ፕረዚደንት ሶማልያ ንቀዳማይ ሚኒስተርን ንኣዛዚ ሓይሊ ባሕርን ካብ ሓላፍቶም ኣጊዱ

ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፎርማጆ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሰራዊት ሶማልያ ዝውነን መሬት ወሲዱን ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዘካይዶ ምርመራ ኢዱ ኣእትዩን ክብል ከሲስዎ፡፡

ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ፡ ንቀዳማይ ሚነስተር ሑሴን ሮብለ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝኣገዶ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣኑ ብዘይ ኣግባብ ተጠቒሙን መሬት መንግስቲ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ወሲዱን ብዝብሉ ምኽንያታት ካብ ሓላፍነቱ ከምዝተኣገደ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ሓጋዚ ሚኒስትሪ ሓበሬታ እታ ሃገር ግና ‘‘ ዘይቀጥታዊ ዕልዋ መንግስቲ እዩ’’ ብምባል ነቲ ስጉምቲ ከምዝተቓወሞ ወኪል ዜና ሮይተርስ ገሊጹ፡፡

ፕረዚደንት ፎርማጆ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሰራዊት ሶማልያ ዝውነን መሬት ወሲዱን ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዘካይዶ ምርመራ ኢዱ ኣእትዩን ክብል ከሲስዎ፡፡

ብተወሳኺ እቲ ክልከላ ንሑሴን ሮብለ ጥራሕ ከምዝምልከትን ካልኦት ሚኒስተራት ኣብ ስረሖም ከምዝቕጽሉን ሓቢሩ፡፡

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዛጊድ ብዛዕባ ውሳነ እቲ ፕረዚደንት ዝሃቦ ርእይቶ የለን፡፡

ወሃቢ ቃል መንግስቲ፡ መሓመድ ኢብራሂም ሞኣሊሙ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ግና ውሳነ እቲ ፕረዚደንት ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን ብምባል ተቓወምዎ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ መንግስታዊ ሓላፍነቱ ምፍጻም ክቕጽል እዩ እውን ኢሉ፡፡ እቲ ፕረዚደንትን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን፡ ብሰንበት መረጻ ቤት ምኽሪ ብምትዕንቓፍ ሓድሕዶም ክካሰሱ ተሰሚዖም ነይሮም፡፡

እቲ ወጥሪ ኣብቲ መንግስቲ ኣንጻር ኣልሻባብ ዘካይዶ ኲናት ኣሉታዊ ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝኽእል ተንተንቲ ስግኣቶም ይገልጹ፡፡

ፕረዚደንት ፎርማጆ ካብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብተወሳኺ ንኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ፡ ጀነራል ኣብዲሓሚድ መሓመድ ድሪር እውን ካብ ሓላፍነቱ ኣጊድዎ ኣሎ፡፡

እቶም ካብ ሓላፍነቶም ተኣጊዶም ዘለዉ ሰበስልጣን እቲ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ክሳብ ዝውዳእ ከምዝኾነ ተገሊጹ፡፡

ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ፡ ሓይልታት ጸጥታ ከምዝተዋፈሩ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ሓጋዚ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ዓብዱረሒም ዩሱፍ ኣዳል ግና እዚ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስርሑ ካብ ምስራሕ ከምዘየተዓናቕፎ ኣፍሊጡ፡፡

ንሱ ‘‘ሰኑይ ንጉሆ ዝፍጸም ዘሎ ነገር ዘይቀጥታዊ ዕልዋ መንግስቲ እዩ፤ ኮይኑ ግና ኣይዕወትን’’ ኢሉ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ ቅትለት ሓንቲ ሰራሕተኛ ድሕነት ስዒቡ ምስ ዝካየድ ምርመራ ብዝተኣሳሰር፡ ፕረዚደንት ፎርማጆ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ሰብመዚ ናይ ምሻምን ምውራድን ስልጣን ከልኪሉ ነይሩ፡፡

ኣብ መንጎ እቲ ፕረዚደንትን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ዘሎ ዘይምቅዳው ዝጸንሐ ኮይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ስልጣኑ ብኽልተ ዓመት ምስኣናወሐ እዩ ተጀሚሩ፡፡

ነዚ ስዒቡ ናይ ክልቲኦም ደገፍቲ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ዝርከቡ ወሰንቲ ቦታታት ብምሓዝ ናብ ጎንጺ ኣትዮም ነይሮም፡፡

እቲ ጎንጺ ፕረዚደንት ፎርማጆ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ሓላፊ ትካል ድሕነት እታ ሃገር ገይሩ ምስሸሞን ተናዊሑ ዝነበረ መረጻ ኣባላት ቤት ምኽሪ ክካየድ ምስተሰማምዑን ሃዲኡ ነይሩ፡፡

እቲ ኣብ መንጎ እቶም ቀንዲ ፖለቲከኛታት ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይኸውንን ኣብ መንጎ ደገፍቶም ወታሃደራዊ ጎንጺ ከይውላዕን ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ፡፡