ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማልያ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም

መንግስቲ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላ ፋረማጆ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማልያ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓርቢ ኣንጻር እቲ '' ዘይሕጋዊ ስልጣን ጨቢጡ'ሎ'' ዝበልዎ መንግስቲ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላ ፋረማጆ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም።

ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር ሸክ ሸሪፍ ሸክ ኣሕመድ ነቶም ካልኦት ሕጹያት ተወዳደርቲ ወኪሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ባይቶኣውን ፕረዚደንታውን ምርጫ ከዳሉ ከምዝፈሸለ ገሊጹ።

ኣብ ሶማልያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክካየድ ዝነበሮ ፕረዚደንታዊን ባይቶኣውን ምርጫታት ዘይምክያዶም ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።

ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላ ፋረማጆ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተወደአ ኸይኑ፡ ከምኡ'ውን እታ ሃገር ኣብ ታሕሳስ 2020 ከተካይዶ ዝነበራ ምርጫ ከተተግብር ኣይከኣለትን።

ኣብታ ሃገር፡ ባይቶ እታ ሃገር ከይተመርጸ፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከተካይድ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ይግለጽ።

እቶም ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማልያ፡ ነበርቲ ሞቓድሾ ኣንጻር'ቲ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸዊዖም ኣለው።

እንተኾነ ግን፡ ኣብታ ከተማ ሕግን ስርዓትን ውሑስ ብዘይምዃኑ ብዙሓት ሰባት ንሰለማዊ ሰልፊ ክወጽኡ'ዮም ዝብል ግምት ከምዘየለ ተንተንቲ ይሕብሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራዊት መንግስቲ ካብቲ ንካልኣይ እብረ ክወዳደር ዝነበሮ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ 'ፋርማጆ' ትእዛዝ ከይቅበሉ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ጸዊዖም ነይሮም።

መራሕቲ ሶማልያ፡ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር መዓስ ከምዝካየድ ገና ኣይተማምዑን ዘለው።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ኣብ መንጎ መራሕቲ ሶማልያ ዘተ ክካየድ ጸዊዑ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር ክሳዕ ንስልጣን ዝትክእ ዝርከብ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ከይፍጠር፡ ባይቶ ሃገርን ፕረዚደንትን ስልጣኖም ክቕጽሉ ዘፍቕድ ውሳነ ብባይቶ እታ ሃገር ጸዲቑ ነይሩ።

እታ ሃገር ኣብ ታሕሳስ 2020 ባይቶኣዊ ምርጫ ክተካይድ ነይሩዋ። እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ዞባዊ ኣማሓደርትን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ክካየድ ኣይተኻእለን።