ኣብ ሶማሊያ ብሓደጋ ነፋሪት ሽድሽተ ሰባት ሞይቶም

ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, @HARUNMARUF

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሶማሊያ ሽድሽተ ሰባት ፅዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ብምውዳቓ ኩሎም ተጓዓዝቲ ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

እታ ነፋሪት፡ ትማሊ ኣብ ከተማ ባርዳሌ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ንምዕላብ እንትትፍትን፡ እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ።

ንብረት ኣፍሪቃ ኤክስፕረስ ኤርዌይስ ዝተብሃለ ናይ ኬንያ ትካል ከምዝኾነትን፡ ናውቲ ረድኤት ዝኾኑ ኣፋውስን ናይ ዓሶ መከላኸሊ ዛንዚራታት ፅዒና ከምዝነበረት ተገሊፁ።

ምክትል ሚኒስትር ትራንስፖርት ሶማሊያ ኣይተ ሓሳን ሑሴን፡ ካብ ሞንጎ እቶም መወትቲ እቶም ኣርባዕተ ሶማሊያውን እንትኾኑ እቶም ክልተ ድማ ኬንያውያን ከምዝኾኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ምኽንያት ሓደጋ እታ ነፋሪት ንምፍላጥ ምርመራ ይካየድ ከምዘሎን ልዕሊ እዚ ሓበሬታ ንምሃብ ከምዘይኽእል ተዛሪቡ።

ንብረት ኣቬሽንያ ኬንያ ዝኾነ ኣፍሪካን ኤርዌይስ፡ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት፡ ገየሽትን ናውትን ካብ ሶማልያ ከመላልስ ዝፀንሐ ኩባንያ እዩ።

እታ ነፋሪት ካብ ሞቓድሾ ናብ ግዝኣት ጌዶ፡ ናይ ሕክምናን ኣፋውስን ናውቲ ሒዙ ትበርር ከምዝነበረት፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ሶማሊያ ፀብፂበን።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1986 ዝተመስረተ ኣፍሪካን ኤርዌይስ፡ ናብ 30 ከባብታት ከምዝበርር፡ ድሕረ-ገፅ እቲ መገዲ ኣየር ይሕብር፤ መብዛሕትኦም ድማ ከተማታት ሶማሊያ እዮም።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ናይ ውልቀ መገዲ ኣየር ከምዝኾነን፡ ዋና ቢርኡ ኣብ ናይሮቢ ከምዝኾነ፡ ኣብቲ ድሕረ-ገፅ ተገሊፁ ይርከብ።

መግለጺ ቪድዮ, ሰብ-ኣልባ ነፋሪት