ላዕለዋይ መራሒ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ኣብ ማሊ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ላዕለዋይ መራሒ ናይቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ኣብ ማሊ ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዝተቐትለ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ሓቢሩ።
እዚ ባግ ኣግ ሙሳ ዝተባህለ ላዕለዋይ መራሒ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ኣልቃዒዳ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝመርሕ ከምዝነበረ ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ንሱ፡ ቀንዲ ተሓጋጋዚ መራሒ ናይቲ ኣብ ማሊ ዝንቐሳቐስ እስላማዊ ጉጅለ ከምዝነበረ ተገሊጹ።
ኣብ ማሊ፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ጅሃዳዊ ምንቅሰቓስ ቀቢላዊ ውድድርን ዘበገሶ ሓያል ግርጭት ከምዘሎ ይፍለጥ።
ማሊ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ጫድ፡ ኒጀርን ሞሪታንያን ኣብ ከባቢ ዞባ ሳሕል ስርሒታት ጸረ ጅሃዳዊ ምንቅሰቓስ ዝገብራ ሃገራት ኮይነን፡ እዚ ምንቅሰቓስ እዚ ብኣስታተ 3000 ወተሃደራት ፈረንሳ ከምዝድገፍ እዩ ዝግለጽ።
ፈረንሳ ኣብ ዞባ ሳሕል እንታይ ትገብር ኣላ?
ዞባ ሳሕለ-ሳህራ ኣፍሪቃ፡ ብመጥቃዕትታት ጅሃዳውያን ሓይልታት ግዳይ ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺሩ'ሎ።
ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ መጥቃዕቲ፡ ሃገራት ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጫድ፣ ኒጀርን ማውሪታንያን ከምኡ'ውን ቡርኪናፋሶ ነዚ መጥቃዕትታት ንምብዳህ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ መስሪተን።
ፈረንሳ'ውን ኣብ 2013 ምስተን ሃገራት ተጸንቢራ።
ፈረንሳ፡ ወተሃደራዊ ደገፍ ንምሃብ ኣብቲ ዞባ ከምዝኣተወትን፡ ወተሃደራት ማሊ ድማ፡ ብሓገዝ ፈረንሳ ገለ ከባብታት ማሊ ካብ ኢድ ጃሃዳውያን ከምዝመለሱ ይፍለጥ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ መሊሱ ከምዝበኣሰን፡ እቲ ጎንጺ ናብ ካልኦት ሃገራት ከምዝሰፈሐን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ፈረንሳ፡ ልዕሊ 5000 ወተሃደራት ኣብቲ ዞባ ብምውፋር፡ ንሃገራት ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጫድ፣ ማሊን ኒጀርን ትሕግዝ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







