ዓዲ ኢንግሊዝ፡ መዓልታዊ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ይልከፉ ኣለው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ መዓልታዊ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ይልከፉ ከም ዘለው ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
እዚ ብኢምፔሪካል ኮሌጅ ለንደን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ናህሪ ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ይውስኽ ከም ዘሎን ብዝሒ ዝተሓዙ ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትሸዓተ መዓልታት ብዕጽፊ ይውስኽ ምህላውን ሓቢሩ።
ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ኣዝዩ "ሓደገኛ ደረጃ" ስለ ዘሎ "ሓደ ነገር ክግበር ኣለዎ" ኢሉ።
ፈረንሳን ጀርመንን ብምኽንያት እቲ ዝርአ ዘሎ ለብዒ ስጉምቲ ዕጸዕዋ ክወስዳ ጀሚረን ኣለዋ።
ሰብ ሞያ ጥዕና ዓዲ ኢንግሊዝ ድማ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ረኽሲ ቅድሚ ምብጻሕና ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ይብሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ኣብ ኩሉ ደረጃ ዕድመ ዘለው ሰባትን ኣብ መላእ እታ ሃገርን ከም ዘሎ ዝሕብሩ እዞም ሰብ ሞያ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ኢንግሊዝ ልዑል መጠን መልከፍቲ ከም ዝርኣይ ኣመልኪቶም።
ካብዚ ብዝብገስ፡
- ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ቑጽሪ ብዕጽፊ ወሲኹ ሓደ ካብ 78 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ይርከብ ኣሎ
- ዮርኪሽን ሁምበርን እተን ኣዝን ዝተጠቕዓ ኮይነን፡ ሓደ ካብ 37 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ይኸውን ኣሎ። ሰሜን ምዕራባዊ ዞባ እታ ሃገር ድማ ቐጺሉ ልዑል መልከፍቲ ዝርኣየሉ ዞባ ኮይኑ ኣሎ
- ዕድሚኦም ካብ 55 ክሳብ 65 ዓመት ዝኾኑ ሰለስተ ዕጽፊ፣ ዕድሚኦም ልዕሊ 65 ዓመት ዝኾኑ ድማ ክልተ ዕጽፊ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ኮይኖም ኣለው
- ብሓፈሻ መጠን መልከፍቲ በብትሸዓተ መዓልቲ ብዕጽፊ ይውስኽ እዩ ዘሎ
- ኣብዚ ሕጂ እዋን 96 ሽሕ ሰባት መዓልታዊ በቲ ቫይረስ ይተሓዙ ኣለው

ሓደ ካብ ጽሓፍቲ እቲ መጽናዕቲ ዝኾነ ፕሮፌሰር ስቴቨን ሪሌይ፡ በቲ ቑጽሪ "ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ" ብምግላጽ "እቶም ሕጂ ዝውሰዱ ዘለው ስጉምታት እኹል ኣይኮኑን" ኢሉ።
"ክቕየር ኣለዎ፤ መጠን መልከፍቲ ዝውስኸሉ ዘሎ ናህሪ ቀሊል ኣይኮነን፤ በቲ በለ በቲ ቅድሚ በዓል ልደት ክልወጥ ዘለዎ ነገር ክልወጥ ይግባእ"።
እቲ ሕብረሰተብ እውን እቶም ዝውሃቡ መምርሒታት ምክልኻል ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ብኣግባቡ ከተግብሮም ኣዘኻኺሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







