ሶማልያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሶማልያ ስልጣኑ ከናውሕ ምውሳኒ ኮኒንዎ

ፎርማጆ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ ስልጣኑ ምንውሑ ብምኹናን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝሕግዝ ልኡኽ ናብታ ሃገር ክሰድድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ባይቶ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ሰዓታት ዝወሰደ ዕጹው ኣኼና ድሕሪ ምክያድ እዩ ናብዚ ውሳነ በጺሑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ እቲ ብሓሙስ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኩለን እተን ኣብ ሶማልያ ዝርከባ ሰልፍታት ብመሰረት እቲ ኣብ መስከረም 2020 ዝፈረመኦ ውዕል "ብቅልጡፍ ዘተ ክጅምራ" ጸዊዑ ኣሎ።

ኣብ መስከረም 2020 ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ተቃወምቲ ውድባትን ናጻን ርትዓውን ምርጫ ንኽካድ ስምምዕ ተፈሪሙ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ ስልጣኑ ንክልተ ዓመታት ከምዘናወሖ ምስ ኣፍለጠ፡ እቲ ውሳነ ብኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ተሪር ነቀፌታ ገጢምዎ'ዩ።

እቲ ኣብ መስከረም 2020 ዝተኸተመ ውዕል፡ እቲ ምርጫ ኣብ ሰዓቱ ክካየድ ዝብል ዝነበሮ ኮይኑ፡ ባይቶ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ውዕል ብምምርኳስ፡ ንውሳነ ፕረዚደነት መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ ከምዝኮነኖ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ባይቶ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጉዳይ ጫድ'ውን ዕጹው ዘተ ከምዝገበረ ተፈሊጡ። እንተኾነ፡ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ጫድ ነበር ኢድሪስ ደበይ ንምስታፍ ናብታ ሃገር ይገሹ ስለዘለዉ ኣብ ሓደ ውዱእ መደምደምታ ከምዘይተበጸሐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።