ኣፍሪቃ ንማእከላይ ምብራቕ ተኪኣ 'ምድረ ኵናት ጂሃድ' ክትከውን ዶ ትኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዓስኪሮም ዝነበሩ ኣስታት 300 ወተሃደራት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናብታ ማእከል ምንቅስቓስ እስላማዊ ሓይሊ (ኣይ ኤስ) ኮይና ዘላ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ማሊ ግዒዞም ኣለው።
እቲ ሓይሊ ኣብቲ 'ኒውኮምብ' ዝተሰምየ ብሰራዊት ፈረንሳ ዝምራሕ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽአ ኣስታት 15ሽሕ ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ዝሓቁፍ ናይ ሰለስተ ዓመት ወፍሪ ምጽራይ ጂሃዲስት ኣብ ሳሕለ ሰሃራ ንምስታፍ እዩ ተንቀሳቒሱ።
ማሊ፡ ሓንቲ ካብተን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስ እስላማዊ ጥሩፍነት ዝምክታ ዘለዋ ሓያሎ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ኣፍሪቃ እያ።
ብመሰረት እቲ ብ 25 ታሕሳስ 2020 ዝተሓትመ መጽናዕቲ 'ግሎባል ቴሮሪዝም ኢንደክስ'፡ ማእከል ስሕበት እስላማዊ ግዝኣት ካብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ኣፍሪቃ ብመጠኑ እውን ናብ ደቡብ ኤሽያ ከምዝሰገረ የመልክት።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኣይሲስ ኣብ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ዘጋጥም መጠን ሞት ናብ 67% ከምዝዛየደ እቲ መጽናዕቲ የረድእ።
እቲ ጸብጻብ፡ ምስ ኣይሲስ ዝተኣሳሰር ዝርገሐ እስላማዊ ጥሩፍነት ኣብ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ንዘጋጥም ግብረ ሽበራ ከምዘንሃሮ ይጠቅስ።
ኣብ ሸውዓት ካብ ዓሰርተ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ ሞዛምቢክ፡ ዴሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ማሊ ኒጀር ካሜሮንን ኢትዮጵያን ዝርገሐ ግብረ ሽበራ ከምዝወሰኸን ኣብ 2019 ጥራሕ፡ ኣብ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ምስ ኣይሲስ ብዝተኣሳሰር መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ኣስታት 1000 ሰባት ከምዝሞቱን እቲ ሓበሬታ የርኢ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካልኣይመድረኽቃልሲኣንጻርግብረሽበራ
እስላማዊ ጥሩፋት ጉጅለ (ጂሃዲስት)፡ ኣብ ኣፍረቃ ካብ ነዊሕ እዋን እዮም ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም። ቀንዲ መራሕ ኣልቃዒዳ ነበር ኦሳማ ቢን ላደን ኣብ 1996 ናብ ኣፍጋኒስታን ቅደሚ ምግዓዙ ቀንዲ መደበሩ ሱዳን እዩ ነይሩ።
እቲ ኣብ 2014 ካብ ቺቦክ ናይጀርያ፡ ተማሃሮ ደቀንስትዮ ብምጭዋዩ ዝፍለጥ ቦኮ ሓራም ኣብ 2010 እዩ ኣብታ ሃገር ጂሃድ ኣዊጁ።
ሕጂ ግን ኣብታ ኣህጉር ብዝተፈለላየ ተወዳደርቲ ጉጅለታት ጂሃድ: ንጥፈታት ግብረ ሽበራ መመሊሱ ይዛይድ ኣሎ።
ኣወሃሃዲ ክፍሊ ጸረ ግብረ ሽበራ ኣመriካ ኣምባሳደር ናታን ሳለስ፡ ንጥፈታት ኣይሲስን ኣልቃዒዳን ካብቲ ቀንዲ መደበረን ሶርያን ዒራቕን ናብ ምዕራብን ምብራቕን ኣፍሪቃን ኣፍጋኒስታንን ከምዘግዓዘ ሓቢሩ።
“ኣፍሪቃ እታ ቀንዲ ካልአይቲ ግንባር ኣንጻር ግብረ ሽበራ ትኸውን ኣላ” ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ኵናት፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ኣንጻር መንግስታት ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ኣልቃዒዳን ኣይሲስን እውን ሞትን ዕንወትን ዘኸትል ቀታሊ ንጥፈታት ግብረ ሽበራ ኣሎ።
ፈረንሳዊ ኣማኻሪ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ኦሊቨር ጒዩታ “ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ዕስራ ዓመት ንማእከላይ ምብራቕ ብምትካእ ቀንዲ ዓውደ ኵናት ንጥፈታት ግብረ ሽበራ ክትከውን እያ” ክብል ተነብዩ።
ኣልቃዒዳንኣይሲስን
ኣልቃዒዳን አይኤስን “ከሓድቲ” ኣብ ዝብልዎም ብምዕራባውያን ንዝድገፉ ዓለማውያን ገዛእቲ ናይ ሓባር ጽልኢ እኳ እንተለዎም፡ ኣብ ኣቀራርባኦም ሓደ ሓደ ነጥብታት ርኡይ ፍልልይ ኣለዎም።
አይኤስ፡ ክሳድ ሰባት እናተሰየፈ ዘርኢ ጎንጽን ግጭትን ዝቕስቅስ ሓደገኛ ቪድዮታት ብምዝርጋሕ ዝፍለጥ ሕሉፍ ኣኽራሪ ጉጅለ እዩ።
እቲ ተግባር፡ ማሕበራዊ ጸገማት ዘለዎም ገበነኛታት ናብ ጎድኑ ንኽስለፉ ዘተባብዕ እኳ እንተኾነ፡ ንብዙሓት ኣመንቲ ምስልምና ግን ዘህድም ተግባር እዩ።
አልቃዒዳን መሰልቱን ግን ንልባት እቶም ኣብ መንግስቶምን ምምሕዳራቱን እምነት ዘይብሎም ሕብረተሰብ ንምኽሳብ እዮም ዝጽዕሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እተን ኣብ ሓደጋ ዘለዋ ቀንዲ ሃገራት ኣየኖት እየን?
ማሊን ሳሕልን
ብዙሓት ካብተን ካብ ዓለምና ዝደኸያ ሃገራት ምስ ሰሃራ ይዳወባ። እቲ “ሳሕል” ዝብል ቃል ብቋንቋ ዓረብ ገማግም ማለት እዩ።
እቲ ዞባ ከኣ “ሳሕለ ሰሃራ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እተን ነቲ ዞባ ሳሕለ ሰሃራ ዘቑማ ሃገራት፡ ማሊ፡ ቻድ፡ ኒጀር፡ ቡርኪናፋሶን ማውሪታንያን እየን። ኩለን ከኣ ብመጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ዝሽገራ ሃገራት እየን።
እቲ ዞባ ብደርቂ፡ ድኽነት፡ ሽቕለተ ኣልቦነት፡ ብልሽውና ዝተጠቕዐ እዩ። ኣብ ገሊኡ እውን ካብ መንግስታዊ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ሰፊሕ ቦታ ኣሎ።
መንግስታት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ መሬታዊ ግዝኣቶም ኮነ ብገዛእ ሰራዊቶም ኣብ ግዝኣቶም ዝፍጸም ዓመጽን ግህሰትን ክቆጻጸሩ ከምዝጽገሙ ኣምባሳደር ሴልስ ይገልጽ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዓብላሊ እስላማዊ ጉጅለ ጂሃድ፡ እቲ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ፡ ጃሚዓ ኣት ኑስራት ኣል-ኢስላም ዎል ሙስሊሙን ( (JNIM) ዝበሃል እዩ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ እዚ ጉጅለ’ዚ፡ ምስቲ ምስ ኣይሲስ ጽኑዕ ምትእስሳር ዘለዎ፡ ኣብ ምድረ ሰሃራ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ብዙሕ ሳዕ ተዋጊኡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይጀርያ
ኣብ'ቲ ከባቢ ዝለዓለ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ዘጋጥማ ዘሎ ሃገር ናይጀርያ እያ። መንግስቲ ናይጀርያ ነቲ ብቦኮ ሓራም ዝፍለጥ ጂሃዳዊ ምንቅስቓስ ዝተመስረተሉ ሰሜናዊ ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ንምቁጽጻር ከኣ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ይርከብ።
ብመሰረት መረዳእታ ዓለም ለኻዊ ተርታ ግብረ ሽበራ፡ ቦኮሓራም፡ ካብ 2011 ኣትሒዙ፡ ኣብ ናይጀርያን ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ምስ ኵናት ብዝተኣሳሰር ሞት ልዕሊ 37,500 ሰባት፡ ምስ ግብረ ሽበራ ብዝተኣሳሰረ ድማ ንሞት ልዕሊ 19 ሽሕ ሰባት ተሓታቲ እዩ።
ኣብ 2015 ምስ ኣይ-ኤስ ክሰርሕ ቃል ዝኣተወ ሓደ ጉጅለ ካብ ቦኮ ሓራም፡ “ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ እስላማዊ መንግስቲ” እየ ብምባል፡ ዶባት እቲ ኸባቢ ብቐሊሉ ብምስጋር ኣብ 2018 ኣብ ቀላያት ጫድ ድልዱል መዓስከር ኣቚሙ ይርከብ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ አይ ኤስ ነዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ምትሕብባር ብቐጻሊ ክዛረበሉ ጸኒሑ ኣሎ።
ሕጂ እውን ብቦኮ ሓራም ቀጻሊ መጥቃዕቲ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉጅለ ብ 01 ታሕሳስ 2020 ኣብ ዝዘርገሖ ቪድዮ፡ ቦርኖ ኣብ ዝተባህለ ግዝኣት ናይጀርያ ምስ መንግስቲ ተሓባቢሮም ንዝበሎም ብደርዘን ንዝቑጸሩ ሓረስቶት ብምቕታል ሓላፍነት ወሲዱሉ ኣሎ።
ሃገራት ምዕራብ፡ ንናይጀርያ ውሑድ ወተሃደራውን ጸጥታውን ደገፋት እየን ዝገብራላ።
ዲፕሎማሰኛታት ምዕራብ ኣብ ሰራዊት ናይጀርያ ብዘሎ ሕሉፍ ብልሽውናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተማሪሮም እዮም።
እቲ ኣብ ናይጀርያ ዘሎ ኩለንትናዊ ብልሽውና ኣብ መንግስቲ እምነት ብምጥፋእ ቦኮ ሓራም ኮነ ካልኦት ጉጅለታት ጂሃድ ከምድላዮም ሰባት ከዕጥቑን ኣረኣእያኦም ከስፍሑን ዕድል ከምዝኸፈተ ኦሊቨር ጉታ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰሜንኣፍሪቃ
ምንቅስቓስ ኣልቃዒዳ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ኣልጀርያ እዩ ጀሚሩ። ስለዝኾነ እቲ ሓዲሽ መራሕ ኣልመቕርብ ኣልቃዒዳ ኣልጀርያዊ ምዃኑ ዘገርም ኣይኮነን።
ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ብሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ማሊ ዝተቐትለ ንአብዴልማልክ ድሩቅደል ዝተከአ እቲ ጻዕዳ ዝጭሕሙ ወዲ 51 ዓመት አቡ ኦባይዳ አል-ነቢ እዩ።
ይኹን እምበር ኣልቃዒዳ ንሽመት ኣቡ ኦባይዳ ብሓጎስ ክቕበሉዎ እንከለው፡ እቲ ተቐናቓኒኦም ኣይሲስ ግን ንኦባይዳ ኣብ ጂሃዲነቱ ጥራጣረ ከምሓደሮ ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ።
ካብ 2013-2018 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ካብታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝነኣሰት ሃገረ ቱኒዝያ ካብ 15-20 ሽሕ ዝገማገሙ ወለንተኛታት ሰባት ምስ ኣይሲስ ክስለፉ ናብ ሶርያ ከይዶም።
ኣብታ ሃገር ብዘሎ ልዑል ሽቕለተ ኣልቦነት ቱኒዝያ ብቐጻሊ ስግኣት ግብረ ሽበራ የጋጥማ። ጎረቤት እታ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ሙዓመር ጋዳፊ ርጉእ መንግስቲ ክትምስርት ዘይከኣለት ሃገረ ሊብያ ብምዃና እውን ካልእ ጸገም እዩ።
እቲ ካብ መንግስቲ ሊብያ ዝተማረኸ ብኣሽሓት ቶናት ዝግመት ኣጽዋርን ተተኳስን ነቶም ኣብ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ተዘርጊሖም ዝርከቡ ኣባላት ኣይኤስ ድልዱል ዕጥቂ ኮይኑዎም። ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ቦታ ክረኽቡ እውን ዕድል ፈጢሩሎም።
ሶማልያ
እቲ ብዓረብ “መንእሰያት” ዝብል መርሖ ዘለዎ ናይ ሶማልያ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ኣብታ ኣህጉር ካብ ዘሎ ጂሃዳዊ ምንቅስቓስ እቲ ሓደገኛን ዝደልደለን እዩ።
ናታን ሴልስ፡ “ኣልሸባብ ንነብሱ ሓደ ካብቶም ዕውታት ጉጅለ ናይ ኣልቃዒዳ ገይሩ እዩ ዝርእያ” ክብል ይገልጾ። ኣልሸባብ፡ ኣንጻሩ ንዝተገብረ ኩለንትናዊ ወፍሪ ዝተፈላለያ ሃገራት በዲሁ ኣብ ኬንያን ዩጋንዳን መጥቃዕቲ ዘካየደን ኣብ ሞቓዲሾ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ቦምባ ዘካይድ ሓያል ጉጅለ እዩ።
ናይ ኣመሪካ ፍሉይ ናይ ስርሒት ሓይሊ ካብ ጂቡቲ ብዝብገሳ ድሮን (ሰብ ኣልቦ ነፋሪት) ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብምክያድ ንሓያሎ መራሕቲ ቀቲሉ ከብቅዕ፡ ኣልሸባብ ሓለፍቲ እናተከአ ክሳብ ሕጂ ጸኒዑ ዝቕጽል ዘሎ ጉጅለ እዩ።
ኣብ ርእሲኡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቀላቐል ዘሎ ምስ ኣይኤስ ዝምድና ዘለዎ እስላማዊ ሓይሊ ዝበደሀን ዘርሓቐን ሓይሊ እውን እዩ።
ሞዛምቢክ
ኣይሲስ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኣውራጃ ካቦ ዴልጋዶ ሞዛምቢክ፡ “እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ኣውራጃ ማእከላይ ኣፍሪቃ” (ISCAP) ብዝብል ጭርሖ ረኺቡዎ ዘሎ ካብ ዝተቐናበረ ዓመጽን ሽበራን እዩ።
ሰበ-ስልጣን ጸረ ሽበራ ሞዛምቢክ፡ እቶም ኣብቲ ዝዓበየ ዕደና ጋዝ እታ ሃገር ተሰዊሮም ክሰርሑ ዝጸንሑ ጂሃዲስት ኣብ ዶባት ታንዛንያ ካብ ዝርከብ ቦታ ዝተኸትቡ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይኣምኑ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ኣብ ካቦ ዴልጋዲ፡ ኣይሲስ ፈጺሙዎ ዝበሃል ጨካን ቅትለት ነንሓድሕዱ ዝገራጮ ሓቅታት እኳ እንተሎ፡ ኣብ መጻወቲ ሜዳ ኩዕሶ 50 ሰባት ከምዝቐትሉ ሓበሬታ ኣሎ።
ኣይሲስ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋትን ተጻብኦን ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ ካብን ናብን ሞዛምቢክ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ኦሊቨፈር ጊታ ይሕብር።
ጭውያን - ገንዘብቤዛን (ራንሳም)
እዚ ኣዝዩ ተኣፋፉን ኣዘራራብን ጉዳይ እዩ።
ኣብ ሰነ 2013 ኣብ ብሎክ ኤርኔ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ብጉጅለ ሸውዓተ (G7) ዝፍለጡ መራሕቲ ሸውዓተ ሓያላን ሃገራት ዓለም፡ ብጉጅለ ኣሸበርቲ ንዝሕተት ዝኾነ ይኹን ዓይነት ገንዘባዊ ክፍሊት ክኸፍሉ ከምዘይብሎም ስምምዕ ፈሪሞም።
ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ከምዝተራአየ፡ ዝበዝሑ፡ ብጉጅለ ኣሸበርቲ ዝተጨውዩ ዜጋታት ኤውሮጳ ብዘይፍለጥ ምኽንያት ክፍትሑ እንከለው መብዛሕቶም ዜጋታት ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ግን ይቕተሉ እዮም።
ኣብ ሳሕለ ሰሃራ ብጂሃድ ዝተጨውዩ ሓያሎ ዜጋታት ፈረንሳ ምስቶም ኣብ ማሊ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሓደገኛታት ኣባላት ምንቅስቓስ ጂሃድ ብለውጢ ተፈቲሖም ኣለው።
ተኸታተልቲ ፖለቲካን ጸጥታን ሰሜንን ምዕራብን ኣፍሪቃ ከምዝብልዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ልዕሊ 100 ሚልዮን ዩሮ (120 ሚልዮን ዶላር፡ 90 ሚልዮን ፓውንድ) ንጂሃዳውያን ጨወይቲ ተኸፊሉ።
እቲ ንጂሃዳውያን ዝኽፈል ገንዘብ ቤዛ (ራንሳም) ከኣ እቶም ግብረ ሽበራውያን ዝተፈላለየ ኣጽዋርን ነታጒን፡ ዝሓሻ ተሽከርከርትን ዕጥቅን፡ ብቐትርን ለይትን ብርሕቀት እትንጽረሉ ኪሻፋ፡ ናይ ርክብ መሳርሒ ከምኡ እውን ንታዕሊምን ስልጠናን ከምኡ እውን ንብልሹዋት ሰበስልጣን ንምኽፋልን ይጥቀምሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኣጋዘይዕረሽግር
ስለዚ ከም'ቲ ሓደ ሓደ ተነበይቲ ዝብልዎ፡ ኣፍረቃ፡ ልዕሊ ማእከላይ ምብራቕ፡ ዓውደ ትያትር ጂሃዳዊ ምንቅስቓስን ንጥፈታት ግብረ ሽበራን ክትከውን ትኽእል’ዶ ትኸውን?
እዚ ነገር እዚ ብዙሕ ረቛሒታት ዝሓትት እኳ እንተኾነ፡ ጽሬትን ብቕዓትን ምምሕዳር እቲ ቀንድን ኣገዳስን ነገር እዩ።
ፍታሕ ጂሃዳዊ ሽበራ፡ ዝሓሸ ፖሊስን ጽኑዕ ምቁጽጻር ዶባትን ጥራሕ ኣይኮነን።
እቲ ቀንዲ ንኹሉ ህዝቢ ዘርግእን ዘዕግብን ምዕሩይ ቁጠባዊ ዕድላትን ናጻ ተሳትፎ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ክህሉ ኣለዎ።
ሽዑ ጥራሕ እዮም ሰባት ካብ ዓመጻዊ ተግባራት ክቑጠቡን ነብሶም ክሕይቡን ዝጅምሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







