ኬንያ ናይሮቢ፡ ኣብ ሆቴል ዱሲት ዲቱ ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ተፈፂሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ዓብዪ ሆቴል መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ዕጡቓት ብውሑድ ሽድሽተ ሰባት ከም ዝቐተሉ ተገሊፁ።
ከቢድ ነትጒን ተኹሲን ኣብቲ ሆቴል ዱሲት ዲቱን ካልኦት ትካላት ንግድን ዝርከብሉ ቀፅሪ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ኣብ ሶማሊያ ዝርከብ ጉጅለ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ።
መንግስቲ፡ ኩሎም ህንፃታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣባላት ፀጥታ ከም ዝኣተዉ'ኳ እንተሓበረ፡ ድምፂ ተኹሲ ግን ይስማዕ ኣሎ።
መሰኻኽር ዓይኒ ከም ዝበልዎ፡ ዛጊት ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ቤት-ብልዒ እቲ ህንፃ ክቕተሉ ከለዉ፡ ሓደ ሰብ ድማ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና እናረኸበ ህይወቱ ሓሊፉ።
ሓደ ካብቶም ዝተቐተሉ፡ ኣሜሪካዊ ከም ዝርከቦም ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ይኹን ደኣ'ምበር ቁፅሪ በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ሰባት ብዝምልከት ብንፁር ዝተፈለጠ ነገር የለን። ሓደ ሰራሕተኛ ክፍሊ መፀንሒ ሬሳ ግን ብዉሑድ 15 ክብል ንሮይተርስ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ኬንያ ጆሴፍ ቦይኔት፡ እቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 9፡00 (3፡00) ምጅማሩን፡ እቶም ዕጡቓት ናብ ውሽጢ ቅድሚ ምእታዎም፡ ኣብቲ ሆቴል ናብ ዝነበራ መኻይን ነታጒ ከም ዝደርበዩን ኣፍሊጡ።
ሓደ ካብኣቶም ከኣ ርእሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
ሓንቲ ኣብቲ ቦታ ዝነበረት ሰበይቲ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ምስክርነት፡ "ድምፂ ተኹሲ ሰሚዐ፣ ብድሕሪኡ ሰባት ኣእዳዎም ንላዕሊ ብምዝርጋሕ ክሃድሙ ርእየ፤ ዝተወሰኑ ድማ ህይወቶም ንምድሓን ናብ ባንኪ [ኣብቲ ሆቴል ዝርከብ] ኣትዮም" ኢላ።
ሓደ ኣባል ፖሊስ "እቲ ኩነታት ጽቡቕ የለን። ሰባት እናሞቱ እዮም" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ፍሬድ ማትያጊ፡ ኩሎም ህንፃታት እቲ ዓብዪ ሆቴል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣባላት ፀጥታ ምእታዎም ተዛሪቦም።
"እቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣትዩ'ሎ፤ ሃገር እውን ኣብ ውሑስ ኩነታት ትርከብ" ክብሉ ንጋዜጠኛታት ዝሓበሩ ማትያንጊ "ግብረ-ሽበራ ፈፂሙ ኣይክስዕረናን" ኢሎም።
ይኹን ደኣ'ምበር ነዚ ምስ ዝገልፁ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ኣብቲ ከባቢ ተኹሲ ተሰሚዑ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







