ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ንግዲ ጫት ብዝገበረቶ እገዳ 3 ሚልዮን ዶላር ክትዕቕብ ክኢላ

ሶማላውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ናይ ጫት ንግዲ ብዝተገበረ ግዝያዊ እገዳ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናይ ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር ክዕቀብ ምኽኣሉ መራሒ ኣንጻር ንግዲ ጫት ዝንቀሳቀስ ጉጅለ፡ ኣቡበከር ኣወል ሓቢሩ።

ሶማልያ፡ መዓልታዊ ብቶናት ዝቁጸር ጫት ካብ ኬንያ ከምእትቱ ኣቡበከር ኣወል ወሲኹ ሓቢሩ።

ሶማሊያ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሞቓዲሾ ዝግበሩ ዓለምለኻዊ በረራታት ደው ክብሉ ብምግባራ፡ እታ ሃገር ንጫት ተውጽኦ ዝነበረት ሸርፊ ወጸኢ ከተድሕን ክኢላ።

ጫት ክእገድ ኣለዎ ኢሉ ብምጉስጓስ ዝፍለጥ ኣቡካር ኣዋሌ፡ እቲ እገዳ ንኹሉ ግዜ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።

እዚ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ፈርዩ ናብ ሞቓዲሾ ብነፋሪት ዝመጽእ ጫት፡ ንተጠቐምቲ ብዙሕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ከምዝፈጥሎም ይግለጽ።

ሶማሊያ ዓለምለኻዊ በረራት ደው ካብ እተብል ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዘ ሰለስተ ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ብምግባራ፡ እቲ እገዳ ጫት ንሓዋሩ ንተቀጺሉ ንሶማልያ ዓቢ ቁጠባዊ መቀይሮ ክኸውን ከምዝኽእል ኣቡካር ኣዋሌ ይዛረብ።

ደቂ ተባዕትዮ ሶማሊያ ብዝሒ ተጠቐምቲ ጫት ኮይኖም፡ ኣቡካር ኣዋሌ ሃገራዊ ሓደጋ እዩ ብምባል ክቃወሞ ጸኒሑ'ዩ።