ብዕልዋ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ማሊ፡ ንሃገሩ ገዲፉ ወጺኡ

ማሊ ፕረዚደንት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብወተሃደራት ተዓልዩ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ማሊ ነበር፡ ኢብራሂም ቡባከር ከይታ፡ ካብታ ሃገር ወጺኡ።

ወዲ 75 ዓመት ከይታ፡ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ኣብ ሓደ ወርሑ፡ ናብ ሕቡራት ኤማራት ዓረብ እዩ በረራ ገይሩ።

ንሱ ናብታ ሃገር ዝተጓዓዘ፡ መጠናዊ ሕማም ስለዘገጠሞ ንሕክምና ምዃኑ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ እታ ሃገር ገሊጾም።

ነቲ ዕልዋ ዘካየደ ወተሃደራዊ ጉጅለ፡ ብዛዕባ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝቖመሉ ኣገባብ ምስ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪክ ማሕበረሰባትን ይዘራረብ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ስልጣኑ ንሲቪል ኣመሓዳሪ ከረክብ ቃል እንተኣተወ’ኳ፡ መራሕቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ ግን ብህጹጽ ስልጣን ክለቅቕ ይሓትዎ ኣለዉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ነሓሰ 18 ካብ ስልጣኑ ቅድሚ ምእላዩ፡ ል ኣብታ ሃገር ብዝሰፈነ ብልሽውና [ግዕዝይና]፣ ቁጠባዊ ቅልውላውን ምስ ሃገራዊ መረጻን ብዝተኣሳሰር ሰልፍታት ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ከይታ፡ ንክልተ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ከተማ ባማኮ፡ ሕክምና ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ሃገር ከምዝወጽአ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ወተሃደራዊ መራሕቲ እታ ሃገር፡ እቲ ፕረዚደንት ን15 መዓልታት ኣብኡ ክጸንሕ ይኽእል እዩ ኢሎም።