ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ኣጽዋር ውግእ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ

ዝተታሕዘ ኣጽዋር

ምንጪ ስእሊ, U.S. Navy twitter

መርከብ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ክልተ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ዝጸዓና ጀላቡ ከምዝሓዘ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣጽዋር ብ 'ዊንስቶን ቸርቺል' ዝተሰምየት ነፈርቲ ውግእ እትጸዉር ደርማስ. መርከብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተታሕዘ ተፈሊጡ። እቲ መግለጺ ግን ዝሓለፈ ሰሉስ እዩ ተቓሊሑ።

እቲ ኣብ ቐይዲ ዝኣተወ ኣጽዋር ብኣሽሓት ዝቑጸር ካላሺን፡ ኣርበጂ ከምኡ'ውን ካልኦት ማእከሎትን ፈኮስትን ኣጽዋራት ከምዝርከብዎም እቲ ዝወጽአ መግለጺ ጠቒሱ።

እቲ ኣጽዋር ናይ መን ምዃኑን ናበይ ይኸይድ ከምዝነበረ ብዝምልከት ግን ዛጊት ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣዛዚ መርከብ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ከምዝሓበሮ፡ ነቲ ኣጽዋር ንምሓዝ ናይ ክልተ መዓልቲ ስርሒት ከምዝነበረን ሰራዊትን ሓይሊ ባሕሪ ተሐባቢሩ ከምዝሰረሓን ኣመልኪቱ።

ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ናብ ሓንቲ ዘይሕጋዊ ብረት ዝጸዓነት ጃልባ እናተጸግዑ

ምንጪ ስእሊ, U.S. Navy/twitter

እቲ ከምዚ ዓይነት ወተሃደራዊ ስርሒት፡ እቶም 'እከይ ኣካላት' ነቲ ሓደገኛ ዝኾነ ብረት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ካልኦት ከይዘርግሕዎ ምሓዙ ኣገዳሲ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።