ሶማልያ: ተቓወምቲ ወገናት ዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት ንምንዋሕ ዝተወስደ ስጉምቲ ነጺጎሞ

መንግስቲ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላ ፋረማጆ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መራሕቲ ተቓወምቲ፣ ክልላት ጁባላንድን ፑንትላንድን ከምኡ እውን ላዕለዋይ ባይቶ ሶማልያ፡ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ዘበን ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ብኽልተ ዓመት ክናዋሕ ንዘሕለፎ ውሳነ ነጺገምዎ፡፡

ትማሊ ሰኑይ፡ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ዘበን ስልጣን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆን ባይቶ ፌደራልን ብኽልተ ዓመት ክናዋሕ ብልዑል ድምጺ ወሲኑ ነይሩ፡፡

መንግስቲ ክልል ጁባላንድ፡ ውሳነ እቲ ቤት ምኽሪ ንህንጸት ስርዓተ መንግስቲ እታ ሃገር ንድሕሪት ዝጎትት እዩ ኢሉዎ፡፡

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ፑንትላድ ሰይድ ኣብዱላሂ ደኒ ድማ ‘‘ስልጣን ብዘይብሉ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባር’’ ክብል ኣብ ትዊተር ጸሒፉ፡፡

ምክትል ኣፈጉባኤ ባይቶ ሶማልያ ኣብሽር ኣሕመድ ብተመሳሳሊ፡ እቲ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ብዘይ ናይቲ ባይቶ ፍቓድ ከምዚ ዓይነት ኣከራኻሪ ውሳነ ክውስን ስልጣን ኣለዎ ድዩ ክብል ሓቲቱ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ነበር ሓሰን ዓሊ ካይረ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጠቀዖ ጽሑፍ ‘‘ሎሚ ወይ ድሕሪ ሕዚ ንዝፍጠር ነገር ተሓታቲ’’ እቲ ፕረዚደንት ‘‘ጥራሕ እዩ’’ ኢሉ፡፡

ነቲ ብታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ዝሓለፈ ውሳነ ዝነኣደ ፕረዚደንት ፎርማጆ ግና፡ ሶማላውያን ነዚ ዕድል ተጠቒሞም ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ክሳተፉ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ፡፡

ዘነበ ስልጣን ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወደአ ኮይኑ፡ ናይቲ ፕረዚደንት ድማ 8 ለካቲት ኣብቂዑ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና: ነቲ ገደብ ስዒቦም ክካየዱ ዝግበኦም ዘይቀጥታዊ መረጻ ቤት ምኽርን ፕረዚደንታዊ መረጻን ብምኽንያት ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ይጓተቱ ኣለዉ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን መራሕቲ ፑንትላንድን ጁባላንድን፡ ፕረዚደንት ፋርማጆ መረጻ ብዝምልከት ዝካየዱ ዘተታት ኮነ ኢሉ ከይሰልጡ ገይሩ ኢሎም ዝኸሰስዎ ኮይኖም: ንሱ እውን ተመሳሳሊ ክሲ ከቕርበሎም ጸኒሑ እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ዝበሉ መሻርኽቲ እታ ሃገር፡ መራሕቲ ሶማልያ ተሰማሚዖም ኣብታ ሃገር መረጻ ክካየድ ክገብሩ ጻውዒት ምቕራቦም ይዝከር፡፡