መራሒ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ዞባ ሳሕለ-ሳህራ ኣፍሪቃ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መራሒ ናይቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ዓብደልማሊክ ድሮክል፡ ኣብ ማሊ ብዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዝተቐትለ፡ መንግሲቲ ፈረንሳ ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ፍሎረንሰ ፓርሊ ከምዝሓበረቶ፡ ዓብደልማሊክ ምስ ካልኦት ብጾቱ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ከምዝተቐትለ ሓቢራ።
ሓይልታት ፈረንሳ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ስርሒት ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ እስላማዊ መንግስቲ (ዳዕሽ) ከምዝሓዙ'ውን፡ እታ ሚኒስተር ጠቒሳ።
እዚ ዝተወስደ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ነቶም ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ጅሃዳውያን ጉጅለታት 'ዓቢ ጽፊዒት' ከምዝኾነ፡ እታ ሚኒስተር ወሲኻ ሓቢራ።
እታ ሚኒስተር፡ እቶም ኣብ ሃገራት ዞባ ሳሕለ-ሳህራ ኣፍሪቃ፡ ሽበራውያን መጥቃዕትታት ዘካይዱ፡ "ብዘይምሕላል" ከምዝህደኑ'ውን ኣመልኪታ።
ዓብደልማሊክ ድሮክል
ዓብደልማሊክ፡ ሓላፊ እስላማዊ ጉጅለ ማግረብ ከምኡ'ውን ኮማንደር ኣልቃዒዳ ኣብ ዞባ ሳሕለ-ሳህራ ከምዝነበረ ይግለጽ።
ወዲ 40 ዓመት ዓብደልማሊክ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣንጻር ሶቨየት ተዋጊኡ ነይሩ'ዩ።
ኣብ 2012፡ ንሱ ኣብ ዘይተረኽቦ፡ ኣብ ቤት-ፍርዲ ኣልጀርያ ንሞት ተፈሪዱ ነይሩ።
ንሱ፡ ኣብ 2007 ኣብ ርእሰ ከተማ ኣልጀርያ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ 22 ሰባት ከምዝቐተለን ካልኦት 200 ከምዘቑሰለን ይፍለጥ።
ፈረንሳ ኣብ ዞባ ሳሕል እንታይ ትገብር ኣላ?
ዞባ ሳሕለ-ሳህራ ኣፍሪቃ፡ ብመጥቃዕትታት ጅሃዳውያን ሓይልታት ግዳይ ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺሩ'ሎ።
ብሰንቲ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ መጥቃዕቲ፡ ሃገራት ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጫድ፡ ኒጀርን፡ ማውሪታንያን ከምኡ'ውን ቡርኪናፋሶ ነዚ መጥቃዕትታት ንምብዳህ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ መስሪተን።
ፈረንሳ'ውን ኣብ 2013 ምስተን ሃገራት ተጸንቢራ።
ፈረንሳ፡ ወተሃደራዊ ደገፍ ንምሃብ ኣብቲ ዞባ ከምዝኣተወትን፡ ወተሃደራት ማሊ ድማ፡ ብሓገዝ ፈረንሳ ገለ ከባብታት ማሊ ካብ ኢድ ጃሃዳውያን ከምዝመለሱ ይፍለጥ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ መሊሱ ከምዝበኣሰን፡ እቲ ጎንጺ ናብ ካልኦት ሃገራት ከምዝሰፈሓን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ፈረንሳ፡ ልዕሊ 5000 ወተሃደራት ኣብቲ ዞባ ብምውፋር፡ ንሃገራት ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጫድ፣ ማሊን ኒጀርን ትሕግዝ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







