እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኬንያ ወርቃዊት ዝሕብራ ኣድጊ በረኻ ተረኺባ
ማሳይ ማራ ኣብ ዝተብሃለ ሕሩም ሕዛእቲ ኬንያ ዝተረኸበት ሓንቲ ወርቃዊት ዝሕብራ ዒሉ ኣድጊ በረኻ ኣቃልቦ በጻሕቲ ስሒባ ትርከብ።
ቅድሚ ሰሙን እውን ኣብ ተመሳሳሊ ሕዛእቲ ሓንቲ ነጠብጣብ ሕብራ ዒሉ ኣድጊ በረኻ ተረኺባ ነይራ እያ።
እዛ ወርቃዊ ዝሕብራ ዒሉ ኣድጊ በረኻ፡ ብሮቡዕ እያ ብሓደ ጆህን ማነ ኪብሳ ዝተብሃለ መራሒ መገዲ በጻሕቲ ተረኺባ።
ንሱ ነዛ ዒሉ 'ማነ' ክብል ብካልኣይ ስሙ ከም ዘጠመቓ ዴይሊ ኒውስ ዝተብሃለት ጋዜጣ ኬንያ ሓቢራ።
ጆህን ማኔ ኪብሳ፡ ነዛ ዒሉ፡ በጻሕቲ ሃገር ሒዙ እናተዛወረ እንከሎ ከም ዝርኸባ እዩ ዝግለጽ።
"ነዛ ዒሉ ኣነ እየ ንመጀመርታ ግዜ ረኺበያ፤ ስለ ዝኾነ ከኣ ብካልኣይ ሽመይ 'ማነ' ክብል ሰምየያ ኣለኹ" ምባሉ ጋዜጣ ደይሊ ኒውስ ጠቂሳ።
"ንግሆ እዩ ነይሩ፤ ንበጻሕቲ ሃገር ናብቲ ዝጻወትሉ ቦታ ከብጽሖም እናኸድኩ ከለኹ ነዛ ፍሉይ ሕብሪ ዘለዋ ዒሉ ኣድጊ በረኻ ርእየያ። ክኣምን ኣይክኣልኩን፤ ካሜራይ ኣውጺአ ከኣ ክስእላ ጀሚረ። ካብ ናብ ኣድጊ በረኻ ናብ ዘቤታዊ ኣድጊ ዝመሳስል ሕብሪ ኣለዋ"።
ስእሊ እዛ ወርቃዊት ዒሉ ኣድጊ በረኻ፡ ኣብ ትዊትር ምስ ተዘርገሐ ብዙሕ ተምሳጥ ፈጢሩ ይርከብ።