ኣብ ከባቢ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማልያ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, EPA
መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ መቓድሾ ዝርከብ ወተሃደራዊ ነቑጣታት ብዕጡቓት ሚሊሻትታት መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ኣፍሊጡ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ከምዝተፈጸመ'ውን እቲ ዝወጽአ መግለጺ ጠቒሱ።
ሚኒስተር ጽጥታ እታ ሃገር፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዘካይዱ ዝነበሩ ሚሊሻታት ንድሕሪት ከምዝመለስዎምን እቲ ኩነታት ሃዲኡ ከምዘሎን ሓቢሩ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ: ሓያል ቶኵሲ ከምዝሰምዑ ተዛሪቦም።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ቅድሚ እቲ: መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ንሎሚ ዓርቢ ህዝባዊ ተቓውሞ ክካየድ ወጢኖምሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እዩ ተፈጺሙ ዘሎ።
መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ሶማልያ፡ ኣንጻር እቲ ''ዘይሕጋዊ ስልጣን ጨቢጡ'ሎ'' ዝበልዎ መንግስቲ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላ ፋርማጆ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም ምንባሮም ይፍለጥ።
ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ፋርማጆ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተወደኣን፡ ብሰንኪ እዚ ድማ እታ ሃገር ኣብ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ተሸሚማ ከምዘላን ይፍለጥ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ንምፍታሕ ኩሎም ተቓወምቲ ወገናት ዝሳተፍዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ ጸዊዑ'ሎ።
እቲ ካብ ሎሚ ጀመሩ ዝካየድ ልዝብ፡ እቲ መዓልቱ ዘሕለፈ ፕረዚደንታውን ባይቶኣውን ምርጫታት ዝካየደሉ ኩነታት ዝውስን'ዩ።
እታ ሃገር ኣብ ታሕሳስ 2020 ባይቶኣዊ ምርጫ ክተካይድ ነይሩዋ። እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ዞባዊ ኣማሓደርትን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ክካየድ ኣይተኻእለን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







