ሶማልያ፡ ‘ንጸጥታና ኣመሪካውያን የድልዩና’ዮም'

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብታ ተኣፋፊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ዘለዋ ሶማልያ፡ በቲ ኣካታዒ መስርሕ ምርጫን ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብታ ሃገርን ተኸቲሉ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ወጥሪ መመሊሱ ይዓርግ ምህላዉ ይግለጽ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ኣብታ ሃገር ብተደጋገሚ ወተሃደራዊ ድብያታትን ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታትን ዘካይዱ እስላማዊ ዑጡቓት ኣልሸባብ'ውን መጥቃዕትታቶም የሐይልዎ ምህላዉም ጸብጻባት ይጠቅሱ።
ዲፕሎማሸኛታት፡ እታ ሃገር ን30 ዓመታት ኣብ ቅልውላው ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ዓመታት ዘርኣየቶ ለውጥታት ተመኪሳ ናብቲ ቀደም ዝነበረቶ ንኽይትምለስ ስግኣታት ከምዘሎን እታ ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ ከምዘላን እዮም ዝጠቅሱ።
ፍሉይ ወኪል ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጀምስ ስዋን ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ "ሶማልያ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ መበገሲ ምዕራፍ እያ ዘላ" ድሕሪ ምባል "ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዞባውያን ሃገራውያን ሓለፍትን ነቲ መስርሕ ባይቶኣዊ ምርጫ ክዶናገ ይምሕጸኑ ስለዘለዉ እዚ ናብ ዕግርግር ከምርሕ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ከም ሕቡራት ሃገራትን ኣውሮጳዊ ሕብረትን፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ጸለውቲ ፖሎቲከኛታትን መራሕትን ጉዳያቶም ብዘተ ክፈትሑ ብምምሕጻን "ዝኾነ ዓይነት ጎነጻዊ ሓይሊ ምጥቃም ተቐባልነት የብሉን" ኢሎም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እታ ንነዊሕ እዋን ተበታቲና ዝጸንሐት ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምርጫ ከተካይድ ውጥን ነይርዋ'ዩ።
እንተኾነ እቶም ኣብ እንዳታት ዝተሞርኮሱ ሰልፍታት እተ ምርጫ ምጥፍፋእ ክህልዎ እዩ ብምባል ብኣግኡ ስግኣታቶም ብምግላጽ ኣብቲ መስርሕ ምርጫ ዘለዎም ተቃውሞ ክገልጹ ጸኒሖም።
ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ'ውን ድሌታቱ ንክፍጽም ኣብ ልዕሊ ዞባውያን መራሕቲ ጸቅጥታት ይፈጥር ኣሎ ብምባል ክኸሱ ጸኒሖም።
ናይ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ዝነበረ ሑሴን ሸኽ ዓሊ'ውን ነዚ እዩ ኣንጸባሪቁ።
ንሱ "እቲ መስርሕ ምርጫ ናብ ቅኑዕ መስመሩ እንተዘይተመሊሱ ናብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ዕንወት ከምርሕ ይክእል'ዩ፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዲሞክራሲ ንሓደጋ ዝተቃለዐ ምኳኑ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ'ዩ፡ እዚ ኸኣ ክዕረ ኣለዎ" ይብል።
ሑሴን ሸኽ ዓሊ ብምስዓብ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቃድሾ፡ ብኣልሸባብ ዝካየድ ዘሎ ተደጋገሚ መጥቃዕቲ ናይ ፍርሒ ዝምዒት ዘሪኡ ምህላዉ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስላዋምውያን ዑጡቓት ኣልሸባብ ካብ መቃድሾን ካልእ ሰፊሕ ክፋላት ሶማልያን ብወተሃደራት ሶማልን ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ተደፊኦም እኳ እንተወጽኡ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ግን ህላዊኦም የስፋሕፍሑ ኣለዉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ መንግስቲ ዝቆጻጸረሮ መሬት'ውን ከይተረፈ ሕጊ ሸሪዓ ከምዝትግበር ኣብ ምግባርን ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ትካላት፡ ሆቴላትን መንግስታውያን ቤትጽሕፈታትን ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕትታት የካይዱ ኣለዉ።
ሑሴን ሸኽ ዓሊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኩሉ ሰብ ንኣልሸባብ ግብሪ ይኸፍል እዩ፡ እዚ ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እዚ ዋላ እቲ ፕረዚደንት እዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ንሱ ዝበልዖ መግቢ ንኣልሸባብ ግብሪ ዝተኸፈሎ እዩ" ይብል።
ሑሴን ሸኽ ዓሊ ብምስዓብ "ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት እናሓየሉ እዩ መጺኦም፡ ብዙሕ ሰብ ንኣልሸባብ ኣነኣኢሱ እዩ ዝርእዮም ንሶም ግን ዝተወሃሃዱ፡ ቅርጡው ምሕደራ ዘለዎም ንሶማል ናይ ምቁጽጻር ራኢ ዘለዎም እዮም"
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ሓደ ኣብ መቃድሾ ዝርከብ ዓቢ ሆቱል ብኣልሸባብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ተቀቲሎም።
ዋና እቲ ሆቴል፡ ንኣልሸባብ ግብሪ ምኽፋል ስለዝኣበየ ንሆቴሉ ዕላማ ከምዝገበርዎ እዩ ዝኣምን።
ዋና እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ሆቴል ዓብደላሂ ኖር "ንሶም [ኣልሸባብ] እቲ ግብሪ ንሓደ ሰብ ጅሆ መትሓዚ ገይሮም እዩም ዝሓስብዎ፡ ንሓና ኸኣ ንኣልሸባብ ዋላ ሓንቲ ከምዘይንኸፍል ተረዲእዎም እዩ" ይብል።
ዓብደላሂ ኣብ ልዕሊ ሆቴሉ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ፡ ነቲ ሆቴል ቀልጢፉ ኣሐዲሱ ዳግማይ ከፊትዎ'ዩ።
"ዋላ ነቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣካየድዎ'ውን ፈሪሕና ንዐኦም ግብሪ ኣይክንከፍልን ኢና፡ ነብስና ክንከላኸል ኢና"
ዓብደላሂ ኖር እቲ ዝውንኖ ሆቴል ኣብ መቃድሾ ኣብ ገምገም ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ኣጋ ምሸት ብዙሓት ሰባት ዝተኣኻኸብሉን ህሉው ፖሎቲካዊ ኩነታት ሃገሮም ኣልዒሎም ዝመያየጥሉ ቦታ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ቦታ ክትዓት ካብ ዝካደሉ ኣርእስቲ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ስልጣኑ ነቶም ኣብ ሶማልያ ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብታ ሃገር ምስሓቡ እዩ።
ዓብደላሂ ኖር፡ ሓደ ካብቶም ብምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ስክፍታ ዝሓደሮ ኮይኑ "ኣዝዩ ይርብሸና ኣሎ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ የድልዩና'ዮም ብፍላይ ኸኣ ኣብ ጸጥታ" ይብል።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዲፕሎማሸኛታት ግን ኣብ ሶማልያ ዝነበሩ ፍሉያት ሓይልታት ኣመሪካ ምውጽኦም ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ እዮም ዝሕብሩ።
እቶም ኣብ ሶማልያ ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣስታት 700 እዮም።
ኣምባሳደር ብርጣንያ ቤን ፎልደፍ "ሶማላውያን ንገዛእ ርእሶም ዕብላለ ናይ ሓይሊ ከርእዩ'ምብር [ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ] ንነብሶም ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከተኣታትዉ ኣየዳለውዋን፡ ከምዝመስለኒ ኣመሪካውያን ናይ ሶማልያ ጸጥታ ኣብ ምውሓስ ዓቢ ግደ እዩ ነይርዎም" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እንተኾነ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ዝነበር ስቱፈን ስችዋርዝ "ዘየድሊ ህዝባዊ ርከባትን ኣልሸኣብ መጥቃዕትታ ንኸዛይድ ዝድርኽን'ዩ" ይብል።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መትቃዕትታት ከምእተካይድ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ዝያዳ ግን ነቶም ናይ ሶማልያ ደናብ ዝብሃል ፍሉያት ሓይልታት ኣብ ምስልጣን እያ ክትነጥፍ ጸኒሓ።
ሕጂ ደናብ ብዘይ ህላወ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝያዳ ክሽገሩ ከምዝኽእል እዩ ኸኣ ግምታት ዘሎ።
ሑሴን ሸኽ ዓሊ "ሰራዊት ኣመሪካ ጥራይ እዮም ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዘካይዱ ነይሮም፡ እቶም ናይ ሶማልያ ፍሉይ ሓይልታት ኸኣ ነቲ ናህሪ ናይ ኣልሸባብ ይንክይዎ ጥራይ እዮም ነይሮም፡ ስለዚ ወተሃደራት ኣመሪካ እንተዘይነብሩ መትቃዕትታት ናይ ኣልሸባብ ካብዚ ዘለዎ ዝገደደ ምኾነ ነይሩ"ይብል።
እቲ ኣብ ሶማልያ ዘሎ ተኣፋፊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ብኻልኦት ሃገራት'ውን ይንብድበድ ከምዘሎን ብጎሮባብቲ ሃገራት ከምዝጽሎን ዝገልጹ'ውን ኣለዉ።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ንሶማልያ ብቀጥታ ይጸልዋ እዩ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዘሎ ፖሎቲካዊ ኩነታትት፡ ሕጂ ናብ ዕርቂ ዝቐርብ ዘሎ ክልተ ደንበ'ውን ንሶማልያ ብቀትታ ካብ ዝጸልዋ ኩነታት እዩ።
ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ኣብ ሶማልያ ሰራዊትን ከም ዓቓቢ ሰላም ኣዋፊረን ስለዘለዋ ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላው ሶማልያ ቀጥታዊ ኢድ ኣለወን።
ሑሴን ሸኽ ዓሊ ድልዱል ሰራዊት ሰራዊት ሶማልያ ኣብ ምህናጽ ጽቡቕ ስራሕ ከምዘይተሰረሐ'ዩ ዝገልጽ።
"ንሕና ስራሕና ኣይሰራሕና" ድሕሪ ምባል "ኣሚሶን'ውን [ብሕበረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃቢ ሰላም] ክንድቲ ዝግብኦም ኣይሰርሑን" ይብል።
እንተኾነ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ፡ ኣልሸባብ ፍርቂ መቃዲሾ ተቆጻጺሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣሚሶን ካብ ሶማልያ እንድሕር ወጺኦም ዕጡቃት ኣልሸባብ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ነታ ከተማ ምተቆጻጸርዋ ዝብል ግምታት እዩ ዝውሃብ ነይሩ።
ሕጂ'ውን እንተኾነ ኣሚሶም ካብ ሶማልያ እንድሕር ወጺኢም "ኣልሸባብ ንሞቃድሾ ንምቁጽጻር ልዕሊ 12 ሰዓታት ኣይክወስደሎምን'ዩ" ክብል ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ላዕለዋይ ሓላፊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







