ፕረዚደንት ማሊ፡ ንቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር ኣፍሪሱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቡባካር ከይታ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ንምዝሕሓል፡ ንናይታ ሃገር ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርዲ ብዕሊ ከምዘፍረሰ ኣፍሊጡ።
ኣብ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም እዮም።
እቲ ፕረዚደንት ከምዚ ዓይነት ተቓውሞታት ከምዘየተኣናግድ ተዛሪቡ እዩ።
እቲ ሕገመንግስታዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ምስ ዝተኻየደ መረጻ ብዝተሓሓዝ፡ ንነቐፌታ ተቓሊዑ እዩ ጸኒሑ።
ፕረዚደንት ከይታ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተደጋጋሚ ሕቶ ይቐርቦ ኣሎ።
ተቓወምቱ ብፍላይ፡ ኣብ ኣታኣላልያ ምንቅስቓስ ጂሃዳውያን ሕጉሳት ኣይኮኑን።
ከምኡ’ውን በቲ ቁጠባዊ ቅልውላውን ጉዳይ መረጻ ዝተወደአሉ ኩነታትን ነቲ ፕረዚደንት ኣዝዮም እዮም ዝነቕፉ።
ብፍላይ እቲ ብፍሉጥ ኢማም ዝምራሕ ሓድሽ ናይ ተቓወምቲ ስምረት፡ ምስ'ቲ ፕረዚደንት ተበጺሑ ንዝነበረ ናይ ሓባር መንግስቲ ናይ ምቛም ሓሳብ ነጺጉዎ ኣሎ።
ንምንታይ ቤት ፍርዲ ፈሪሱ?
እቲ ፕረዚደንት ትማሊ እዩ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ዘፍለጠ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገርን እቲ ፕረዚደንትን፡ ናይ ሓባር መንግስቲ ንምቛም ድልዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም።
“እቶም ዘለዉ ጸገማት ክፈትሕ ዝኽእል ግልጽነት ዝሰፈኖ መንግስቲ ከቑም እየ” ኢሉ እቲ ፕረዚደንት፤ ምስ ራድዮ ፈረንሳይ ኣብ ዘገበሮ ቃለ መሕትት።
እንተኾነ፡ እቲ ፕረዚደንት ከምዚ ዝበለ፡ ነቲ ሰልፊ ዝመርሑ ዝነበሩ ተቓወምቲ ምስ ኣሰረ እዩ።
ፕዚደንት ከይታ፡ ኣብ 2018 ንተወሰኽቲ ሓሙሸተ ዓመት ኣብ ስልጣን ከጽንሖ ዝኽለል ካልኣይ እብረ እንተኣረጋገጸ’ኳ፡ ተቓውሞታት ግን ቀጺሎም ኣለዉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







