

ኤለክትሪክ ብዝተዘርግሓሎም ቦታታት ስለዝንቀሳቐሳ ድማ መንቀሊ ባርዕ ሓዊ ክኾና ይኽእላ።

"ብዙሕ ክነቕርበን ዘይብልና እንስሳት እየን" ይብል።

ኣንጭዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣናጹ መግቢ ክደልያ ካብ ሰፈረን ይወጻ ኣለዋ

ካብ ገዛና ብኸመይ ክነርሕቐን ንኽእል?

ኣናጹ ካብ ገዛና ክርሕቓ እንገብረሉ ሓደ መገዲ ዝኾነ ክኣትዋሉ ዝኽእላ ነዃል ዘይምፍጣር፡ እንተሃልዩ ድማ ምዕባስ'ዩ። ዝተጨደደ ወይ ዝተፍሓረ ሰረት ይኹን መንደቕ እንተልዩ፡ ትቦታት እንተተኸፊቱ፡ ኣናጹ ብቐሊሉ ክኣትዋ ዕድል ይህብ።

ኣብ ውሽጢ ገዛ ክሕበኣ ዝኽእላሎም ቦታታት ውሱናት ስለዝኾኑ፡ ካባቢና ከይረስሕ ብምግባርን ጓሓፍ ኣብ ዝኽደን ኣቅሓ ብምእካብን ዝመጽኣሉ ዕድል ክነስእነን ንኽእል።

ኮሮና
ኮሮና