ኣብ ኬንያ ወርቃዊት ዝሕብራ ኣድጊ በረኻ ተረኺባ

ምንጪ ስእሊ, kenya pics
ማሳይ ማራ ኣብ ዝተብሃለ ሕሩም ሕዛእቲ ኬንያ ዝተረኸበት ሓንቲ ወርቃዊት ዝሕብራ ዒሉ ኣድጊ በረኻ ኣቃልቦ በጻሕቲ ስሒባ ትርከብ።
ቅድሚ ሰሙን እውን ኣብ ተመሳሳሊ ሕዛእቲ ሓንቲ ነጠብጣብ ሕብራ ዒሉ ኣድጊ በረኻ ተረኺባ ነይራ እያ።
እዛ ወርቃዊ ዝሕብራ ዒሉ ኣድጊ በረኻ፡ ብሮቡዕ እያ ብሓደ ጆህን ማነ ኪብሳ ዝተብሃለ መራሒ መገዲ በጻሕቲ ተረኺባ።
ንሱ ነዛ ዒሉ 'ማነ' ክብል ብካልኣይ ስሙ ከም ዘጠመቓ ዴይሊ ኒውስ ዝተብሃለት ጋዜጣ ኬንያ ሓቢራ።
ጆህን ማኔ ኪብሳ፡ ነዛ ዒሉ፡ በጻሕቲ ሃገር ሒዙ እናተዛወረ እንከሎ ከም ዝርኸባ እዩ ዝግለጽ።
"ነዛ ዒሉ ኣነ እየ ንመጀመርታ ግዜ ረኺበያ፤ ስለ ዝኾነ ከኣ ብካልኣይ ሽመይ 'ማነ' ክብል ሰምየያ ኣለኹ" ምባሉ ጋዜጣ ደይሊ ኒውስ ጠቂሳ።
"ንግሆ እዩ ነይሩ፤ ንበጻሕቲ ሃገር ናብቲ ዝጻወትሉ ቦታ ከብጽሖም እናኸድኩ ከለኹ ነዛ ፍሉይ ሕብሪ ዘለዋ ዒሉ ኣድጊ በረኻ ርእየያ። ክኣምን ኣይክኣልኩን፤ ካሜራይ ኣውጺአ ከኣ ክስእላ ጀሚረ። ካብ ናብ ኣድጊ በረኻ ናብ ዘቤታዊ ኣድጊ ዝመሳስል ሕብሪ ኣለዋ"።
ስእሊ እዛ ወርቃዊት ዒሉ ኣድጊ በረኻ፡ ኣብ ትዊትር ምስ ተዘርገሐ ብዙሕ ተምሳጥ ፈጢሩ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







