ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጫድን ሶማሊያን ዘሎ ቅልውላው ዝምልከት ክዝቲ'ዩ

ኣብ ጫድ ሕጂ'ውን ጎንጺ ይቕጽል ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቤት ምኽሪ ጸጥራን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ መዓልቲ: ኣብ ቀረባ ኣብ ጫድን ሶማሊያን ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ክዝቲ'ዩ።

ወሃቢ ቃል ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት: ኢባ ካሎንዶ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ እቲ ሕብረት ኣብዛ ኣህጉር ዘለው ግጭታትን ቅልውላዋትን ንምክልኻል፣ ንምምሕዳርን ንምፍታሕን ዝተዋህቦ ተልእኾ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ኣኼባ ከም ዝካየድ ሓቢሩ።

ፕሬዝደንት ጫድ ዝነበረ እድሪስ ዴቢ ብሰሉስ ወተሃደራቱ ምስ ዕጡቓት የካይዱዎ ኣብ ዝነበረ ውግእ ምስ ተቐትለ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ወዱ ሌተናል ጀነራል መሓማት እድሪስ ዴቢ ስልጣን ክሕዝ'ኳ እንተሾሞ፡ ተቓወምቲ ሰልፊታት እታ ሃገር ግን ተቓዊሞሞ።

ጫድ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ዝግበር ዓለምለኻዊ ቃልሲ ኣገዳሲት ሃገር ተባሂላ ትውሰድ።

እዚ ወዲ 37 ዓመት መንእሰይ ኣብዚ እዋን 15 ኣባላት ዘለውዎ ቤት ምኽሪ ወተሃደራዊ ስግግር ሒዙ ንዝቕጽሉ 18 ኣዋርሕ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ'ዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ብምኽንያት መረጻ ሕገ መንግስታዊ ቅልውላው ዘጋጠማ ሶማሊያ ፕሬዝደንታውን ፓርላማውን ምርጫታት ከየካየደት ተሪፋ'ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕሬዝደንት ሶማሊያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ስልጣኑ ንኽልተ ዓመት ከናውሕ ዘፍቅደሉ ውሳነ ከም ዘጽደቐ ይፍለጥ።

ከም ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝበላ ሓያላት ሃገራት ዓለም ሓዊሱ፡ ወድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ነዚ ክኹንንኦ እንከለዋ፡ እዚ ንመላእ እቲ ዞባ ዝጸሉ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከምጽኣላ ስለ ዝኽእል ብኣጋ ክትፈትሖ ኣተሓሳሲቦም።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ቻርተር ዴሞክራስን ምሕደራን ጥሕሰት ዝፈጸማ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ማዕቀብ ክድንግግ ይኽእል'ዩ።

ከምዚ ዓይነት ስጉምታት ከኣ ካብ ኣባልነት ዝእግድ'ዩ።