ኣብ ወተሃደራዊ መደብር ኣሜሪካ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም

ተቓለስቲ ኣልሸባብ ኣብ ኢላሻ ቢያሃ ተኣኻኺቦም ዘርኢ ምስሊ፥ 13 መጋቢት 2012

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣልሸባብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከቢድ መጥቃዕቲ ከምዝፍፅም ተሓንዩ

ትማሊ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሓደ ወተሃደርን ክልተ ኮንትራክተራትን ተቐቲሎም።

ካልኦት ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ክልተ ኣባላት ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካውያን ከምዝቖሰሉ'ውን ሰብመዚ እቲ መዓስከር ገሊጾም።

እዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላሙ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደብር፡ ኬንያውያንን ኣሜሪካውያንን ሓይልታት ዝጥቀምሉ እዩ።

እዚ መጥቃዕቲ ብእስላማዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ እዩ ተፈፂሙ።

ኣዛዚ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፡ እቶም ዝቖሰሉ ኣሜሪካውያን ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዝርከቡን ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝገዓዙን ሓቢሩ።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ መጥቃዕቲ እንክፍፀም፡ ኣብ ደሴት ማንዳ ኣብ ዝርከብ መደብር ሲምባ፡ ድምፂ ተዅስን ፀሊም ትክን ከምዝረኣዩ ሓቢሮም።

ኣዛዚ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ጀነራል ስቴፈን ታውንሰንድ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ብምርግጋፅ፡ ኣብ ልዕሊናን ኣብ ልዕሊ መሻርኽትናን መጥቃዕቲ ንዝፈፀሙ ኣል-ሸባብን ክንስዕቦም ኢና" ኢሉ።

ሓይልታት ምክልኻል ኬንያ ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ነፈርቲ ውግእ ዝተጠቀመ እንትኸውን፡ ኣርባዕተ ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

ኣልሸባብ ኣብዚ መደብር መጥቃዕቲ ዝፈነወ ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መደብር ንምቁፅፃር ዓሊሙ ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ኬንያ ኮሎኔል ፖል እንጁጉና ገሊፆም።

ኣል-ሸባብ ግና እቲ መጥቃዕቲ ዕዉት ከምዝነበረ ብምግላፅ፡ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣሜሪካንን ኢራንን ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

ሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ ኣልሸባብ "ሸውዓተ ነፈርትን ሰለስተ ወተሃደራዊ መኻይንን ኣዕኒና" ምባሉን፡ እተን ነፈርቲ ክቃጸላ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዝረኣየን ጸብጺቦም።

ኣል-ሸባብ፡ ኣብ ልዕሊ መደብር ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ክፍጽም እዚ ንካልኣይ ግዘ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ብወገን ምዕራብ ኣብ ትርከብ ከተማ ባለተጎድል፡ ወተሃደራት ኣሜሪካን ሶማሊያን ዝጥቀምሉ ወተሃደራዊ መደብር ኣጥቒዑ ነይሩ።

ካብ ዝምስረት ልዕሊ 10 ዓመት ዝገበረን ምስ ዓልቃይዳ ርክብ ዘለዎን ኣል-ሸባብ፡ ቀንዲ መደብሩ ኣብ ሶማሊያ ብምግባር ዛጊት ብዙሓት መጥቃዕትታት ፈጺሙ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 28 ታሕሳስ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊያ ሞቓዲሾ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 80 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ኬንያ ናብ ሶማሊያ ወተሃደራታ ዝለኣኸት ኣብ 2011 ኮይኑ፡ ካብ ሶማሊያ ዶባታ ጥሒሶም ኣብ ግዝኣታ ዝፍፀሙ መጥቃዕትን መጭወትን ንምክልኻል ብዝብል እዩ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ናይሮቢ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ እንታይ'ዩ?