ልኡኻት ምስ መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ማሊ ተሰማሚዖም

ማሊ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ልኡኽ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኢኮዋስን ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ነታ ሃገር የመሓድሩ ዘለዉ ኣባላት መራሕቲ ወተሃደራት ማሊን፡ ኣብ ብዙሓት ነጥብታት ከምዝተሰማምዑ ገሊፆም።

እቲ ኣብ ሞንጎኦም ንሓደ መዓልቲ ዝተኻየደ ልዝብ እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምምላስ ዝዓለመ እንትኸውን፡ እቲ ዘተ ሎሚ ሰኑይ እውን ክቕፅል ትፅቢት ይግበር።

ነዚ ኣሸማጋሊ ጉጅለ ይመርሕ ዘሎ ፕረዝደንት ናይጄርያ ዝነበረ ጉድላክ ጆናታን፡ "ክሳብ ሕዚ ኣብ ብዙሓት ነጥብታት ክንሰማማዕ ክኢልና ኢና፤ ግና ኣብ ኩሎም ዝተዛተናሎም ኣይኮነን" ኢሉ።

ከም ሓበሬታ ማዕኸን ዜና AFP እቶም ወተሃደራዊ መራሕቲ፡ እታ ሃገር ብወተሃደራዊ ስግግር ብዝምራሕ ኣካል ንሰለስተ ዓምት ክትመሓደርን ኣመሰራርታ ማሊ ከም ብሓድሽ ክምርመርን እዮም እማመ ኣቕሪቦም።

እዚ ጁንታ (ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምግባር ኣብ ስልጣን ዘሎ)፡ ካብ ስልጣኑ ንዝተገለፈ ፕረዝደንት ኢብራሂም ቡባከር ኬይታ ንምፍታሕ ከምዝተሰማምዐ'ውን፡ AFP ፀብፂቡ።

ኢኮዋስ፡ ኬይታ ናብ ስልጣኑ ንክምለስ ብተደጋጋሚ ዝፀውዐ እንትኸውን፡ እዚ ፃውዒት ዘይተውሓጠሎም ማላውያን ግና ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ከምዝድግፉ ገሊፆም እዮም።