ፈረንሳ ኣብ ማሊ 'ኣብ ልዕሊ መርዓ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ' ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ

ሰራዊት ፈረንሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ማሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ቘልዑት ዝርከብዎም ልዕሊ 20 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ።

እቶም ግዳያት ኣብ ሓደ መርዓ እንከለው ብነፋሪት ከምዝተደብደቡ'ውን ተገሊጹ።

ነበርቲ ዞባ ሞፖቲ ከምዝሓበርዎ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ሰባት ኣብ ጽንብል መርዓ እንከለው ሄሊኮፕተር ከምዝደደበቶም ሓቢሮም።

ኣብቲ ዞባ ሰራዊት ኣዋፊራ ዘለ ፈረንሳ፡ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓጥ ጅሃዳውያን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ግን ዝኾነ መርዓ ከምዘይነረ ኣፍሊጣ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ሓሙሽተ ወተሃደራት ፈረንሳ ተቐቲሎም ኣለው።

ትማሊ ሰሉስ፡ ወተሃደራት ፈረንሳ ድሕሪ ናይ ነዊሕ መጽናዕትን ምክትታልን፡ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ጅሃዳውያን ከምዝቐተሉ መንግስቲ ፈረንሳ ኣፍሊጡ።

ሽሙ ዘይተገልጸ ኣፈኛ ሰራዊት ፈረንሳ ንማዕከን ዜና ኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ናይ መርዓ ጸብጻባት ምስቲ ዝገበርዎ መጽናዕትን ትዕዝብትን ከምዘይሳ" ኣፍሊጡ።

ነበርቲ ቍሾት ባውነቲ ግን፡ ትሒታ እትበርር ዝነበረት ሄሊኮፕተር መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ሓቢሮም። ሓደ ካብቶም ነበርቲ፡ ክልተ ኣሕዋቱ ከምዝተቐትሉን፡ ንሱ ንህይወቱ ክድሕን ከምዝሃደመን ንማዕከን ዜና አጃንስ ፍራንስ ፕረስ (AFP) ገሊጹ።

ዝሓለፈ ቀዳም፡ በቲ ኣብታ ሃገር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ክልተ ኣብ ወተሃደራዊ መኪና ዝነበሩ ወተሃደራት ፈረንሳ ተቐቲሎም።

እቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ዘለዎ ጀምዓት ኑስራት ኣል-ኢስላም ዋል-ሙስሊም ዝተበሃለ ከምዝተፈጸመን እቲ ጉጅለ ሓለፍነት ከምዝወሰደን ይፍለጥ።

ፈረንሳ ኣብ ዞባ ሳሕል እንታይ ትገብር ኣላ?

ዞባ ሳሕለ-ሳህራ ኣፍሪቃ፡ ብመጥቃዕትታት ጅሃዳውያን ሓይልታት ግዳይ ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺሩ'ሎ።

ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ መጥቃዕቲ፡ ሃገራት ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጫድ፣ ኒጀርን ማውሪታንያን ከምኡ'ውን ቡርኪናፋሶ ነዚ መጥቃዕትታት ንምብዳህ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ መስሪተን ኣለዋ።

ፈረንሳ'ውን ኣብ 2013 ምስተን ሃገራት ተጸንቢራ።

ፈረንሳ፡ ወተሃደራዊ ደገፍ ንምሃብ ኣብቲ ዞባ ከምዝኣተወትን፡ ወተሃደራት ማሊ ድማ፡ ብሓገዝ ፈረንሳ ገለ ከባብታት ማሊ ካብ ኢድ ጃሃዳውያን ከምዝመለሱ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ መሊሱ ከምዝበኣሰን፡ እቲ ጎንጺ ናብ ካልኦት ሃገራት ከምዝሰፈሐን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ፈረንሳ፡ ልዕሊ 5000 ወተሃደራት ኣብቲ ዞባ ብምውፋር፡ ንሃገራት ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጫድ፣ ማሊን ኒጀርን ትሕግዝ ኣላ።