ሶማልያ፡ ኬንያ ኣብ ውሽጢ ሶማልያ ዕግርግር ክትፈጥር ትጽዕር ክትብል ከሲሳ

ኬኒያ ኣባል ምኽባር ሰላም ኣሚሶም እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኬንያ፡ ኣብ ሶማሊያ ዕግርግር ንምፍጣር ትጽዕር ኣላ ክትብል መንግስቲ ሶማሊያ ከሲሱ።

ሚኒስትሪ ሓበሬታ ሶማልያ ዑስማን ኣቡበከር ዱቤ፡ እታ ሃገር ንመረጻ ኣብ እትዳለወሉ እዋን፡ ኬንያ፡ ኣብ ሶማሊያ ዕግርግር ክትፈጥር ትሓስብ ኣላ ክብል ንቴሌቪዥን ሃገሩ ተዛሪቡ።

"ንኬንያ ነኽብራ ኢና። ኣብ ጉርብትናና ዝተሞርኮሰ ሓድነትን ምትሕግጋዝን ክህልወና ኢና ንደሊ። ብሸነኽ ኬንያ ግን ግቡእ ዘይኮነ ናይ ቀትሪ ሕልሚ ሒዛ ማይን መሬትን ሶማሊያ ክትቆጻጸር እያ ትደሊ" ኢሉ።

እቲ ሚኒስትር ብሃገራዊ ቴሌቪዥን ሶማሊያ ኣብ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ፡ ኬንያ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢዳ ተእቱ ከምዘላን መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፊታት ሶማሊያ ኣብ ናይሮቢ ከም ዘአንገደትን ገሊጹ።

እዞም ካብ ደቡብ ሶማሊያ ግዝኣት ጁባላንድ ዝተወጻጽኡ ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ጉዳይ ዝመጽእ መረጻ ሶማሊያ ከምዝዘተዩን ቅድም ኢሉ'ውን ኣብ ተመሳሰልቲ መድረኻት ዘተ ከም ዘካየዱ ይግለጽ።

"ሞቓዲሾ ዋላ ሓደ ተቓዋሚ ሰልፊ ኬንያ ኣአንጊዳ ኣይትፈልጥን። ኣብ ጎረባብትና ወጥሪ ክዓስል ኣይንደልን፤ ግን ድማ ኣብ ልዕሊ ሶማሊያ ዝበጽሑ መጥቃዕታት መልዐሊኦም ናይሮቢ'ዩ። ሶማሊያ እትሰማምዐሎም ዝጥሓሱ ድማ ኣብ ኬንያ'ዩ" ክብል እቲ ሚኒስትር ከሲሱ።

ወሲኹ፡ "ናይሮቢ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ መሪሕነት ዘይምርግጋእን ፖለቲካዊ ወጥርን ክዓስል ዝፍሓሰሉ ቦታ ኮይኑ'ዩ። በዚ ምኽንያት ኢና ኣምባሳደርና ካብ ናይሮቢ ስሒብና" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ኬንያ ኣብ ትሕቲ ኣኽባሪ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማሊያ ዘውፈረቶም ወተሃደራታ ክወጽኡ ብምግባር ኣገደስቲ ግዝኣታት ሶማሊያ ኣብ ትሕቲ ኣልሸባብ ከም ዝወደቑ እቲ ሚኒስትር ተዛሪቡ።

"ኣብ ሶማሊያ ዝተዋፈረ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣሚሶን ኬንያ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብምውጽኡ እቶም ግዝኣታት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ኣልሸባብ ወዲቖም ኣለው። እዚ ዕሽሽ እንብሎ ጉዳይ ኣይኮነን" ክብል ቴሌቪዥን ሶማሊያ ኣቃሊሓ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ኬንያ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ክስሕብ እንከሎ፡ ኣምባሳደር ኬንያ'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዳ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኬንያ ግን፡ ኬንያ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሶማሊያ ጣልቃ ትኣቱ ኣላ ንዝብል ክሲ ነጺጉዎ።

ክልትኣዊ ዝምድና እዘን ሃገራት ክሕርፍፍ ከምዝጸንሐን፡ ኣብ ህንዳዊ ውቕያኖስ ኣብ ዝርከብ 150 ሽሕ ትርብዒት ሜትር ብዝሽፍን ብተፈጥሮኣዊ ነዳድን ዘይትን ዘለዎ ከባቢ ይዋጠጣ።