ኬንያ፡ ኣልሸባብ ነቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራ ሓላፍነት ወሲዱ

መኻይን እናተቃጸላ

ሎሚ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ ሓደ ብዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ዝኾነ ሆቴል ዱሲት ዲ2 መጥቓዕቲ ግብረሽበራ ተፈፂሙ።

በቲ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱ፡ ኣብቲ ሆቴል ዝተወሰደ ስእሊ የርእይ።

በዓል ሞያ ስእሊ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ብወገኑ ቁፅሪ ምዉታት ሓሙሽተ ከምዝበፅሐ ይገልፅ።

ወሃቢ ቃል ኣልሸባብ ንቢቢሲ ሶማሌ ከምዝሓበሮ፡ ነዚ ኣብ ናይሮቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ምሉእ ሓለፍነት ከምዝወስድ ገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ወሃቢ ቃል "ኣብ ናይሮቢ ስርሒታት ነካይድ ኣለና'ውን ኢሉ።

ኣልሸባብ፡ በቲ መጥቃዕቲ 47 ሰባት ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ።

ብሄሊኮፕተራትን ድሩዕት መካይንን ዝተሰነዩ ኣካላት ጸጥታ ኣብቲ ሆቴልን ከባቢ እቲ ሆቴልን ብብዝሒ ተዋፊሮም ኣምስዮም።

ኣብቲ ከባቢ ክልተ ከቢድ ምፍንጃር ናይ ቦንባ ድሕሪ ምስምዑ፡ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ፡ ተኸታታሊ ተኹሲ ተሰሚዑ ።

ገለ መሰኻክር ዓይኒ ድማ ኣርባዕተ ዕጡቓት ናብ ቀጽሪ እቲ ሆቴል ከምዝኣተዉ ሓቢሮም።

"መጥቓዕቲ ይወርደና ኣሎ" ክብል ሓደ፡ ውሽጢ እቲ ህንጻ ዝርከብ ውልቀሰብ ንሮይተርስ ክሕብር እንከሎ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ከባቢ መካይን ክቃጸላ ተራእየን፡ ብዙሓት ብጥይት ዝቆሰሉ ካብቲ ሆቴል ብሓገዝ ፖሊስ ክወጹ'ውነ ተራእዮም፥

እዚ መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሮበርት ሉታ ዝተብሃለ ተጠቃሚ ፌስቡክ፡ እቲ ዝነበረ ሃዋህው ብፌስቡክ ብቀጥታ ፈንይዎ ።

ኣብዚ ብቀጥታ ዝተፈነወ ምስሊ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ክሃድሙን፣ ካብ ህንጻ ዝዘሉን ብጥይት ናይ ዝተወቕዑን ሰባት ምስሊ የርእይ።

መካይን እናተቃጸላ እንከለዋ
ኣብ ናይሮቢ ነትጉን ቶኽስን ኣጋጢሙ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ኬንያ ንቢቢሲ ከም ዘሓበሮ፡ ኩነታት ጽቡቕ የለን ሰባት ይሞቱ ኣለዉ ኢሉ።

ናብ ስትድዩ ክሳብ ዝኣተናሉ ስዓትኣብ ውሽጢ ሆቴል ካብ ዘለዉ ኣባላት ኣልሸባብ ናብ ደገ ብረት ይትኮስ ከም ዝነበረ'ውን ተፈሊጡ።

ሓደ ካብ ላዕልዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሶማል ዝኾነ፡ ፕረዚደንት ዞባ ጋልሙዱግ ኣሕመድ ዱለ ገለ ኣብቲ ሆቴል እኳ እንተነበረ ብሰላም ክወጽእ ምክኣሉ ራድዮ ዳልሳን ሓቢራ።

ሆቴል ዱሲት ዲ 2 ብዓል ሓሙሽተ ኮኾብን 101 ክፍልታት ዘለዎ እዩ።

Skip Facebook post

Content is not available

View content on Facebookቢቢሲ፡ ንትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of Facebook post

ካልእ ተጠቃሚ ትዊተር ዝኾነ ሮን ንጌኖ ድማ፡ እቲ ምፍንጃር ኣብ ዝተሰመዐሉ ሆቴል ኣብ መሕፀቢ ክፍሊ ከምዝተሓብአን፡ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ይፍፀም ከምዘሎን ገሊፁ።

ካብ ከቢድ ድምፂ ምፍንጃር ብተወሳኺ ተኹሲ ከምዝሰምዐ ብምግላፅ፡ " ሎሚመዓልቲ እንተሞይተ ኣምላኸይ ከምዝፈትውን ንስድራይ ከምዝፈትዎምን ንገሩለይ" ብምባል ስም ዝርዝር ስድርኡ ፀሪሑ እዩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣልሸባብ ኣብ 2013 ኣብ ዌስትጌት ዝተብሃል ህንጻ ማእከል ንግዲ 80 ስዓታት ዝወሰደ መጠዕቓዕቲ ብምፍጻም 67 ሰለማውያን ሰባት ክቀትሉ እንከለዉ፡ፈጸምቲ እዚ ተግባር ከይተታሓዙ ካብቲ ህንጻ ምውጽኦም ይዝከር፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ጋሪሳ ዩኒቨርሲቲ ተመሳሳሊ መጠዕቓዕቲ ብምፍጻም 150 ሰባት ከም ዝቀተሉ ዝዝከር'ዩ።

ኣብዚ ሎሚ ኣብ ሆቴል ዱሲት ዲ 2 ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ክንደይ ሰባት ከም ዝሞቱ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ'ኳ እንዘይተገለጸ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ሓያል ወጥሪ ትርከብ።

እዚ መጥቃዕቲ ዌስትላንድ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ተፈፂሙ
መግለጺ ስእሊ, እዚ መጥቃዕቲ ዌስትላንድ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ተፈፂሙ