ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ኣብ ዛዕባ ምርጫ ተፈጢሩ ንዘሎ ሃጓፍ ንምእላይ ዘተ ክግበር ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ሶማልያ፡ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ምርጫ ዝካየደሉ ኩነታት ኣመልኪቱ ንምዝታይ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ምስ መራሕቲ ፈደራላዊ ክልላት ርክብ ክግበር ጸዊዑ።
ንምርጫ ኣመልኪቱ ብ5 ለካቲት ዝተኻየደ ርክብ ብዘይ ውጽኢት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ዘመነ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ብሰኑይ ኣብቂዑ እዩ።
ተቓወምቲ ውድባት ንስልጣን እቲ ፕረዚደንት ኣፍልጦ ከም ዘይህቡ ብምግላጽ፡ ግዚያዊ መንግስቲ ክቐውም ጸዊዖም ኣለው።
ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ክፍለሃገር ፑንትላንድ፡ ጋሮዌ፡ ርክብ ክካየድ መደብ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ መራሕቲ ሶማልያ፡ ኣሳታፊ ዝኾነ ምርጫ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ዝካየደሉ ኩነታት፡ ናብ ስምምዕ ክበጽሑ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተማሕጺኑ።
ነቲ ን15 ለካቲት ርክብ ንምክያድ ተታሒዙ ዘሎ መደብ’ውን ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ኣፍሊጡ።
ኣቦ መንበር ኮምሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ’ውን ብሰኑይ ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣካዪዱ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







