ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቡባካር ከይታ ብወተሃደራት ተኣሲሩ

ወተሃደራት ማሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቡበከር ኬይታ፡ ብኣድማ ዝገብሩ ዝነበሩ ወተሃደራት መንግስቲ፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ኣፈኛ መንግስቲ ማሊ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ባውባው ሲሰ'ውን ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እዚ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ጥቃ ርእሰ ከተማ ባማኮ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝተጀመረ ተገሊጹ።

ኣብ ማእከል እታ ርእሰ ከተማ፡ ገለ መናእሰያት፡ ንሓደ ህንጻ ቤተ-መንግስቲ ብሐዊ ኣቃጾሎምዎ።

እዚ ፍጻመ፡ ታሕተዎት መራሕቲ ሰራዊት ንሓለፍቶም ኣሲሮም ነቲ ካብ ባማኮ 15 ከ.ሜ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ምስ ተቆጻጸርዎ'ዩ ኣጋጢሙ።

ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዞባዊ ውድብ ዝኾነ ኢኮዋስን ባዕዳዊ ገዛኢት ማሊ ዝነበረት ፈረንሳይን፡ ነቲ ተግባር ኮኒኖምዎ ኣለዉ።

ኣብ ማሊ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ብሰንኪ ምሕደራን ቁጠባዊ ዝሕታለን ሰልስተ ዓበይቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ ነይሩ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኣቡበከር ከታን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ምስሕሓብ ተፈጢሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቶም ተቓወምቲ ሰልፍታት ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ኣለዎ ብምባል ዓበይቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየድ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ግን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ስልጠኑ ክወርድ ዝጠልብዎ ዝነበሩ ሓሳብ ገዲፎም፡ ፕረዚደንት ከየታ፡ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ዝሓወሰ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስረት ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኣቡበከር፡ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንሓምሽተ ዓመት ክመርሕ ስልጣን ከምዝሓዘን፡ እንተኾነ ግን፡ ብሰንሲ መጥቃዕቲ ጂሃዳውያን ሓይልታትን ቁጠባዊ ቁልውላውን ብዙሕ ጸቕጢ ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ።

ብዙሓት ደቂ-ማሊ ድማ እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ዕግርግር ንጂሃዳውያን ሓይልታት ዕድል ከይህቦም ስግኣቶም ይገልጹ ኣለው።