ግዝያዊ ፕረዚደንት ማሊ ሎሚ ቃለማሕላ ፈጺሙ

ግዝያዊ ፕረዚደንት ባህ ንዳው ሎሚ ቃለማሕላ እናፈጸመ

ምንጪ ስእሊ, ORTM1

መግለጺ ስእሊ, ግዝያዊ ፕረዚደንት ባህ ንዳው ሎሚ ቃለማሕላ እናፈጸመ

ቅድሚ ሓሙሽተ ሳምንታት ብወተሃደራዊ ዕልዋ ንፕረዚደንት ኢብራሂም ባቦካር ከይታ ካብ ስልጣን ዝኣለየት ማሊ፡ ልዕሊ ወርሒ ቅልውላው ዝብዝሖ እዋን እያ ኣሕሊፋ።

ኣብ ሞንጎ ነቲ ዕልዋ ዘካየዱ ሰራዊትን ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ክካየድ ብዝጸንሐ ዘተ መሰረት ድማ ግዝያዊ ፕረዚደንት ሎሚ ቃለማሕላ ፈጺሙ'ሎ።

ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ኢብራሂም ባቦካር ሚኒስትር ምክልኻል ዝነበረ ባህ ንዳው ፕሬዝደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ማሊ ኮይኑ ክመርሕ እዩ።

ነቲ ዕልዋ መሪሑ ዘካየደ ኮሮኔል ኣሲም ጎይታ እዩ ባህ ንዳው ግዚያዊ ፕሬዝደንት መሪጹዎ።

ነቲ ዕልዋ ዝምረሐ ኮሮኔል ኣሲም ጎይታ ድማ ግዝያዊ ምክትል ፕረዚደንት መሰጋገሪ እዋን ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ሓዲሽ ተመስሪቱ ዘሎ መንግስቲ ክሳብ ምርጫ ዝኻየድ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ስልጣን ከም ዝጸንሕ ተገሊጹ።

ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስን መራሕቲ ምዕራብ ኣፍሪቃን ድሕቲ እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ልዕሊ ማሊ ቁጠባዊ እገዳ ብምግባር እቶም መንግስታዊ ዕልዋ ዘካየዱ ሰራዊት ካብ ሲቪል ፕረዚደንት ክምርጹን እዚ እንተገይሮም ነቲ ቁጠባዊ እግዳ ከም ዘልዕልዎን ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

እታ ብመሬት ዝተኸበበት ሃገረ ማሊ በቲ ንሓደ ወርሒ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ቁጠባዊ እገዳ ዓብዪ ቁጠባዊ ሃስያ ከም ዝወረዳን ኣብ ርእሰ ከተማ ባማኮ ዋሕዲ ቀረባት ይርአ ከም ዘሎን እዩ ዝንገር።

(ብየማን) ግዚያዊ ፕሬዝደንት ማሊ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ህዝቢ ማሊ፡ ድሕሪ እቲ ሎሚ ዝኻየድ ፕረዚደንታዊ ቃለ መሓላ ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ ንምልዓል እቲ እገዳ ዝምልከት ብስራት ክስምዖም’ዮም ሃንቀው ዝብሉ ዘለዉ።