ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ቅልውላው ሶማልያ ክዝቲ'ዩ

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ ብዛዕባ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ሰማልያ ኣመልኪቱ ከምዝዝቲ አጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣቓሊሑ።
እታ ሃገር፡ እቲ ትማሊ 8 ለካቲት ክካየድ ዝነበሮ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብዘይምክያዳ'ያ ናብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣትያ ዘላ።
እቲ ምርጫ ብኸመይ ይካይድ ኣብ ዝብል ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ዞባዊ ምምሕዳራትን ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ብ5 ለካቲት ብዘይፍረ ብምውድኡ'ዩ እቲ ቅልውላው ተፈጢሩ ዘሎ።
ሰራዊት መንግስቲ ካብቲ ንካልኣይ እብረ ክወዳደር ዝነበሮ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ 'ፋርማጆ' ትእዛዝ ከይቅበሉ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ጸዊዖም ኣለዉ።
ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ 'ፋርማጆ' ትማሊ ሰኑይ'ዩ ኣብቒዑ።
ተቓወምቲ ሓልታት ሶማልያ ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ፋርማጆ ዕድመ ስልጣኑ ስለዝወደኣ ከም ፕረዚደንት ሶማልያ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።
ንሶም፡ ኣፈኛ ባይቶ፡ ዞባዊ ምምሕዳራትን ከምኡ'ውን ወከልቲ ተቓወምቲ ሰልፍታትን ዘለዎ መሰጋገሪ መንግስቲ ነታ ሃገር ናብ ምርጫ ገጻ ክመርሕዋ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።
ሰራዊት እታ ሃገር'ውን ካብቲ ፕረዚደንት ትእዛዝ ከይቕበል ኣተሓሳሲቦም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ኣብ መንጎ መራሕቲ ሶማልያ ዘተ ክካየድ ጸዊዑ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር ክሳዕ ንስልጣን ዝትክእ ዝርከብ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ከይፍጠር፡ ባይቶ ሃገርን ፕረዚደንትን ስልጣኖም ክቕጽሉ ዘፍቕድ ውሳነ ብባይቶ እታ ሃገር ጸዲቑ ነይሩ።
ዛጊት፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር መዓስ ከምዝካየድ ዝጠፈልጠ ነገር የለን።
እታ ሃገር ኣብ ታሕሳስ 2020 ባይቶኣዊ ምርጫ ክተካይድ ነይሩዋ። እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ዞባዊ ኣማሓደርትን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ክካየድ ኣይተኻእለን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







