ሞት ፕረዚደትን ጫድ፡ ወዱ፡ ስልጣን ኣቡኡ ክርከብ የብሉን ክብሉ ተቐናቐንቱ ተቓዊሞም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ተቓወምቲ መራሕቲ ጫድ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንወዲ ናይቲ ኣብ ውግእ ዝሞተ ፕረዚደንት እድሪስ ደብዒ ስልጣን ኣቡኡ ክርከብ ምግባሩ ከምዘይቕበልዎ ኣፍሊጦም።
እቲ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ወዲ 68 ዓመት ደብዒ፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣንጻር ዕጡቓት ተቓወምቲ ዝካየድ ዘሎ ወግእ ድሕሪ ምቑሳሉ'ዩ ትማሊ ሰሉስ ሞይቱ።
እቶም ዕጡቓት ተቓወምቲ ብወገኖም፡ "ጫድ ንግስነት ኣይኮነትን" ብምባል ንውሳነ ሰራዊት'ታ ሃገር ተቓዊሞሞ ኣለዉ።
ሰራዊት እታ ሃገር፡ ኣንጻር ዕጡቓትን ሽበራን ክዋጋእ እምበር፡ ሃገር ከመሓድር መዝነት ከምዘይተዋቦ ዝገለጹ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፡ መራሒ'ታ ሃገር "ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ክምረጽ ኣለዎ" ብሃልቲ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ድሕሪ ሞት ኣቡኡ፡ እቲ ብ"ጀነራል ካካ" ዝፍለጥ ኣዛዚ ሓለዋ ፕረዚደንት ዝነበረ ማሃማት እድሪስ ደብዒ ኢትኖ፡ ንዝመጽእ 18 ኣዋርሕ ነታ ሃገር ክመርሕ ተመዚዙ ኣሎ።
ኪኢላታት ንቢቢሲን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ከምዝገለጽዎ፡ እቲ ስጉምቲ ዘይቅዋማዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ምስ ዝመውት፡ ክሳብ ምርጫ ዝግበር ፓርላማ ስልጣን ክርከብ ይግብኦ።
ሞት ፕረዚደንት እድሪስ ደብዒ፡ ትማሊ ሰሉስ'ዩ ብወግዒ ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ተገሊጹ። ብሰኑይ፡ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ምርጫ፡ ን6ይ እብረ ስልጣን ክዕወት ምዃኑ ኣፈናዊ ውጽኢት ምርጫ ኣሚቱ ነይሩ።
ጫድ ብነዳዲ ሃብታም ምዃና ይፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ፕረዚደንት ደብዒ፡ ኣብ ኣተሓሕዛን ምምቕራሕ ናይቲ ጸጋታት ክሕመ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብዚ እዋን'`ዚ፡ መንግስቲ እታ ሃገርን ፓርላማን ፈሪሱ ይርከብ። እቲ ምስ ሞት ፕረዚደንት ደብዒ ተዓጽዩ ዝነበረ ዶባት እታ ሃገር ሎሚ ተኸፊቱ'ሎ። ተኣዊጁ ዝነበረ ሰዓታት እቶ እቶ'ውን ሎሚ ፈዂሱ ከምዘሎ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ ርእሰከተማ ኒጃሜና፡ ዕዳጋታትን ትካላት ንግድን ናብ ንቡር ምንቅስቓሳቶም ከምዝተመልሱን፡ ተምሃሮ ግን ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዘይተመልሱን ጋዜጠኛ ማሃማት ኣዳሞ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋራትን ዝዓጠቑ ኣባላት ሰራዊት ኣብ ዙርያ ቤት ጽሕፈት ከምዝርኣዩ'ውን ገሊጹ። እቶም ብግንባር ንለውጥን ስኒትን (Fact) ዝፍለጡ ዕጡቓት፡ እታ ሃገር ሓዘና ክሳብ ትውድእ ናብ ደቡብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ግስጋሰ ደው ከምዘብልዎ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብታ ንነዊሕ ዓመታት ዕጥቃዊ ምልዕዓልን ፈተነታት ዕልዋን ክራኣየላ ዝጸንሐት፡ ሓውሲ-ምድረበዳዊት ሃገር ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ከይፍጠር ተፈሪሑ'ሎ።
ኣብታ ሃገር ዘለዉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ድኹማትን ንሓድሕዶም ዝተመቓቐሉን ምዃኖም ይግለጽ።
ማሃማት እድሪስ ደብዒ ኢትኖ መን'ዩ?
ወዲ 37 ዓመት፡ ብዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ጀነራል ማሃማት እድሪስ ደብዒ ኢትኖ፡ ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብ ሰራዊት እታ ሃገር መሪሕ ተራ ክጻወት ዝጸንሐ ኣዛዚ'ዩ።
ኣብቲ ዓመት፡ ምክትል ኣዛዚ ናይቶም ኣብ ማሊ ኣንጻር እስላማውያ ንዕጡቓት ስርሒታት ዘካይዱ ዝነበሩ ሓይልታት ጫድ ኮይኑ ተመዚዙ።

ምንጪ ስእሊ, Ge
እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣዛዚ ሓለዋ ፕረዚደንት ብምዃን ክሰርሕ ዝጸንሐ መንእሰይ፡ "ጀነራል ካካ" ብዝብል'ዩ ዝያዳ ዝፍለጥ። እቲ ቅጽል ምስ ኣተዓባብይኡ ዝተኣሳሰር'ዩ። ምስ ዓባዩ (ኣዲኡ ነቡኡ) እዩ ዓብዩ፡ ብቋንቋ ዓረብ ( ላህጃ ጫድ) ድማ "ካካ" ማለት ዓባይ (እነሓጎ) ማለት'ዩ።
ተኸታሊ እምነት ምስልምና ዝነበረ ፕረዚደንት ደብዒ፡ ሓያሎ እዋን ከምዝተመርዓወን፡ ዓቢ ስድራቤት ከምዘለዎን ይፍለጥ። ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ቆልዑ ከምዘለዎ ይንገር።
ጀነራል ካካ፡ ዘይከም'ቶም ፍርቀ-ጎኒ ኣሕዋቱ፡ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ርሒቑ ተኸዊሉ ዝኸይድ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብ ርእሰከተማ ንጃሜና ዝርከብ ጋዜጠኛ ማሃማት ኣዳሞ ከምዝብሎ፡ ኣብ ሰራዊት እታ ሃገር ብኣዘዝትን ወተሃደራትን ፍቱው ምዃኑ'ዩ ዝፍለጥ።
ኣቡኡ፡ ኣብ ዝቖሰለሉ እዋን፡ ምስኡ ኣብቲ ዓውደ-ውግእ ከምዝነበረ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ንባዕሉ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዝነበረ ፕረዚደንት፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብቲ ምስ እስላማውያን ዕጡቓት ዝግበር ዝነበረ ውግኣት ኣብ ግድመ-ግንባር ኮይኑ ይእዝዝ ነይሩ'ዩ።
ዕጡቓት ተቓወምቲ'ታ ሃገር ኣብ ሊብያ ካብ ዝርከብ መዓስከራቶም ተበጊሶም ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ወተሃደራት መንግስቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም እዚ ናይ ሕጂ ኲናት ከምእተወለዐ ይግለጽ።
ኣብ መዓልቲ ምርጫ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን፡ ናብታ ኣማኢት ኪሎሜትራት ንደቡብ ርሒቓ እትርከብ ርእሰከተማ ንጃሜና ይግስግሱ ምንባሮምን ተፈሊጡ።
እቲ ውግእ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም'ዩ ጀሚሩ። ሓደ ወተሃደራዊ ጀነራል ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ ኲናት 300 ክሞቱ እንከለዉ፡ 150 ተማሪኾም። ብወገን ሓይልታት መንግስቲ ድማ፡ 5 ወተሃደራት ሞይቶም፡ ካልኦት 36 ቆሲሎም ክብል እቲ ኣዛዚ ጠቒሱ። ይኹን እምበር፡ እቲ ቁጽሪ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







