ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ጃልባ ብምጥሓላ ብዙሓት ስደተኛታት ሞይቶም

ክልተ ዝደሓኑ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ብምጥሓላ ኣስታት 80 ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ።

እታ ጃልባ ኣብ ከባቢ ማያት ከተማ ዛሪስ ከም ዝጠሓለት'ውን ተሓቢሩ።

ካብታ ዝጠሓለት ጃልባ 4 ሰባት ከም ዝደሓኑን፡ ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ሆስፒታል ከም ዝሞተ'ውን ጸብጻባት ገሊጾም።

እቶም ሰለስተ ዝደሓኑ ደቂ ማሊ ክኾኑ እንከለው፡ ካብ ዛዋራ ዝተባህለት ከተማ ሊብያ ከም ዝተበገሱ ሓቢሮም። ሊብያ፡ ንኤውሮጳ ክኣትው ንዝደልዩ ስደተኛታት ቀንዲ መበገሲት ሃገር ከም ዝኾነት ይግለጽ።

ካብቶም ሓደ ዝደሓኑ ስደተኛታት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበሮ ሓበሬታ፡ እታ ጃልባ ብማይ መሊኣ ክሳብ እትጥሕል 3 ሰዓት ከም ዝወሰዳላ ሓቢሩ።

እቶም 4 ዝደሓኑ ስደተኛታት፡ ካብታ ጃልባ ዝመለቘ ዕንጨይቲ ሒዞም ከም ዝጸንሑ ተገሊጹ።

''ኣርባዕተና ኣብቲ ዕንጨይቲ ኮፍ ኢልና። ወላእኳ እቲ ማዕበል ብቐጻሊ እንተወቕዓና፡ ንኽልተ መዓልቲ ዝኸውን ኣብቲ ዕንጨይቲ ኮፍ ኢልና ክንጸንሕ ክኢልና'' ይብል ሓደ ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት።

ወሲኹ፡ ብዙሓት ዝሞቱ ሰባት ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።

ሊብያ፤ ማዕመር ጋዳፊ ኣብ 2011 ተቐቲሉ ካብ ስልጣን ምስተኣለየ፡ ኣብ ሓያል ዕግርግርን ምምቕቓልን ተሸሚማ ትርከብ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መብዛሕተኦም ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ዝመጹ ስደተኛታት፡ ኣብ መዓስከራት ሊብያ ተዳጒኖም ከም ዘለው ይግለጽ።

ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ኣብ ሊብያ ከባቢ 53 ስደተኛታት ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት እንከለው ብደብዳብ ነፋሪት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ኣብ ግንቦት'ውን ሰደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተበጊሳ፤ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ምስ በጽሓት ድሕሪ ምጥሓላ ኣስታት 65 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።