ሰልፈኛታት ማሊ መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ተቖጻጺሮም

ሰልፈኛታት ኣብ ከተማ ባማኮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ርእሰ-ከተማ ማሊ ባማኮ፡ ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ሰልፈኛታት መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ብምቊጽጻር ስርሓ ከተቋርጽ ከምዘገደድዋ ተሓቢሩ።

ፖሊስ፡ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ከምዝተኮሱ ተገሊጹ። ገለ ካብቶም ሰልፈኛታት ናብ ህንጻ ሃገራዊ ባይቶ ሰይሮም ክኣትው ከምዝፈተኑ'ውን ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቶም ሰልፈኛታት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣቡበከር ከታ ካብ ስልጣኑ ክወርድ እዮም ዝጠልቡ ዘለው።

እታ ሃገር ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላውን መጥቃዕቲ ጂሃዳውያን ጉጅለታትን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣቲያ ከምዘላ ይግለጽ።

እቶም ብኢማም መሓመድ ዲኮ ዝምርሑ ተቃወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር'ውን ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ስልጠኑ ክወርድ ዝጠልብዎ ዝነበሩ ሓሳብ ገዲፎም፡ ፕረዚደንት ከየታ፡ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ዝሓወሰ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስረት ይጠልቡ ኣለው።

ምዕባለታት እቲ ሰልፊ

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ከተማ ባማኮ ወጺኦም ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይጠልቡ ኣለው።

ገለ ካብቶም ሰልፈኛታት ናብ ህንጻ መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ብምኻድ ወሪሮም ስርሓ ከተቋርጽ ገይሮማ። ገለ ሰልፈኛታት ድማ መገድታት ዓጽዮም ከምዘለው ይግለጽ ኣሎ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ ሓደ ሰብ ኣብ ኣፍደገ ህንጻ ባይቶ እታ ሃገር ከምዝተቐትለ'ውን ምንጭታት ንሮይተርስ ሓቢሮም።

ስለምንታይ እዮም ሰለማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ዘለው?

ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ሰልስተ ዓበይቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ'ሎ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኣቡበከር ከታን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ምስሕሓብ ምስ ተፈጥረ'ዩ እቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ተጀሚሩ።

እቶም ተቓወምቲ ሰልፍታት ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ኣለዎ ብምባል ዓበይቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም።

ኣብዚ እዋን ግን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ስልጠኑ ክወርድ ዝጠልብዎ ዝነበሩ ሓሳብ ከምዝገደፉን፡ ፕረዚደንት ከየታ፡ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ዝሓወሰ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስረት ይጽውዑ ኣለው።

ፕረዚደንት ኣቡበከር፡ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንሓምሽተ ዓመት ክመርሕ ስልጣን ከምዝሓዘን፡ እንተኾነ ግን፡ ብሰንሲ መጥቃዕቲ ጂሃዳውያን ሓይልታትን ቁጠባዊ ቁልውላውን ብዙሕ ጸቕጢ ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ።

ብዙሓት ደቂ-ማሊ ድማ እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ዕግርግር ንጂሃዳውያን ሓይልታት ዕድል ከይህቦም ስግኣቶም ይገልጹ ኣለው።