ግዝያዊ ፕረዚደንት ማሊ ሎሚ ቃለማሕላ ፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, ORTM1
ቅድሚ ሓሙሽተ ሳምንታት ብወተሃደራዊ ዕልዋ ንፕረዚደንት ኢብራሂም ባቦካር ከይታ ካብ ስልጣን ዝኣለየት ማሊ፡ ልዕሊ ወርሒ ቅልውላው ዝብዝሖ እዋን እያ ኣሕሊፋ።
ኣብ ሞንጎ ነቲ ዕልዋ ዘካየዱ ሰራዊትን ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ክካየድ ብዝጸንሐ ዘተ መሰረት ድማ ግዝያዊ ፕረዚደንት ሎሚ ቃለማሕላ ፈጺሙ'ሎ።
ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ኢብራሂም ባቦካር ሚኒስትር ምክልኻል ዝነበረ ባህ ንዳው ፕሬዝደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ማሊ ኮይኑ ክመርሕ እዩ።
ነቲ ዕልዋ መሪሑ ዘካየደ ኮሮኔል ኣሲም ጎይታ እዩ ባህ ንዳው ግዚያዊ ፕሬዝደንት መሪጹዎ።
ነቲ ዕልዋ ዝምረሐ ኮሮኔል ኣሲም ጎይታ ድማ ግዝያዊ ምክትል ፕረዚደንት መሰጋገሪ እዋን ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ሓዲሽ ተመስሪቱ ዘሎ መንግስቲ ክሳብ ምርጫ ዝኻየድ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ስልጣን ከም ዝጸንሕ ተገሊጹ።
ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስን መራሕቲ ምዕራብ ኣፍሪቃን ድሕቲ እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ልዕሊ ማሊ ቁጠባዊ እገዳ ብምግባር እቶም መንግስታዊ ዕልዋ ዘካየዱ ሰራዊት ካብ ሲቪል ፕረዚደንት ክምርጹን እዚ እንተገይሮም ነቲ ቁጠባዊ እግዳ ከም ዘልዕልዎን ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
እታ ብመሬት ዝተኸበበት ሃገረ ማሊ በቲ ንሓደ ወርሒ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ቁጠባዊ እገዳ ዓብዪ ቁጠባዊ ሃስያ ከም ዝወረዳን ኣብ ርእሰ ከተማ ባማኮ ዋሕዲ ቀረባት ይርአ ከም ዘሎን እዩ ዝንገር።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ህዝቢ ማሊ፡ ድሕሪ እቲ ሎሚ ዝኻየድ ፕረዚደንታዊ ቃለ መሓላ ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ ንምልዓል እቲ እገዳ ዝምልከት ብስራት ክስምዖም’ዮም ሃንቀው ዝብሉ ዘለዉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







