ማሊ ንክልተ ኣብ ራዲሰን ብሉ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጅሃዳውያን ንሞት ፈሪዳቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቤት ፍርዲ ማሊ፡ ብ2015 ኣብ ርእሰ ከተማ ማሊ ንወጻእተኛታት ዓሊሞም መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ክልተ ውልቀ ሰባት ብሞት ክቅጽዑ ፍርዲ ሂቡ።
ኣብ መርሒ መጋቢት 2015 ኣብ ባሞካ ዝተባህለ ለይታዊ ትልሂት፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ድማ ኣብ ሆቴል ራዲሰን ብሉ ብረት ዝዓጠቁ ሰባት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 25 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።
ሓደ ካብዞም በዚ መጥቓዕቲ ተኸሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብጅሃዳዊ ጉጅለ ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ ንሱ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስርሒት ምስታፉ 'ሓብን’ ከም ዝስመዖ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ።
ኣብ ማሊ ጅሃዳዊ ጉጅለታት ካብ 2012 ጀሚሮም ብሰፊሕ ስርሒታት ናይ መጥቃዕቲ ከም ዘካይዱ ዝፍለጥ ኮይኑ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክፍረዱ ምርኣይ ግን ልሙድ ኣይኮነን።
ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ማሊ ብምዃን ኣብቲ ኣንጻር ጅሃዳዊ ጉጀለታት ዝገብርዎ ኵናት ይሕግዞም እዩ።
እንተኾነ መንግስቲ ማሊ ኣብ መላእ ሃገሩ ምሉእ ምቁጽጻር ከረጋግጽ ኣይክኣለን።
ሞርታንያዊ ፋዋዝ ኣል ኣህመዳ፡ ነቲ ንነቢ መሓመድ ዘነኣእስ ኣብ መኽዝን ቻርሊ ሃብዲ ዝተሓተመ ካርቱን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ለይታዊ ትልሂት ላ ተሬሳ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ’ዩ ገሊጹ።
በቲ ኣብ ላ ተሬሳ ዝተፈጸመ መጥቃዕተ ሰለሰተ ማላውያን፣ ሓደ ፈረንሳውን ሓደ ቤልጂማውን እዮም ሞይቶም።
ምስ ፋዋዝ ኣል ኣህመዳ ኮይኑ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፈ ተወላዲ ማሊ ሳድኦ ቻካ’ውን ብሞት ክቅጻዕ ቤት ፍርዲ በይኑ ኣሎ።
ፋዋዝ ኣል ኣህመዳ፡ ነቲ ኣብ ሆቴል ራዲሶን ብሉ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’ውን ንሱ እዩ ሃንዲስዎ።
ኣብቲ ሆቴል ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ብረት ዝዓጠቁ ን170 ሰራሕተኛታት እቲ ሆቴልን ኣጋይሽን ጅሆ ብምሓዝ ሓይልታት ጸጥታ መጺኦም ነቲ ሆቴል ክሳብ ዝቆጻጸርዎ ን20 ካብቶም ጅሆ ሒዞሞም ዝነበሩ ቀቲሎም።
ትሽዓተ ተወለድቲ ማሊ፣ ሰራሕተኛታት በረራ ሩስያ፣ ኣብ ማሊ ላዕለዋይ ሓላፊ ስነ ህንጻ ኮይኑ ዝሰርሕ ቻይናዊ፣ ቤልጂማዊ ፖሎቲከኛ፣ ኣሜሪካዊ ሰራሕተኛ ትካል ረዲኤን ካብቶም ኣብቲ ሆቴል ዝተቐተሉ እዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







