ቡርኪናፋሶ፡ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ኣመንቲ ክርስትና ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሓደ ቤተክርስትያን ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 6 ኣመንቲ ክርስትና ተቐቲሎም።
ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሸውዓተ ሞተር-ብሽክሌታታት ዝተወጥሑ ዕጡቓት ናብ ሓደ ናይ ሰንበት ቅዳሰ ዝካየደሉ ዝነበረ ቤተ ክርስትያን ብምኻድ፡ ነቲ ፓስተር፡ ክልተ ደቁን፡ ካልኦት ሰለስተን ብጥዪት ቀቲሎም።
ድሕሪ'ቲ ኣብ 2016 ኣብታ ምዕራባዊት ሃገር ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያን ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ፡ እዚ ናይ መጀመርታ'ዩ።
ኣልቃዒዳ፡ ዳዒሽን ኣንሳር ኣልኢስላም ዝተባህለ ናይቲ ከባቢ ጉጅለን ኣብቲ ሃገር ንጡፍ ምንቅስቓስ ከም ዝጸንሖም ይፍለጥ።
እቲ ናይ ትማሊ ሰንበት መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ኣውራጃ ሱም እትርከብ ሲልጋጂ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ፡ ከባቢ ፋዱስ'ዩ ተፈጺሙ።
መንነት ይኹን ቁጽሪ ናይቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ዛጊት ኣይተፈልጠን።
ኣብታ ሃገር ክፍጸሙ ዝጸንሑ ሓያሎ መጥቃዕትታት ብኣኽረርቲ እስላማውያን ጉጅለታት ዝተኻየዱ ምዃኖም ይንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ'ውን፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ሓሙሽተ መምህራን ከም ዝተቐትሉን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብጂሃዳውያን ዕጡቓት ዝተፈጸመ ክኸውን ከም ዝኽእል ይጥርጠር።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሃለዋት ናይቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብዕጡቓት ዝተጨውየ ካቶሊካዊ ቀሺ ገና ኣይተፈልጠን።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ብዕጡቓት ጉጅለታት ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት እናበርከቱ ይመጹ ከም ዘለዉ፡ ጸብጻባት የረድኡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







