ምስሕሓብ ቀዳማይ ምኒስተርን ፕረዚደንት ሶማልያን ናበይ ኮን የምርሕ ይኸውን?

ፕረዚደንት ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብሌን

ምንጪ ስእሊ, BBC/REUTERS

ምስ ምንዋሕ ምርጫ ሶማሊያ ኣብ ፖለቲከኛታት ዘይምርድዳእ ካብ ዝፍጠር ጸኒሑ ኣሎ። ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ንስልጣን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ብኽልተ ዓመት ምስ ኣናውሖ'ዩ እቲ ዘይምርድዳእ ብኢሱ።

ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ሶማልያ እውን ነቲ ናይ ስልጣን ምንዋሕ ብምቅዋም ንዓብዱላሂ ፋርማጆ ብናይ ስልጣን ውድድር ከሲሱምዎ።

ብሰንኪ እዚ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስትን ተቓወምትን ኣብ ከተማ ሞቓዲሾ ብዘጋጠመ ግጭት ብውሕዱ 10 ሰባት ሞይቶም።

ናይቲ ግርጭት ቀንዲ ተዋሳእቲ

እቶም ተቓወምቲ ዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት ፋርማጆ ስለዘብቀዐ፡ "ኣፍልጦ ኣይንህቦን ኢና" ብምባል 'ናሽናል ሳልቬሺን ፎረም' ዝበሃል ተሰማዕነት ዘለዎ ብሄራዊ መድረኽ ኣቚሞም።

እቲ ምትእኽኻብ ናይ ፋርማጆ ቀንዲ ተቓዋሚ ናይቲ ሰኔት ኣፈ-ጉባኤ ኣብዲ ሃሺ ኣብዱላሂ፣ ናይ ጁባላንድን ፑንትላንድን መራሕቲ ዘካተተ ጥምረት እዩ። ነቲ ሕገ-መንግስታዊ ኣይኮነን ዝበሉዎ ናይ ስልጣን ምንዋሕ ከኣ "ኣድላይ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና" ኢሎም።

ናይ ፑንትላንድ ፕረዚደንት ስዒድ ዓብዱላሂ ዴኒን ናይ ጁባ መዘንኡ አሕመድ መሐመድ ኢስላምን ኣብ ሞቃዲሾ ምስ ወከልቲ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ፡ ነቶም ተወከልቲ "ንሶማልያ ካብቲ ዘይተርፍ ዓዘቕቲ ዕግርግር ከድሕኑዋ" ተማሕጺኖም።

እቲ "ቤት ምኽሪ ሕጹያት ፕረዚደንት" ብፕረዚደንት ነበር ሸሪፍ ሼክ ኣሕመድ ዝምራሕ ምእትእኽኻብ ኮይኑ፡ ንፋርማጆ ንምትካእ ልዑል ድሌት ናይ ዘለዎም ሰባት ጥምረት እዩ። ንፕሬዚዳንት ፋርማጆ ግን ናይ "ናይ ኵናት መስፍን" ክብሉ እዮም ዝገልጹዎ።

ኣሜሪካ፣ እንግሊዝን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ናይ ፋርማጆ ናይ ስልጣን ምንዋሕ ጉዳይ ንናይታ ሃገር ናይ ሰላም ጉዕዞ ዝዕንቅፍ'ዩ በሃልቲ እዮም። ንዝምድናታቶም'ውን ዳግመ ግምት ከምዝገብሩሎም ኣጠንቂቖም ነይሮም።

ኣሜሪካ "ሰላምን ምርግጋእን ንምዕንቃፍ" ኣብቲ ምንዋሕ ስልጣን ኣብ ዝተሳተፉ ሰበ ስልጣን ማዕቀብ ከምእትገብር እውን ኣጠንቂቓ ነይራ።

ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ምንዋሕ ስልጣን ብምቅዋም ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መራሕቲ ሶማልያ ኣብ ጉዳይ ምንዋሕ ምርጫ ክዘራረቡ ንዘቕረቦ ጻውዒት ከምዝድግፍ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ዋላኳ ዓቢ ተቓውሞ እንተጋጠሞ ብወከልቲ ህዝቢ ታሕተዋይ ባይቶን ብጋልሙዱግ፣ ብሂውማሌን ኣብ ከባቢ ደቡብ ምዕራብን ሰፊሕ ደገፍ ኣለዎ።

ጸገማት መንግስቲ ፌዴራል

ፌዴራላዊ ስርዓት ሶማሊያ ነቲ ሱር ዝሰደደ ናይ ዓሌት ግጭት ደው ንምባልን ኣሃዱኣዊ መንግስቲ ንምምስራትን ኣብ ጻዕሪ እኳ እንተሎ እቲ ጉዕዞ ግን ዘገም እናበለ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

እታ ሃገር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ቅልውላው ናብ ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ትካላት ንክትሕወስ ትካላታ ተሐይል ኣላ።

እቲ ጉዳይ ምርጫ ዘኸተሎ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ማእከላዊ መንግስትን ብቐደሙ እውን ንስልጣን ፋርማጆ ዘቋሽሹ ዝነበሩ ሓደ ሓደ ናይ ክልል መንግስታት ዝጸንሐ ምስሕሓብ ኣብኢሱዎ ኣሎ።

ኣብ መስከረም 2018 ሓሙሽተ መራሕቲ ክልላት ኣብ ጉዳይ ምክፍፋል ስልጣን ምስ መንግስቲ ከምዘይተሓባበሩ ኣረዲኦም።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ግን ኣይደንጎየን ነተን ክልላት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእትዎ ግዜ ኣይወሰደሉን። ነቶም ተቓወምቲ ብምእላይ ኣብ ጋልሙዱን ኣብ ግዝኣታት ደቡባዊ ምዕራብን ደገፍቱ ሸይሙ።

መንግስቲ ፈደራል ኣብ ፑንትላንድን ጁባላንድን ከምቲ ኣብ ካልእ ዝገበሮ ተመሳሳሊ ተጽዕኖ ከሕድር ኣይከኣለን። ናይተን ክልተ ግዝኣታት መራሕቲ ፋርማጆ ዳግማይ ንከይምረጽ ይጽዕሩ ኣለው።

ሰራዊት ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ መስከረም ዝተገብረ ስምምዕ

ዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት እኳ እንተብቀዐ ብኸመይ ሓዲሽ ፕረዚደንት ክምረጽ ይኽእል ኣብ ዝብል ግን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ'ሎ። ፕሬዚደንትን ቀዳማይ ምኒስተርን ኣብ ጉዳይ ምርጫ ነንሓድሕዶም ይወነጃጀሉ ኣለው።

ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ናይ ህዝቢ ቀጥታዊ ተሳትፎ ዘይብሉ ህዝባዊ ምርጫ ክካየድ ከምዘይከኣል ኣፍሊጡ። ኣብ ሰነ 2020 ተኣማንነት ዘለዎ ምርጫ ንምክያድ ብውሑዱ ክሳብ 13 ኣዋርሕ ከምዝወስድ ንናይ ህዝቢ እንዳራሴ ገሊጹ።

ናይ ጁባላንድን ፑንትንትላንድን ተቓወምቲ ሰልፍታት ንምድንጓይ እቲ ምርጫ ኣይተቐበሉዎን። እቶም መራሕቲ ኣብ ኣኼባ ዱሳማሬብ ኣይተሳተፉን። ኣብቲ ኣኼባ ከኣ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ዝርርብ ተኻይዱስ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ነይሩ። ኣብ ሐምለ 2020 ቀዳማይ ምኒስተር ሓሰን ዓሊ ኬይሬ ካብ ስልጣን ምስተኣልየ ኣብቲ ዝግበር መስርሕ ምርጫ ዝነበረ እምነት ተባሕጓጉ ኣሎ።

ናይ ጁባላንድን ፑንትላንድን መራሕቲ

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንሰሙናት ድሕሪ ዝገበሮ ጸቕጢ 17 መስከረም 2020 ኣብ ጉዳይ ምርጫ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብ ነብሲ ወከፍ ክልል ክልተ ናይ ምርጫ ነቑጣታት ክህልዋ እየን። እቲ ዝካየድ ምርጫ ኣብ ናይ ክልል ተሳተፍቲ ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ ኣብ ነብሲ ወከፍ ናይ ምርጫ ክልል 101 ናይ ምርጫ ልኡኻት ድምጺ ክህቡ እዮም። ብሕቶን ጠለብን እቶም ተቓወምቲ ነቲ ምርጫ ዝቆጻጸር ብሄራውን ክልላውን ናይ ምርጫ ኮሚቴታት ክቖሙ ተወሲኑ።

ናይ ጁባላንድ ማዶቤን ናይ ፑንትላንድ ዴኒን ብፌዴራል መንግስቲ ዝቖመ ናይ ምርጫ ኮሚሽን ብዘይምቕባሎም እቲ ናይ ስምምዕ መስርሕ እንደገና ዕንቅፋት ኣጋጢሙዎ። ናይ ጸጥታ ሓለፍቲ ክእለዩን ፓርላማ ክብተንን ከኣ ሓቲቶም።

እንተኾነ ነቲ ምድንጓይ ምርጫ ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ፈደራል ፓርላማ ኣብ ሕዳር 2020 ብሓደስቲ ተመረጽቲ ክሳብ ዝትክኡ ኩሎም ሓለፍቲ ትካላት መንግስቲ ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ወሲኑ።

ዓሌታዊ ፖለቲካን ግጭት

እቲ ዘይምትእምማን ምስ ሰፍሐ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ነናብ ዓሌቶም ግዒዞም። ንሳቶም ከኣ ብዓሌታዊ ምልሻ ብኣዘዝቲ ኵናትን ናይ ቀደም ሓለፍቲ ሰራዊትን ዝሕለው እዮም።

ዝተወሰኑ ሓለፍቲ ተቓውሞ ኣጽዋርን ተሽከርከርትን ብምግዛእ ብረታዊ ቃልሲ ንምክያድ ክዳለውን ጀሚሮም። ብ15 መጋቢት ከኣ ነቲ ዝተደናጎየ ምርጫ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ እንከለው ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም። እቶም ናይ ፖሊስ መኮንናት ብመንግስቲ ቱርኪ ዝሰልጠነ ፍሉይ ናይ ሃርማድ ኣባላት ሓይሊ ፖሊስ እዮም ነይሮም። ቅድሚ እቲ እዋን እውን መንግስቲ ድሌታቱ ንከስገድድ ነዚ ፍሉይ ሓይሊ'ዚ እዩ ዝጥቀም ነይሩ።

ሓላፊ ፖሊስ ሞቓዲሾ ነበር ሳዲቅ ኦማር ሓሰን (ሳዲቅ ጆን) ብ13 ሚያዝያ ብጉዳይ ምርጫ ንምዝርራብ ንዝተኣከበ ፓርላማ ብምኽልካል ኣንጻር መንግስቲ ተሰሊፉ። ብድሕሪኡ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ ማዕርጉ እውን ተቐንጢጡ። ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ከኣ ብዕጡቓት ደቂ ዓሌቱ እናተሓለወ ዳይናል ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ሞቓዲሾ መዓስከር መስሪቱ።

መንግስቲ ናብቲ ከባቢ ዕጡቓት ብምውፋሩ ኣብታ ከተማ ወጥሪ ሰፊኑ፤ ዳሕራይ ግን እቲ ኵነታት ተረጋጊኡ።

እቲ ምርጫ ፍታሕ ዝረኸበ ይመስል

ኣብ ሚያዝያ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ዘበነ ስልጣኑ ንኽልተ ዓመት ንምንዋሕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብወግዒ ደው ከምዘበሎ ሓቢሩ።

ንህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ከኣ ሓዲሽ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንኽካየድ መጸዋዕታ ብምቕራብ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንዝገበሮ ጻዕሪ ኣድኒቑ። ኣብ ዝቕጽል ዕለታት ከኣ ናይ ሶማልያ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ብኸመይ ምርጫ ከምዝካየድ ተሰማሚዖም።

ቀዳማይ ምኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለን ናይቲ ክልል ፕረዚደንትን እቲ መስርሕ ኣብ ክልተ ወርሒ ንኪጅመር ዘኽእል ስምምዕ ተፈራሪሞም።

እቲ ምርጫ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ሰሌዳ ስለዝተጀመረ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ሓደ ሓደ ኣከባቢ እቲ ምርጫ ተጀሚሩ።

ናይ ሶማልያ ናይ ጁባላንድ ክልል ቤት ምኽሪ ኢሊያስ ባዳል ጋቦሴን ናይ መጀመርያ ናይ ሶማልያ ሴኔት አባል ኮይኑ ተመሪጹ።

እቲ ናይ ዓሌታት ፓርላም ኣባላት ዝምረጽሉ ዝተወሳሰበ ናይ ሶማልያ ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ምርጫ ካብ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ይካየድን ቅድሚ መዓልታት ክውዳእ እኳ እንተነበሮ ክሳብ ሕጂ ግን ኣይተወደአን።

ምስዋር እታ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ጓለንስተይቲ

ኣብ መስከረም ከኣ ካልእ ዕግርግር መጺኡ። ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቃዲሾ ኢክራን ታህሊል ዝተባህለት ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ብምስዋራ ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ምኒስተርን ካልእ ምስሕሓብ ተፈጢሩ።

ቤት ጽሕፈት ትካል ሃገራዊ ድሕነትን ኢክራን ታህሊል ብኣልሸባብ ተጨውያ ከምዝተቐትለት እኳ እንተገለጸ እቲ ዝተጠቕሰ ጉጅለ ግን ነቲ ተግባር ከምዘይፈጸሞ ገሊጹ ኣሎ።

ምስዋር እታ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ጓለንስተይቲ

ቀዳማይ ምኒስተር መሐመድ ሓሰን ሮብለ እቲ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ነቲ ጉዳይ ንምክትታል ብዝሓዞ መገዲ ደስ ኣይበለንን ብምባል ካብ ስራሕ ኣጊዱዎ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ግን እቲ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ናብ ስርሑ ክምለስ ኣዚዙ'ሎ።

ብዘይካ እታ ዝተሰወረት ሰራሕተኛ ሃገራዊ ድሕነት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ተጸዋዕነት ጉዳይ እውን ንፍልልይ እቶም ክልተ ፖለቲከኛታት ኣጋዲዱዎ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተፍጥረ ዘይምስምማዕ ንሓይልታት ጸጥታ ሶማል ናይ ምክፍፋል ሓደጋ ኣስዒቡ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ክልቲኦም ሰበ ስልጣን መስርሕ ምርጫ እታ ሃገር ንከይዕንቀፍ ተሰማሚዖም።

ጉዳይ እታ ዝተሰወረት ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ጉዳይ ከኣ ቤት ፍርዲ ክርእዮ ተሰማሚዖም።

እቲ ሓዲሽ ዘይምርድዳእ

ቅድሚ መዓልታት ናይ ሶማልያ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ናይታ ሃገር ቀዳማይ ምኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ካብ ስልጣኑ ምእጋዱ ኣፍሊጡ።

ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንምእጋድ ዝቐረበ ምኽንያት ብዘይ ኣግባብ ስልጣኑ ተጠቒሙ ናይ መንግስቲ መሬት ብምውሳዱ እዩ ዝብል እዩ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ናይ ህዝቢ መሬት ብምውሳዱን ምኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዘካይዶ መርመራ ጣልቃ ብምእታውን እዩ ዝኸሶ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ንቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነ ንሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ሶማል ንጄነራል አብዲሃሚድ መሓመድ ዲሪር እውን ካብ ሓላፍነቱ ኣጊዱዎ ኣሎ።

ይኹን እምበር ቀዳማይ ምኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ብምንጻግ እቲ ፕረዚደንት መፈንቅለ መንግስቲ ክገብር ፈቲኑ ብምባል ኣብ ስልጣኑ ከምዝቕጽል ተዛሪቡ።

ካብኡ ሓሊፉ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ካብኡ እምበር ካብ ፕረዚደንት ፋርማጆ ትእዛዝ ክቕበሉ ከምዘይብሎም ኣተሓሳሲቡ። እቲ ሓዲሽ ዘይምርድዳእ ተወሳኺ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ሶምል ዝርከቡ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ኤምባሲ እቶም መራሕቲ "ካብ ተዂታኺ ተግባራት ንክቑጠቡን ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከወግዱን" ኣተሓሳሲቡ።

እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለያ ጃንዳ ኣብ ዝተሰለፉ ዓሌታት ዝተመቓቐለት ኣብ ርእሲ ምዃና ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ምስ ዘለዎ ጉጅለ ኣልሸባብ እውን ትዋጋእ ኣላ።